ጠንቂ ሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ቁፅፅር በረራታት ቦይንግ ዝተፈጠረ ፀገም ምዃኑ ተገሊፁ

ስእሊታት ኣብቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስትሪ መጓዓዝያን ሎጂስቲክስን: ጠንቂ ናይቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ዘጋጠመ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 737-ማክስ 8 ኣብ ስርዓት መቆጻጸሪ በረራታት ቦይንግ ዝነበረ ጸገም ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ትማሊ 24 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ጠንቂ ሓደጋ እታ ነፋሪት፡ ኣብቲ ኤምሲኤኤስ (Maneuvering Characteristics Augmentation System) ዝበሃል ናይ በረራ መቆጻጸሪ ሶፍትዌር ዝነበረ ጸገም ምዃኑ ይሕብር።

እታ ዝወደቐት ነፋሪት ኢቲ 302 ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ድሕሪ ምብጋሳ ነዊሕ ከይጸንሐት ናብ ስርዓተ ምቁጽጻር በረራ ጌጋ ሓበሬታ ብምልኣኽ ኣፍንጭኣ ንታሕቲ ስለ ዝዞረ እቶም ፓይታት ነታ ነፋሪት ክቆጻጸሩ ከም ዘይከኣሉ ተገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዳግማዊት ሞገስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ፡ እቲ ፀብፃብ ምርመራ ኣባላት ሰራሕተኛታት በረራ ብቑዓትን ፍቓድ ዘሐደሱን ምዃኖም ከም ዘረጋገጸ ሓቢራ።

ብተወሳኺ እታ ነፋሪት ኣብ ኣየር ክትበርር ኣብ እትኽእለሉ ኩነታት ከም ዝነበረት ምርግጋጹን ሕጋዊ ምስክር ወረቐት’ውን ከም ዝነበራን ተገሊጹ። ክብደትን ሚዛንን እታ ነፋሪት ኣብ ውሽጢ ዝተፈቐደ ደረት ከም ዝነበረ’ውን ሓቢራ።

ቅድሚ ሕጂ ቦይንግ፡ እቲ ሓደጋ ኣብ ሶፍትዌር ምቁጽጻር በረራ ኤምካኤስ ብዝተፈጥረ ጸገም ከም ዘጋጠመን ጌጋ ሓበሬታ ብምልኣኹ ከም ዝተፈጠርን ገሊጹ።

ቦይንግ፡ ን737-MAX 8 ድሕሪ ምፍራዩ፡ ምትካል ሶፍትዌር መቆጻጸሪ በረራ MCAS ምስጢራዊ ኮይኑ ኣብ መምርሒ ስልጠና ፓይለታት ኣይተኻተተን።

ነፋሪት ላዮን ኤየር ኢንዶነዥያ ድሕሪ ምውዳቓ፡ MCAS ከም ዝተተኸለ ዀይኑ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ፓይለታት ነታ ነፋሪት ክቆጻጸርዋ ከም ዘኽእል ዝንገረሉ ቦይንግ ዝሃቦ መምርሒ ከም ዝተኸተሉን ተገሊጹ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ነታ ነፋሪት ንምቁጽጻር ብተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተተገብረ፡ ከም ዘይተኣዘዘትን ነዚ ስዒቡ ድማ ናብ መሬት ከም ዝወደቐትን ይንገር።

ክልተ ሓደጋታት ምስ ኣጋጠመን ህይወት ብዙሓት ሰባት ምስ ጠፍአን፡ ቦይንግ 737-MAX-8 ኣብ መላእ ዓለም ከይትበርር ከም ዝተኣገደት ይዝከር።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እታ ነፋሪት ቦይንግ ኣድላዪ ጽገናታትን ፈተነታትን ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ናብ ኣገልግሎት ከም ዝተመልሰት ገሊጹ’ዩ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ዝወስድ ቁጽሪ በረራ ኢቲ 302 ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ደቓይቕ ወዲቓ፡ ካብ 35 ሃገራት ዝመጹ ተጓዓዝቲ ምሟቶም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ፡ ሓላፍነት ናይቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ክወስድን ንስድራቤት ዝሞቱ ዓቢ መጠን ካሕሳ ክኸፍልን ተሰማሚዑ’ዩ።