ዋንጫ ዓለም 2030፡ ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ ሃገራት ክካየድ’ዩ

ሊዮነል ሜሲ ዝመርሓ ኣርጀንቲና ኣብዚ ሕጂ እዋን ሻምፕዮን ዓለም እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሊዮነል መሲ ዝመርሓ ኣርጀንቲና ኣብዚ ሕጂ እዋን ሻምፕዮን ዓለም እያ

ዋንጫ ዓለም 2030 ኣብ ሰለስተ ኣህጉራት ኣብ ዝርከባ ሽዱሽተ ሃገራት ከም ዝካየድ ፊፋ ኣፍሊጡ።

ስጳኛ፡ ፖርቱጋልን ሞሮኮን ሓባራዊ ኣአንገድቲ ኰይነን ዝተሰየማ ክዀና እንከለዋ፡ መኽፈቲ ሰለስተ ጸወታታት ድማ ኣብ ዩራጓይ፡ ኣርጀንቲናን ፓራጓይን ክካየድ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ዝካየድ መኽፈቲ ግጥማት ዋንጫ ዓለም፡ መበል ሚእቲ ዓመት ምጅማር እቲ ዋንጫ ንምዝካር ዝዓለመ እዩ። ኣብ ሞንተቪደ ዝተኻየደ ፈላሚ ውድድር፡ ኣብ 2030፡ ሚእቲ ዓመቱ ዝመልኦ እዩ።

እቲ ውሳነ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ፊፋ እዩ ክጸድቕ።

"ኣብ ዝተኸፋፈለት ዓለም ፊፋን ኩዕሶ እግሪን ሕብረት ይፈጥሩ ኣለዉ" ይብል ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ።

"ንኩዕሶ እግሪ መላእ ዓለም ዝውክል ቤት ምኽሪ ፊፋ፡ ንመበል ሚእቲ ዓመት ዋንጫ ዓለም፡ ብዝበለጸ ብዝምጥን መንገዲ ኣብታ ኣብ 1930 ንፈለማ ግዜ እቲ ውድድር ዝጀመረላ ዩራጓይ ከብዕሎ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዑ።

"ኣብ 2030፡ ፍሉይ ዓለማዊ ኣሰር ክህልወና'ዩ፤ ሰለስተ ኣህጉራት - ኣፍሪቃ፡ ኣውሮጳን ደቡብ ኣሜሪካን - ብፍላይ ድማ ሽዱሽተ ሃገራት - ኣርጀንቲና፡ ሞሮኮ፡ ፓራጓይ፡ ፖርቱጋል፡ ስጳኛን ዩራጓይን - ብሓንሳብ ንዓለም ተቐቢለን ነቲ መሳጢ መበል 100 ዓመቱ ዝጽንብል ጸወታ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከወሃህዳ እየን።"

ፊፋ ብተወሳኺ ዋንጫ ዓለም 2034 ንምድላው ካብ ሃገራት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤስያን ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኦሽንያን ዝመጽእ ሕቶ ኣብ ግምት ከም ዘእቱ’ውን ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ስዑዲ ዓረብ ንፈለማ እዋን ኣብ 2034 ዋንጫ ዓለም ከተአንግድ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ 1930 ንፈለማ እዋን ጸወታ ዋንጫ ዓለም ዘአንገደት ከተማ ዩራጓይ ሞንተቪደ፡ ኣብ 2030 መኽፈቲ ጸወታ ከተካይድ ተዳልያ ኣላ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኣርጀንቲናን ፓራጓይን ጸወታታት ክቕጽል እዩ።

ዝተረፈ ጸወታታት ናይተን 48 ሃገራዊ ጋንታታት ድማ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ከም ዝካየድ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ናይ 2030 እማመ እንተጸዲቑ፡ ሞሮኮ ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ ዋንጫ ዓለም ዘአንግደት ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክትከውን እያ።

ስጳኛ፡ ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ነበር ልዊስ ሩብያለስ፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ንጀኒ ሄርሞሶ ብምስዓሙ ብዝቐረበሉ ነቐፌታ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ ድሕሪ ሰሙናት እያ ሓባራዊ ኣአንጋዲት ክትከውን ተሰይማ።

ስጳኛ ንመወዳእታ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዘአንገደት ኣብ 1982 ኰይኑ፡ ኣብቲ እዋን ኢጣልያ ንሳልሳይ ግዜ ነቲ ውድድር ከም ዝተዓወተትሉ ይዝከር።

ፖርቱጋል ነዚ ውድድር ኣአንጊዳ ኣይትፈልጥን፤ እንተዀነ ዩሮ 2004 ኣብታ ሃገር’ዩ ተኻይዱ።

ቅድሚ ሕጂ ኣኣንገድቲ ሃገራት ብቐጥታ እየን ናብ ዋንጫ ዓለም ዝሓልፋ፤ ኣብ 2030 እውን ዩራጓይ፡ ኣርጀንቲና፡ ፓራጓይ፡ ስጳኛ፡ ፖርቱጋልን ሞሮኮን ኵለን ሓባራዊ ኣአንገድቲ ኰይነን ኣብቲ ውድድር ብቐጥታ ክሳተፋ እየን።