ፕሪሚየር ሊግ፡ ብዓወት ጋንትኦም ዝተሓጎሱ ደገፍቲ ኣርሰናል ንፈጣሪ የመስግኑ

ምንጪ ስእሊ, Kennedy Muriithi
ካብዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ ዓዲ-እንግሊዝ፡ እቲ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ለንደን ዝነበረ ግጥም ኣቓልቦ ስሒቡ'ሎ።
እቲ ኣብ መንጎ ኣርሰናልን ክሪስታል ፓላስን ዝነበረ ግጥም ብዓወት ናይቶም ብ'ዘ ጋነርስ' ዝፍለጡ ጋንታ ኣርሰናል'ዩ ተዛዚሙ።
ኣብ ዱባይ ምውቕ ዕረፍቲ ረኺባ ዝተመልሰት ኣርሰናል ንክሪስታል ፓላስ 5 ብ 0 ምፍናዋ ድማ ኣብ ደገፍታ ዓቢ ሓጎስ ፈጢሩ'ሎ።
ብፍላይ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ገለ ደገፍቲ እታ ጋንታ፡ ናብ ቤተክርስትያን ብምኻድ ምስጋናኦም ንፈጣሪ ከቕርቡ ተራእዮም።
ትማሊ ሰንበት ሓደ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ቤተክርስትያን፡ ደገፍቲ ኣርሰናል ነቲ ብቀዳም ዝተጓናጸፍዎ ዓወት ንኣምላኾም ንምምስጋን ፍሉይ መደብ ኣዳልዩ ነይሩ።
እቶም ብሓበን ማልያታት ጋንትኦም ዝለበሱ ደገፍቲ፡ ብሓጎስ መዛሙር ክዝምሩን ክውድሱን ተራእዮም።
ናይ ኩዕሶ ነገር፡ ጽቡቕ ኣሎ ሕማቕ ኣሎ ግን፡ ፈጣሪ ኣብ ጎኒ ጋንትኦም ክኸውን ጸለቶምን ምህለላኦምን ኣይረስዑን።
ስእልታት ናይቶም ደገፍቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ተዝርግሐ ዝተፈላለየ ግብረመልሲ'ዩ ረኺቡ። ገለ ኣገናዕ ክብሎም እንከሎ፡ ገለ ድማ ከነኣእስዎ ተራእዮምን ተሰሚዖምን።
ኣርሰናል፡ ምስቲ ብቀዳም ዝሓፈሰቶ 3 ነጥቢን 5 ሸቶታትን፡ ብድምር 43 ነጥቢ ብምውህላል ኣብቲ ሊግ መበል ሰለስተ ተሰሪዓ'ላ- ስለዚ ምስታ ሓደ ጸወታ ዝተርፋ ዘሎ ማንቸስተር ሲቲ ብነጥቢ ማዕረ ኮይና'ላ።
እቲ ብጋብሪኤል ማኻልኣይስ ዝተኸፍተ ዋሕዚ ሸቶታት፡ ሊያንድሮ ትሮሳርድን ክልተ ዘመዝገበ ጋብሪኤል ማርቲነሊን ዘሳተፈ'ዩ ነይሩ። ኣርሰናል፡ ካብቲ ባዕሉ ናብ ልዳቱ ዘመዝገበ ተኸላኻላይ ፓላስ ዲን ሄንደርሰን'ውን ሓንቲ ሸቶ ተበርኪቱላ'ዩ።
ውጽኢት ናይቲ ዝተረፈ ግጥማት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ብቀዳም ዝነበረ ካልእ ግጥም ድማ፡ እታ መበል 14 ተሰሪዓ ዘላ ብረንትፈርድ ነታ ኣብ መበል 16 ትርከብ ኖቲንግሃም ፎረስት 3 ብ 2 ስዒራታ።
ብሰንበት ኣብ መንጎ ሸፊልድ ዩናይትድን ኣብ ምብራቕ ለንደን እትርከብ ዌስትሃም ዩናይትድን ነፍሲወከፍን ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ማዕረ ዛዚመን።
እታ 35 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ መበል 6 ተርታ ተሰሪዓ ዘላ ዌስትሃም ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ቦታ ንምርካብ ንላዕሊ ተቋምት ዘላ'ያ።
ብኣንጻሩ እታ ካብ ባይታ ምንቕ ምባል ተሳኢኑዋ ዘሎ ሸፊልድ 10 ነጥቢ ሒዛ ኣብ መበል 20፡ ማለት ጭራ ትርከብ።
ትማሊ ሰንበት ዝነበረ ዝዓበየ ግጥም ድማ ኣብ መንጎ ሊቨርፑልን ቦርንመዝን ዝነበረ'ዩ። እታ 48 ነጥቢ ሒዛ ነቲ ሊግ ትመርሖ ዘላ ሊቨርፑል ነታ ኣብ ሜዳኣ ዝተጻወተት ቦርንመዝ 4 ብ 0 ኣፋንያታ።
ሎሚ ሰኑይ ምሸት ድማ ብራይቶን ሆቭ ኣልቢዮን ኣብ ሜዳኣ ምስ ዎልቨርሃምፕቶን ክትገጥም'ያ።
እታ ዓርቢ ራብዓይ ዙርያ ግጥም ዋንጫ ኤፍ-ኤ ኣንጻር ቶተንሃም ክትገጥም ትዳሎ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ግን፡ መበል 21 ናይ ፕሪሚየር ሊግ ግጥማ ረቡዕ 31 ጥሪ እያ ከተካይድ። እታ 43 ነጥቢ ዘለዋ ሲቲ ሓደ ዝያዳ ጸወታ ሒዛ እግሪ እግሪ ሊቨርፑል ትስዕብ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







