ኣመሪካውያን ክኢላታት ነቲ ብዛዕባ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጸብጻብ መርመራ ነቒፎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካውያን ክኢላታት ድሕነት ኣቬሽን ነቲ ቅድሚ ዓመታት ዘጋጠመ ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸአ ጸብጻብ መርመራ ነቒፎም።
ቅድሚ 4 ዓመት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ዝተበገሰት ቦይንግ 737 ማክስ-8 ነፋሪት፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ደቓይቕ ወዲቓ፡ ካብ 35 ሃገራት ዝመጹ 175 ተጓዓዝቲ ምሟቶም ይዝከር።
ኢትዮጵያ፡ ውጽኢት ናይቲ ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምጽራይ ዝተገብረ መርመራ ብ14 ታሕሳስ 2015 ኣፍሊጣ ነይራ።
ብመሰረት እዚ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ቦይንግ ዝገጠሞ MCAS (Maneuvering Characteristics Augmentation System) ዝበሃል ሶፍትዌር መቆጻጸሪ በረራ ዝተፈጠረ ጸገም ነታ ነፋሪት ክትወድቕ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይገልጽ።
ቦይንግ ብዛዕባ እቲ ናይ በረራ ቁጽጽር መተግበሪ እኹል ሓበሬታ ከም ዘይሃበን ነቶም ኣብረርቲ ዝኸውን ናይ MCAS ስልጠና ከም ዘየዳለወን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምርመራ ሓደጋ ነፈርቲ ኮሎኔል ኣምደየ ኣያሌው ከም ዝገለፁ ተሓቢሩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ክኢላታት ድሕነት መጓዓዝያ ኣየር ኣመሪካ፡ እቲ ብኢትዮጵያውያን ክኢላታት ዝቐረበ ጸብጻብ መርመራ፡ ንስልጠና እቶም ኣብረርቲን ነቶም ኣብ ህጹጽ ኩነታት ክትግበሩ ዝግበኦም ኣገባባትን ግቡእ ቆላሕታ ኣይሃብን ክብሉ ከም ዝነቐፉ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብውሑዱ ምስ ክልተ ወሰንቲ ርኽበታት ከም ዘይሰማማዕ ኣመልኪቱ።
እቲ ቦርድ ብዛዕባ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኢትዮጵያውያን መርመርቲ፡ ኣብ ፀገም ዲዛይን እታ ነፋሪት ኣብቲ ሓደጋ ክህልዎ ዝኽእል ኣበርክቶ ትኹረት ብምግባር ንስልጣን ሰራሕተኛታት በረራን ኣብ እዋን ሓደጋ ዝወሰድዎ ስጉምትታትን ዕሽሽ ከም ዝበሉን ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ቦርድ ድሕንነት መጓዓዝያ፡ እቲ መተሓላለፊ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ክትብገስ ከላ ብኣዕዋፍ ተጎዲኡ ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ መርመራ ድማ ነዚ ተኽእሎ ዕሽሽ ከም ዝበሎን ገሊጹ።
እንተኾነ ኣብ መስርሕ መርመራ፡ እዚ ጉድኣት ከም ዘጋጠመ ዝሕብር መርትዖ ከም ዘይተረኽበ ኣብቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጸብጻብ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ብወገን ኣመሪካ ድማ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ፈተሸ እኳ እንተተገብረ፡ እቲ መተሓላለፊ ሓበሬታ ከም ዘይተረኽበ ተገሊጹ’ዩ።
ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢንዶነዥያ 'ላያን ኤየር' ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ድሕሪ እቲ ካልኣይ ዘሕዝን ሓደጋ፡ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ኣብ መላእ ዓለም ካብ በረራ ተኣጊደን ከም ዝጸንሓ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ዝተደናጐየ ጸብጻብ ምርመራ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ በረራ ኢቲ 302 ካብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሕሪ ምብጋሳ ነዊሕ ከይጸንሐት ግጉይ ሓበሬታ ናብ ስርዓት ቁጽጽር በረራ ብምልኣኻ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከም ዝኾነት ገሊጹ።
ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ናይ መወዳእታ ጸብጻቡ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ኣብ እዋን መርመራ ሓደጋ ብዙሕ ጸቕጥታት ከም ዝነበረን፡ ንሕቶታት ክልቲኦም ወገናት ዝምልስ ጸብጻብ ከም ዝተዳለወን ተጠቒሱ።
ብተወሳኺ ሓላፊ ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ኮሎኔል ዓምዳየ ኣያሌው፡ ምስ ኩባንያ ቦይንግ፣ ምምሕዳር ፌደራል ኣቬሽን ኣመሪካ፣ ሃገራዊ ቦርድ ድሕነት መጓዓዝያ ከምኡ’ውን ቢሮ መርመራ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ፈረንሳ ብምትሕብባር እቲ መርመራ ከም ዝተኻየደን ሓበሬታ’ውን ከም ዝተለዋወጡን ገሊጹ።
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዳግማዊት ሞገስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ እቲ ፀብፃብ ምርመራ ኣባላት ሰራሕተኛታት በረራ ብቑዓትን ፍቓድ ዘሐደሱን ምዃኖም ከም ዘረጋገጸ ሓቢራ።
ብተወሳኺ እታ ነፋሪት ኣብ ኣየር ክትበርር ኣብ እትኽእለሉ ኩነታት ከም ዝነበረት ምርግጋጹን ሕጋዊ ምስክር ወረቐት’ውን ከም ዝነበራን ተዛሪባ። ክብደትን ሚዛንን እታ ነፋሪት ኣብ ውሽጢ ዝተፈቐደ ደረት ከም ዝነበረ’ውን ሓቢራ።
ቦይንግ፡ ን737-MAX 8 ድሕሪ ምፍራዩ፡ ምትካል ሶፍትዌር መቆጻጸሪ በረራ MCAS ምስጢራዊ ኮይኑ ኣብ መምርሒ ስልጠና ፓይለታት ከም ዘይተኻተተ ተገሊጹ ነይሩ።
ነፋሪት ላዮን ኤይር ኢንዶነዥያ ድሕሪ ምውዳቓ MCAS ዝተተኸለ ዀይኑ እቶም ኢትዮጵያውያን ፓይለታት ነታ ነፋሪት ክቆጻጸርዋ ከም ዘኽእል ዝንገረሉ ቦይንግ ዝሃቦ መምርሒ ይስዕቡ ከምዝነበሩ ይግለጽ።
ይኹን እምበር፡ ነታ ነፋሪት ንምቁጽጻር ብተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተተገብረ፡ ከም ዘይተኣዘዘትን ነዚ ስዒቡ ድማ ናብ መሬት ከም ዝወደቐትን ይንገር።
ጠንቂ እቶም ኣብ ኢንዶነዥያን ኢትዮጵያን ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ሓደጋታት፡ ቦይንግ ነታ ዘመናዊት ነፋሪት ዘዳለዎ ስርዓተ ምቁጽጻር ሓበሬታ ከም ዝኾነ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ብፍላይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዙፍ ኣመሪካዊ ኩባንያ ቦይንግ ብዙሕ ሕቶታት ካብ ምልዓል ሓሊፉ፡ ንቢልዮናት ዶላራት ክሳራ ተቓሊዑ እዩ።
ድሕሪ እቶም ክልተ ሓደጋታት፡ እታ ዘመናዊት ከም ዝኾነት ዝንገረላ ቦይንግ 737 ማክስ-8 ኣብ መላእ ዓለም ከይትበርር ተኣጊዳ ንልዕሊ ዓመትን ፈረቓን ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይና ጸኒሓ እያ።
እታ ነፋሪት ቦይንግ ኣድላዪ ጽገናታትን ፈተነታትን ምስ ተገበረላ፡ ናብ ኣገልግሎት ከም ዝተመልሰት ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







