ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023፡ መዓስ፣ ኣበይ፣ መን ትዕወት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 (ኣፍኮን) ካብ ሰንበት 13 ጥሪ ጀሚሩ ክሳዕ ሰንበት 11 ለካቲት 2024 ኣብ ኣይቮሪኮስት ክካየድ’ዩ።
ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ኣአንገድቲ ጋንታ ኣይቮሪኮስት ምስ ጊኒ ቢሳው ኣብ ኣቢጃን ኣብ ዝርከብ ስታድዩም ኣላሳን ኦዋታራ ክገጥማ እየን።
7 ግዜ ሻምፕዮን ብምዃን ክብረወሰን ዝሓዘት ግብጺ’ውን ኣብ መኽፈቲ መዓልቲ ኣንጻር ሞዛምቢክ ክትገጥም ከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ዋንጫ ዝተዓወተት ሰኔጋል ድማ ኣብ 15 ጥሪ ኣንጻር ጋምብያ ኣብ ተካይዶ ጸወታ ሻምዮንነታ ምክልኻል ክትጅምር’ያ።
ካልኦት ናይ ምድብ ጸወታታትከ መዓስ እዩ ዝካየድ? ቅርፂ እቲ ውድድር እንታይ ይመስል?
ብዛዕባ መበል 34 ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘድልየኩም ሓበሬታ ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
ምድባት ሃገራዊ ጋንታታት
24 ጋንታታት ኣብ ኣርባዕተ ጋንታታት ዝሓዛ 6 ምድባት ተኸፋፊለን ኣብዚ ውድድር ክሳተፋ እየን።
ኣአንጋዲት ኣይቮሪኮስት ኣብ ምድብ ሀ ምስ ሰለስተ ግዜ ሻምፕዮን ናይጀርያ፣ ኢኳቶርያል ጊኒን ጊኒ ቢሳውን ትርከብ።
ምድብ ለ’ውን ከቢድ ሚዛን ጸወታታት ዝሓዘት ኰይና፡ ኣብ ታሪኽ ናይዚ ውድድር ዝዓበየት ዕዉቲታ ጋንታ ዝዀነት ብመሓመድ ሳላሕ እትመርሓ ግብጺ፡ ምስታ ኣብዚ እዋን'ዚ ብኣሰልጣኒ ኒውካስልን ብራይተንን ነበር ክሪስ ሂዩተን ትስልጥን ዘላ ጋና ተመዲባ ኣላ።
ሻምፕዮና ሰኔጋል ኣብ ምድብ ሐ ምስ ካሜሩን ክትራኸብ’ያ።
ኣብ 2022 ኣብ ቀጠር ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝበጽሐት ኣብ ቅድሚት ሃገራት እታ ኣህጉር እትስራዕ ሞሮኮ፡ ኣብ ደረጃ ዓለም ዝለዓለት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ ኰይና መበል 13 ደረጃ ትርከብ፤ ድሕሪ 1976 ግን ዋንጫ ኣፍሪቃ ኣይተዓወተትን።
ኣብዚ ውድድር ዓመት ድማ ምስ ዲሞክራቲክ ኮንጎ፡ ዛምብያን ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንኮ ተሳታፊት ዝዀነት ታንዛንያን ኣብ ምድብ ሰ ትርከብ።
- ምድብ ሀ - ኣይቮሪኮስት፡ ናይጀርያ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ጊኒ-ቢሳው
- ምድብ ለ - ግብጺ፡ ጋና፡ ኬፕ ቨርደ፡ ሞዛምቢክ
- ምድብ ሐ - ሰኔጋል፡ ካሜሩን፡ ጊኒ፡ ጋምብያ
- ምድብ መ - ኣልጀርያ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ሞሪታንያ፡ ኣንጎላ
- ምድብ ረ - ቱኒዝያ፡ ማሊ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናሚብያ
- ምድብ ሰ - ሞሮኮ፡ ዲሞክራቲክ ኮንጎ፡ ዛምብያ፡ ታንዛንያ
መደብ ጸወታታት
ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ፈለማ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳዕ ሓምለ 2023 ክካየድ እዩ መደብ ተታሒዙሉ ነይሩ። እዚ እዋን ግን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ናይ ዝናብ ወቕቲ ብምዃኑ ናብ ጥሪ 2024 ተሰጋጊሩ።
ድሕሪ መኽፈቲ ጸወታ፡ ክሳዕ 24 ጥሪ ኣብ ዝቕጽል ናይ ምድብ ጸወታታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንተወሓደ ክልተ ጸወታታት ክካየድ እዩ።
ናይ ምድብ ጸወታታት” ድሕሪ ቀትሪ 05፡00 ከምኡ’ውን ምሸት 08፡00ን 11፡00ን ይካየዱ። ናይ መወዳእታ ዙር ናይ ምድብ ጸወታታትን ኣውዲቕካ ምሕላፍን ምሸት ዝካየዱ ጸወታታት’ዮም።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምድብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝረኸባን ናብ መወዳእታ 16 ክሓልፋ እየን። ብተወሳኺ ካብተን ሳልሳይን ራብዓይን ደረጃ ዝሓዛ እተን ልዑል ነጥቢ ዘዋህለላ ኣርባዕተ ጋንታታትን’ውን ናብ መወዳእታ 16 ክጽንበራ እየን።
ድሕሪ ርብዒ ፍጻመ፡ ፍርቂ ፍጻመ፡ ሳልሳይ ደረጃን ድማ ስዒቡ ዋንጫ እትዓትር ጋንታ ዝውስን ናይ ፍጻመ ክካየድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጸወታታት ዝካየደሎም ቦታታት
እታ ሃገር ኣብ ክልተ ዝኸፈለ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝዛዘም ድሕሪ 12 ዓመት፡ ኣይቮሪኮስት ካብ 1984 ንደሓር ንፈለማ እዋን ብሉጻት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ክተአንግድ እያ።
ጸወታታት ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኣብ ዝርከቡ ሽዱሽተ ስታድየማት ክካየድ’ዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ኣቢጃን ዝርከቡ ክልተ ስታድየማት የጠቓልል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓቕሚ ስታድየማት፡
- ስታድዩም ኣላሳነ ዑታራ፡ ኣቢጃን - 60 ሽሕ ተዓዘብቲ
- ፌሊክስ ሃውፎውት-ቦይኒ ስታድዩም፡ ኣቢጃን - 33 ሽሕ ተዓዘብቲ
- ስታድዩም ቻርለስ ኮናን ባኒ፡ ያሙሱክሮ - 20 ሽሕ ተዓዘብቲ
- ስታድዩም ደ ላ ፓይክስ፡ ቡኣከ - 40 ሽሕ ተዓዘብቲ
- ስታድዩም ኣማዱ ጎን ኩሊባሊ፡ ኮርሆጎ - 20 ሽሕ ተዓዘብቲ
- ስታድዩም ሎረን ፖኮው፡ ሳን ፔድሮ - 20 ሽሕ ተዓዘብቲ
ኩሎም እቶም ስታድየማት ወይ ሓደስቲ እዮም ወይ ድማ እቲ ውድድር ቅድሚ ምጅማሩ ዝተሓደሱ እዮም።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መላእ ሃገር ንዝካየዶ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጺ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኣውጺኡ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትጽቢት ዝግበረለን ጋንታታት መን እየን?
ብዙሓት ኣጣላዕቲ ሰኔጋል ንፈለማ እዋን ኣብ ካሜሩን ዝዓተረቶ ዋንጫ ክትዕቅብ ትጽቢት ይገብሩ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ካሜሩን ዝተኻየደ ውድድር ከም ሳድዮ ማነ፡ ካሊዱ ኩሊባሊን ኤድዋርድ መንዲን ዝኣመሰሉ ኮኾባት ናብ ፕሮ ሊግ ስዑዲ ዓረብ ተዛዊሮም እዮም።
እንተኾነ ግን ከም በዓል ኣከፋፋሊ ቶተንሃም ፓፐ ማታር ሳርን ንሸፊልድ ዩናይትድ ናብ ፕሪምየር ሊግ ክትድይብ ዝሓገዘ ኣጥቃዓይ ማርሴ ኢሊማን ንድያየን ዝበሉ ሓደስቲ ብቑዓት ተጻወትቲ ስሩዓት ተጻወትቲ ቀዳመይቲ ጋንታ ሴኔጋል ኰይኖም ኣለዉ።
ብተወሳኺ ወዲ 19 ዓመት ፕሮዲጂ ላሚነ ካማራ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሉጽ ኣፍሪቃዊ መንእሰይ ተጻዋታይ ተባሂሉ ከም ዝተሸለመ ምዝካር የድሊ።
ኣብ 2019 ሻምፕዮን ዝዀነት ኣልጀርያ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ሃገራት ድኹም ብቕዓት’ኳ እንተርኣየት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዝያ ትድነቕ ጋንታ’ያ። ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ምሕዝነታዊ ጸወታ ንሰኔጋል ክትረትዕ ከላ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክልተ ጽኑዕ ዓወታት ኣመዝጊባ እያ።
ሞሮኮ ኣብ ቀጠር ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገበቶ ጅግንነት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ውድድር ክዕወታ ትጽቢት ካብ ዝግበረለን ጋንታታት ሓንቲ’ያ። ኣይቮሪኮስት እውን፡ ዋላ'ኳ ሕዚ ከም ዲድየር ድሮግባን ያያ ቱረን ዝኣመሰሉ ድሙቓት ኮኾባት እንተዘይሃለዋ፡ ኣብ ልዑል እትርከብ ጋንታ ከምዝዀነት ብዙሓት ይኣምኑ።
7 ግዜ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝዓተረት ግብጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ውድድር ኣብ ናይ መወዳእታ ፍጻመ ጸወታ ብፍጹም ቅላዕ’ኳ እንተተሰዓረት፡ ሕዚ'ውን ኣብ ተውህቦ መሓመድ ሳላሕ ተሞርኲሳ ተወዳዳሪት ክትከውን ትኽእል'ያ።
ናይጀርያ፡ ጋና፡ ካሜሩንን ካልኦት ዓቢ ስም ዘለወን ጋንታታት ግን ኣብ ዝሓለፉ ጸወታታት ብቕዓት ከመስክራ ተቓሊሰን'የን - ሰለስቲአን ድማ ናብቲ ውድድር ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን ኣብ ዙርያ ኣሰልጠንተን ዝተለዓሉ ወረታት ነይሮም’ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዙር ጸወታታት
ቀዳማይ ዙር ናይ ምድብ ጸወታት ካብ ቀዳም 13 ጥሪ ክሳዕ ሰሉስ 23 ጥሪ ይካየዱ።
ካልኣይ ዙር ጸወታታት ካብ ቀዳም 27 ጥሪ ክሳዕ ሰሉስ 30 ጥሪ ይካየዱ።
ዓርቢ 2 ለካቲትን ቀዳም 3 ለካቲትን ጸወታታት ርብዒ ፍጻመ ክካየዱ’ዮም።
ፍርቂ ፍጻመ ድማ ረቡዕ 7 ለካቲት ይካየድ።
ቀዳም 10 ለካቲት ሳልሳይ ደረጃ ንምርካብ ዝግበር ግጥም ክተአንግድ’ያ።
ብድሕሪ’ዚ ሻምፕዮና ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 እትኸውን ሃገራዊት ጋንታ ሰንበት 11 ለካቲት ስታድየም ኣላሳነ ዑታራ፡ ኣቢጃን ኣብ ዝካየድ ጸወታ ክትፍለጥ’ያ።
ሰዓታት ብኣቆጻጽራ ቀርኒ ኣፍሪቃ'ዩ፡ ኣብ ሰዓታት ምቅይያር እንተተገይሩ ቢቢሲ ሓላፍነት ኣይወስድን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







