ብጽሒት ማን ዩናይትድ ዝገዝእ ዘሎ ጂም ራትክሊፍ መን’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሓደ ካብቶም ሃብታማት ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ሰር ጂም ራትክሊፍ ብዙሕ ተፈታውነት ዘይረኸቡ ትካላት ብምዕዳግ ብቢልዮናት ዝትመን ንግዲ ከቕውም ዝኸኣለ ቢልዮነር’ዩ።
ሕጂ ድማ ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ እንግሊዝ ኣዝየን ዝፍተዋ ጋንታታት ዝዀነት ማንቸስተር ዩናይትድ 25 ሚእታዊት ብጽሒት ንምዕዳግ ኣስታት 1.25 ቢልዮን ፓውንድ ዝግመት ውዕል ተሰማሚዑ ኣሎ።
20 ግዜ ሻምፕዮን ኢንግሊዝ ዝዀነት ማን ዩናይትድ ኣብ ፕረምየርሊግ ዛሕቲላ ምህላዋ ይፍለጥ።
ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ኤሪክ ተን ሃግ ኰይና ካብ ካልኦት ውድድራት’ውን ተባሪራ ኣላ። ብዓይኒ ቢዝነስ ግን እታ ጋንታ ኵሉ ግዜ ልዑል ዋጋ ኣለዋ፤ ኣብ መላእ ዓለም ብዝሒ ደገፍታ ወትሩ ምስወሰኸ እዩ።
መስራቲ ኩባንያ ኢንዮስ [ኣብ ነዳዲ፡ ኬሚካላትን ካልእን ዝነጥፍ ገዚፍ ኩባንያ] ጂም ራትክሊፍ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጥሪ እዩ፡ ስድራቤት ግላዘር ንመሸጣ ይሓስቡ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጾም ኣብታ ጋንታ ብጽሒት ክገዝእ ድሌት ከምዘለዎ ዘአንፈተ።
ስድራቤት ግሌዘር፡ ኣብታ ሰር ኣሌክስ ፈርጉሰን ኣብ 2013 ብጥሮታ ካብ ዝእለ ንደሓር ተንከርከር ትብል ዘላ ጋንታ እኹል ወፍሪ ኣይገበረን ብዝብል ክነቅፍ ጸኒሑ’ሎ። ዋንጫ ካራባኦ 2022/23 ቅድሚ ምዕታራ፡ ካብ 2017 ንነጀው ዋንጫ ኣይረኸበትን።
ሰር ጂም ራትክሊፍ ክሳብ ቀረባ እዋን ካብ ባንከኛ ቐጠር ሸኽ ጃስም ቢን ሓማድ ኣ'ታኒ ከቢድ ውድድር ጨረታ ይገጥሞ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ግን እቲ ቀጠራዊ ካብቲ ውድድር ብምስሓቡ ንጂም ባይታ ፈጢሩሉ።
ኣብ ዓባይ ማንቸስተር ዝተወልደ ሰር ጂም ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ደጋፊ ዩናይትድ እዩ።
ብተሪር ናይ ምክርኻር መርገጺኡ ዝፍለጥ እዚ ቢልየነር ኣብ ሓደ እዋን ብማሕበራት ሰራሕተኛታት ‘ዶክተር ኖ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።
መጽሄት ፎርብስ ንሃብቱ ኣስታት 18 ቢልዮን ዶላር (15.8 ቢልዮን ፓውንድ) ክግምቶ እንከሎ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካልኣይ ዝሃብተመ ሰብ ምዃኑ ዝገልጽ ዝርዝር ሃብታማት ‘ሳንደይ ታይምስ’ ድማ፡ ሃብቱ ናብ 30 ቢልዮን ፓውንድ ከምዝቐረበ የመልክት።
ሰር ጂም፡ ኵሉ ዘፍርዮ ኬሚካላቱን ጥረ ነገራትን ዳርጋ ናብ ኵሉ መዓልታዊ እንትንክፎ ነገራት ዝኣቱ ‘ኢንዮስ’ ዝተበሃለ ኩባንያ ፈጢሩ።
ኣብ 29 ሃገራት ኣብ ዝርከቡ 194 ትካላት እቲ ኩባንያ ኣስታት 50 ቢልዮን ፓውንድ መሸጣ ዘካይድ ኰይኑ ልዕሊ 26 ሽሕ ሰባት ቈጺሩ የስርሕ።
ዘፍርዮም ጥረ ነገራት ከኣ ካብ መዐሸጊ ናይ ሽቓቕ ናውቲ፡ መድሃኒትን መግብን ክሳብ ሞባይልን ኣቝሑት ገዛን ኣብ ኵሉ የገልግሉ።
ሰር ጂም ወትሩ ኣብ ኬሚካላትን ኢንዱስትሪን እዩ ዝነጥፍ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ 1974 ካብ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ብኬሚካል ምህንድስና ድሕሪ ምምራቑ፡ ኣብ ትካላት ነዳዲ ቢፒን ኤሶን [BPን Essoን] ንብዙሕ ዓመታት ኣገልጊሉ።
ድሕሪኡ ኣብ 1989 ኣብ ‘ኣድቨንት ኢንተርናሽናል’ [ሓደ ካብቶም ዝዓበዩን ዝነውሐ ግዜ ዘገልገሉን ነጻ ናይ ብሕቲ ምዕሩይነት ሽርክነታት] ብዛዕባ ውዕላት ምፍጻም ምሂሩ።
ቀጺሎም ንሱን ብጻዩ ነጋዳይ ጆን ሆሎውድን ኣብ 1992 ኣብ ከባቢ ሳውዝሃምፕተን ዝርከብ ክፍሊ ኬሚካላት ቢፒ (ብሪቲሽ ፔትሮልየም) ብ40 ሚልዮን ፓውንድ ዓዲጎሞ።
እቲ ‘ኢንስፐክ’ ዝተባህለ ትካል ንግዲ ቀጺሉ ኣብ ኣንትዋርፕ ቤልጅየም ዝርከብ ናይ ቢፒ ፍሉይ ትካል ኬሚካላት ወኒንዎ። ብድሕሪኡ ሰር ጂም ኣብ 1998 ናይ ገዛእ ርእሱ ትካል ኢነዮስ ብምምስራት ወጺኡ፤ እዚ ኩባንያኡ ድማ ነቲ ናይ ቤልጅየም ትካል ብ89 ሚልዮን ፓውንድ ዓዲጉ ጠቕሊልዎ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኢነዮስ ገዚፍ ማእከል ከሚካል ክኸውን በቒዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንግዳዊ ሸውሃት ሰር ጂም ካብ ኬሚካላት ርሒቑ ኣሎ። ነታ ኣብ 2016 ምፍራይ ዘቋረጸት ላንድሮቨር ዲፈንደር መሰረት ዝገበረት ሓዳስ መኪና ንምስራሕ መደብ ከምዘለዎ ድማ ኣፍሊጡ።
ይዅን እምበር ኣብ 2020 ኣብ እዋን ህዝበ ውሳነ ‘ብረክዚት’ ጎስጓሲ ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝነበረ ሰር ጂም፡ እታ ሓዳስ 4x4 መኪና ኣብ ፈረንሳ ክትስራሕ ምዃና’ዩ ገሊጹ።
ኩባንያ ኢነዮስ ኣብ 2017 ነቲ ኣብ ሓደ እዋን ተዋሳኣይ ስቲቭ ማክዊን ዝኽደኖ ዝነበረን ከም በዓል ዴቪድ ቤክሃም ዝኣመሰሉ ንጃኬታቱ ሞዴል ዝዀንዎን ኣፍራዪ ክዳውንቲ ሞተር ብሽክለተኛታት - ቤልስታፍ ዓዲጉ።
ኢነዮስ ኣብ ውድድር መኪና ምስ እትሳተፍ ጋንታ መርሰድስ ኤፍ-1 እውን ሽርክነት ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ከምኡ'ውን ኣብ 2019 ሰር ጂም ሓድሽ ወናኒ ናይ ሓንቲ ልዑል ሽም ዘለዋ ፕሮፌሽናል ጋንታ ብሽክለታ ቲም ስካይ ኰይኑ። ሕጂ እታ ጋንታ ‘ኢነዮስ ግሬናድየርስ’ ተባሂላ ትጽዋዕ።
ሰር ጂም ኣብ ኩዕሶ እግሪ ድሌታት ነይርዎ’ዩ። ንፈረንሳዊት ጋንታ ኒስን ስዊዘርላንዳዊት ጋንታ ሎዛን-ስፖርትን ድማ ይውንን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ድማ ወናኒ ጋንታ ቸልሲ ሮማን ኣብራሞቪች ነታ ጋንታ ንመሸጣ ድሕሪ ምቕራቡ እቲ ቢልየነር ንክዕድጋ 4.25 ቢልዮን ፓውንድ እንተቕረበ’ኳ ክዕወት ግን ኣይከኣለን።
ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ደጋፊ ማንቸስተር ዩናይትድ ከምዝዀነ ብምሕባር ነታ ዝድግፋ ጋንታ ብጨረታ ክዕድጋ ዘይፈተነሉ ምኽንያት ድማ ንመሸጣ ብዘይምቕራባ እዩ ኢሉ።
ድሕሪ ሎሚ ግን ብመሰረት እቲ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ዝተኣወጀ ስምምዕ ንንጥፈታት ኩዕሶ እግሪ ዩናይትድ ክቈጻጸር እዩ።
ወዲ 71 ዓመት ራትክሊፍ ንመጻኢ ኣብ ኦልድትራፎርድ ንዝግበር ወፍሪ እውን 300 ሚልዮን ዶላር (236 ሚልዮን ፓውንድ) ክህብ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







