ሃገሩ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ክርእያ ዝሓልም ኢትዮጵያዊ ጸላዊ

ዮሃንስ ምስ ፍሉጣት ተፃወትቲ

ምንጪ ስእሊ, YOHANNES ZEWDU

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፅልዋ ፈጣሪን ንኮኾባት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ጉዳያት ዘተሓባብርን ኢትዮጵያዊ ዮሃንስ ዘውዱ ሃገሩ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ክትበጽሕ ክሕግዛ ተስፋ ገይሩ’ሎ።

"ኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ዓለም 2026 ሓሊፋ ናብ ኣሜሪካ ክትመጽእ እየ ዝደሊ። እወ ዘይኸውን ክመስል ይኽእል’ዩ፤ ግን ዕድል ኣሎና" ይብል።

ዛንታ ናይቲ ኣብ 1980ታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየ ዮሃንስ ንምእማኑ ዘጸግም እዩ።

ኣብ 10 ዓመት ዕድሚኡ ነይሩ ምስ ኣዲኡ ናብ ላስ ቬጋስ ዝኣተወ። ካብ ታሕተዋይ ደረጃ ህይወት ውዕውዕ ጎደናታት ቬጋስ ናብ ፍሉጥ ፈጻሚ/ኣተሓባባሪ ጉዳያት ኮኾባት ስፖርታውያን፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፅልዋ ፈጣሪ፤ ሕጂ ድማ ከም ዓለምለኻዊ ኣተሓባባሪ ርክባትን ስትራተጂካዊ ኣማኻርን ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።

ኣብ ስርሑ 'ጆኒ ቬጋስ' ብዝብል ዝፍለጥ ዮሃንስ "ኣብዚ ሓድሽ ሓላፍነት ስራሕ ፌደሬሽን ኣርባዕተ ኣዋርሕ'የ ጸኒሐ። ስርሐይ ኣብ መንጎ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ካልኦት ሊጋት፣ ፌደሬሽናትን ትካላትን ድልድል ምዃን'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ።

ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ዓቕምን ጸጋታትን ተስፋ ክፈጥር ባህጊ ዘለዎ ዮሃንስ ኣብቲ ዓውዲ ንዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም “መጺእኩም ኣባና ኢንቨስት እንተገይርኩም፡ ዘገርም ነገር ክትረኽቡ ኢኹም” ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ።

"ነዚ ስፖርት ዝፈትዉ መንእሰያት ዝሓቖፈ ውህሉል ተውህቦ ኣለና። ንእሽቶ ድፍኢት፡ ንእሽቶ ዕድል ጥራይ'ዩ ዘድልዮም" ክብል የረድእ።

ኣብ ስራሕ ፓርኪንግ መኻይን ዝብገስ ንጥፈታት

ዮሃንስ ዕድላቱ ካብቲ ኣዝዩ ዘይተጸበናዮ ምንጭታት ዝመጸ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፍሉጥ ሆቴልን ካዚኖን ቤላጅዮ ከም ቫሌት (መኻይን እናተቐበለ ናብ ፓርኪንግ ዘፀግዕ) ኮይኑ እናሰርሐ እንከሎ’ዩ ነይሩ።

"ሽዑ ኣብ ህይወተይ ካብ ዘጋጠሙኒ ነገራት እቲ ዝበለጸ ነገር'ዩ ተፈጢሩ። ከም በዓል ሊዮናርዶ ዲ ካፕሪዮ፣ ፍሎይድ ማይዌዘር፣ ማይክል ጆርዳን ዝኣመሰሉ ሰባት ርእየ" ይብል እቲ ወደ 36 ዓመት።

"ሓደ ግዜ ምስ ሓደ ፈረንሳዊ ኮኾብ ፊልም መኪንኡ እናልዓለ ተራኺበ። ኣነ ዝፈትዎ ተጻዋታይ ፍራንክ ሪበሪ ምዃኑ ነጊረዮ፤ ንሱ ድማ ምስቲ ተፃዋታይ ከም ሓዉ ከምዝቀራቡ ነጊሩኒ።

ዮሃንስ ምስ ተወዳዳሪ መኪና - ፎርሙላ 1 - ላንዶ ኖሪስ

ምንጪ ስእሊ, YOHANNES ZEWDU

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ ዝቐጸለ ዓመት፡ እቲ ወዲ ፊርማ ሪቤሪ ዝዓረፎ ማልያን ቁምጣን ሒዙለይ መጺኡ። ብድሕሪ'ዚ ሓደ ክከናኸነሉ ዝግባእ ሰብ ከምዘሎ ነጊሩኒ። ሽዑ ዓርኩ ኣብቲ ሆቴል ሓዲሩ፤ ኣነ ድማ ከም መግለጺ ምስጋና ብፅቡቕ ኣተኣናጊደዮ"

"እቲ ወዲ ከኣ ነቲ ተዋሳኣይ ዓርኩ ነጊርዎ፤ ሽዑ 'ክልተ ወርሒ ሃበኒ፡ ሰርፕራይዝ ኣለኒ' ኢሉኒ።"

"ድሕሪ ክልተ ወርሒ ምስ ኣደይ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢለ ናይ ኦፕራ መደብ ብተለቪዥን እናረኣኹ ከለኹ ስልኪ ተደዊሉኒ። እቲ ዝደወለለይ ሰብ ድማ 'ሰላም ናስሪ እየ። ስለዝረኸብኩኻ ደስ ይብለኒ' ኢሉኒ። ኣዕሩኽቱ ናብ ቬጋስ ክመፅኡ ስለዝኾኑ ኣቐዲመ ኩነታት ከመቻችወሉ ዝኽእል እንተኾይነ'ዩ ሓቲቱኒ።"

"ሰሚር ናስሪ ምዃኑ ፈሊጠ እንተኾይነ ክሳብ ዝሓተኒ መን ምዃኑ ኣይፈለጥክዎን ነይረ። ካብኡ ግን ተገሪመ፣ ምእማን ተጸጊመ። ሰብነተይ ተንቀጥቂጡን ርሂጸን"

"ብድሕሪኡ ቲዮ ዋልኮት፣ ባካሪ ሳኛ፣ ኪራን ጊብስን ዝርከብዎም ምሉእ ጋንታ ኣርሰናል መጺኦም ተቐቢለዮም። እንሆ ድማ ካbእ ድሕሪኡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት ንኻልኦት ብዙሓት ሰባት ተቐቢለን ኣተሓባቢረን"

ዮሃንስ ዝፈጠሮ ሰፊሕ መሓውር ርክባት፤ ውጽኢታውነት ናይቲ ‘ክላውድኣውት’ ዝተብሃለ ትካሉ ከምኡ'ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኸቦ ተቐባልነት ናብ ተወሳኺ ዝተፈላለየ ዕድላት ከም ዝመርሖ ይዛረብ።

ንሱ መቦቆሉ ፈጺሙ ኣይረሰዐን። ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ነቲ ካብ ሃገሩ ቅድሚ ምውጽኡ ዝነበረ ተመሳሳሊ ፀገማት ሎሚ’ውን ምስ ረኣየ፡ ምስ ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዘራኸቦ ውጥን ወጠነ።

"ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ ብዙሓት ቆልዑ ኣርኣያን ተስፋን ዝኾኑ ፍሉጣት ሰባት ኣተሓባባሪኦም ናይ ምዃን ዕድል ኣጋጢሙኒ" ክብል ይገልጽ።

"ንእሽቶይ ከለኹ ኣብቲ ንሳቶም ዝበጽሑሉ ደረጃ ክበፅሕ እደልይ ከምዝነበርኩ ይዝከረኒ። ኣብኡ ድማ በጺሐ፤ ናብ ሃገረይ ምስ ተመለስኩ ግን ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝነበረ ተመሳሳሊ ጸገማት ርእየ"

"ብኹዕሶ እግሪ ኣቢለ ንሰባት ዕድላት ክፈጥር ድልየት ሓዲሩኒ፤ ኩሉ ሰብ ዝዓብየሉ ዕድል ንኽረክብ መርበበይ ብዝያዳ ኣብ ዝጥቀመሉ ኩነታት ነቲ ፈደረሽን ኣዘራሪበዮ። ምስ ራእየይ ድማ ተሰማሚዖም። ዓለምለኻዊ ርክባት ናይ ምትሕብባር ሓላፍነት እውን ሂቦምኒ።" ይብል።

ምምሕያሽ ዕድላት ኢትዮጵያ

ዋልያስ ዝብል ሳጓ ዝተዋህባ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ ኣብ ሜዳ ዝተሓዋወሰ ታሪኽ እዩ ዘለዋ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሓሊፋ ኣይትፈልጥን። ንመወዳእታ ግዜ ካብ ምድብ መድረኽ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝሓለፈትሉ እዋን ከኣ ኣብ 1968 ምንባሩ ይዝከር። ሽዑ ኢትዮጵያ ኣብ ዘአንገደቶ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ’ያ ዛዚማ ነይራ።

ዮሃንስ ምስ ፕረዚደንት ፌደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ስዑዳዊት ጋንታ ኣል-ናስር

ምንጪ ስእሊ, YOHANNES ZEWDU

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዛ ሕጂ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ፡ ብሰንኪ ዘይብቑዕነት ሜዳታት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዓለምለኸ ግጥማት ክተካይድ ኣይከኣለትን።

በዚ ምኽንያት ኣብ ቀረባ እዋን መጻረዪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ማላዊ፣ ሞዛምቢክን ሞሮኮን ክተካይድ ከምዝተገደደት ይፍለጥ። ሎሚ ረቡዕ ኣንጻር ሃጋራዊት ጋንታ ሴራሊዮን ኣብ 'ሜዳኣ' ክተአንግዶ ዝነበረ ግጥም መጻረዪ ዋንጫ ዓለም 2026 እውን ኣብ ኤል ጃዲዳ ሞሮኮ እዩ ክካየድ።

እዚ ከኣ ዮሃንስ ዘውዱ ዝዓበየ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ዝኣምነሉ ኣጋጣሚ እዩ።

"ኣነ ኣሰልጣኒ ከምዘይኮንኩ ርዱእ'ዩ፡ ቴክኒካዊ ዳይረክተር’ውን ኣይኮንኩን" ይብል።

"ስርሐይ ኣብ መንጎ ሃገራት፣ ሊጋትን ትካላትን ምስቲ ፌደሬሽን ዝምድና ምፍጣር'ዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ቅድሚ ደገፍትና ኣብ ሜድና ጸወታታት ክንጻወት ስለዘይንኽእል ብልጫታት ክውሰደና ይኽእል’ዩ፤ ስለዚ ኣብኡ ተረኺብና ምድጋፍ ዓቢ ነገር'ዩ" ክብል የረድእ።

"ከምኡ'ውን ንተጻወትቲ ዝያዳ ዕድላት ምምጻእ፤ ኣበይ ክለማመዱ ከም ዝኽእሉ ማዕጾ ምኽፋት፤ ነቲ ናይ ምድላው መስርሓት ምምሕያሽ [ክሰርሕ እየ]። ኣነ ነቲ ናይ ስነልቦና ደገፍ ንምሃብ እየ ኣብዚ ዘለኹ"

ናቱ ደገፍ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ከበርኻ'ዶ ይኸውን ዝብል ገና ዝረአ'ኳ እንተኾነ፡ ምስ 'ጆኒ ቬጋስ' ግን ኩሉ ነገር ዝከኣል'ዩ።