ቅልውላው መንነት ሞሮኮ፡ ዓረባዊት'ዶ ኣፍሪቃዊት ወይ ኣማዚግ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣፍሪቃዊ ጋዜጠኛ ማግዲ ዓብደልሃዲ፡ ኩዕሶ እግሪ ብዛዕባ መንነት ሞሮኮ ከመይ ገይሩ ቅርሕንቲ ከም ዘጓሃሃረ ይገልጽ።
____________
ሎሚ ዓመት ኣብ ቐጠር ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ካብ ካልኦት ውድድራት ብዝያዳ ኣካታዒ ኵነታት ዝተረኣየሉ እዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኰነን።
እቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኣካታዒ ጐዳይ ግን ኣብ ዙርያ መንነት ሞሮካዊት ጋንታ 'ኣናብስ ኣትላስ' ዝተላዕለ እዩ ነይሩ።
እቲ ክትዕ ብቐሊል ሕቶ እዩ ተጀሚሩ። እታ ንሓያላት ጋንታታት ፖርቱጋልን ስጳኛን ብምስዓር ብቕዓታ ንዓለም ዘረጋገጸት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝበጽሐት "ቀዳመይቲ ዓረባዊት" ወይስ "ኣፍሪቃዊት" ጋንታ እያ?
ብባህሊ ብዙሓት ሞሮካውያን ካብ ኣፍሪቃውያን ንላዕሊ ንነብሶም ከም ዓረብ ይርእዩ።
ኣብ ሞሮኮ ዝርከቡ ገለ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃውያን ድማ ዓሌታዊ ኣተሓሳስባ ካብ ሞሮኮ ፈጺሙ ርሒቝ ከም ዘይፈልጥ የማርሩ።
ሞሮካዊ ናይ ክንፊ ኣጥቃዓይ ሱፍያን ቡፋል ኣብ ልዕሊ ስጳኛ ድሕሪ ምዕዋቶም ዝሃቦ ርእይቶ ግን ነቲ ብዛዕባ ኣህጉራዊ መንነት እታ ሃገር ዝምልከት ክትዕ ትዅረት ክረክብ ገይሩ።
ንሱ "ንዅሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሞሮካውያን ንዝገበርዎ ደገፍ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዓረብን ንዅሉ ህዝቢ ኣስላምን። እዚ ዓወት ናትኩም'ዩ" ኢሉ።
ኣህጉር ኣፍሪቃ ነታ ጋንታ ዘለዋ ደገፍ ስለዘይጠቐሰ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ግብረመልሲ ተራእዩ።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ሞሮኮ ኣብ ሓደ መድረኽ፡ "ብጽንዓትን ብልሓቶምን ንመላእ እታ ኣህጉር ከም ዘሐበኑ" ገሊጹ ነይሩ።
ሱፍያን ቡፋል፡ ንኣፍሪቃ ብዘይ ምጥቃሱ ኣብ ኢንስታግራም ይቕረታ ሓቲቱ።
ቡፋል፡ "ብርግጽ ነቲ ዓወት ንዓኻትኩም’ውን ይውፍየልኩም። ንዅሎም ኣብታ ኣህጉር ዘለዉ ኣሕዋትና ብምውካልና ሕቡናት ኢና። ብሓባር" ክብል ጽሒፉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እዚ ዕግርግር፡ ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ንጉስ ሞሮኮ ምስ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝያዳ ጥቡቕ ርክብ ንምትብባዕ ዝገበሮ ጻዕሪ ዘንጸባርቕ እዩ።
ንጉስ መሓመድ ሻድሻይ ኣብ 2017 ሞሮኮ ብሰንኪ እቲ ዘካትዕ ጉዳይ ምዕራብ ሰሃራ፡ ን30 ዓመታት ብተኸታታሊ ተገሊላ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግማይ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ "ኣፍሪቃ ዓደይ እያ፡ ናብ ዓደይ ድማ ይምለስ ኣለኹ" ኢሉ።
እዚ ምቅርራብ እዚ ብፍላይ ምስ ምዕራብ ኣፍሪቃ ንግዳዊ ምትእስሳር ክዕንብብ ኣኽኢሉ እዩ።
ሞሮኮ ግን ኣባል ሊግ ዓረብ እውን እያ፤ ስለዚ ብወግዒ ኣብ ክልቲኡ ባህላዊ ዓውድታት ትጠቓለል።
ንሞሮኮ "ኣፍሪቃዊት" ኢልካ ምግላጽ ብመንጽር ጂኦግራፊ ሓቂ ክኸውን ከሎ፡ "ዓረባዊት" ዝብል ኣገላልጻ ድማ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ከም ዘይኰኑ ዝስምዖም ሞሮካውያን ካብታ ኣህጉር ኣርሒቝዎም እዩ።
ሞሮኮ ብርክት ዝበለ ህዝቢ በርበር ወይ ከምቲ ዝመርጽዎ መጸውዒ ኣማዚግ ዝነብሩላ ሃገር እያ። ገለ ጸብጸባት ዳርጋ 40 ሚእታዊት ካብ ልዕሊ 34 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ዘርኢ በርበር ከም ዝዀኑ ይሕብሩ። እቲ ታማዚት ዝበሃል ዓቢ ቋንቋ ኣማዚግ ጐድኒ ጐኒ ዓረብኛ ከም ወግዓዊ ቋንቋ ተፈላጥነት ረኺቡ እዩ።
እዚ ግን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ኣካታዒ ጉዳይ እዩ። ቐጠር ዋንጫ ዓለም 2022 ናይ ምእንጋድ መሰል ምስ ተዋህባ ብኡንብኡ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ነቲ ውድድር "ዓወት ንእስልምናን ዓረባውነትን" ዝብል ቅርጺ ሂበናኦ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ውድድር ምስ ተጀመረ፡ ስነ-ቓላት ዓረባውነትን እስላማውነትን ዳግማይ ትዅረት ክረክብ ጀሚሩ። ኣብቲ ብሰንኪ እገዳ ኣልኮላዊ መስተ ወይ መግለጺ 'ኤልጂቢቲኪዩ' ኣብ ዝተለዓለ ክትዕ፡ ተጣበቕቲ እስላማውነትን ዓረብነትን ኣንጻር "ሃጸያዊ ምዕራባውያን" ንቐጠር፡ እስልምናን ባህላዊ ክብርታትን ክከላኸሉ ጀሚሮም።
"እስላማዊ ወይ ዓወት ዓረብ" ዝብል ኣገላልጻ ብማዕከናት ዜና ቐጠር ኣብ ቋንቋ ሓተታ ጸወታታት ክውዕል ምስ ጀመረ ግን፡ ቍጥዐ ዝመልኦ ግብረመልሲ ኣለዓዒሉ።
ስለዚ፡ ኣናብስ ኣትላስ ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዝኸኣለት ፈላመይቲ ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ብምዃን ታሪኽ ምስ ሰርሐት፡ ከም ዓወት ሃገራት ኣስላምን ዓረብን ናእዳ ረኺባ።
ካልኦት ጋንታታት ናይቲ ዞባ ዝዀና ቱኒዝያ፡ ስዑዲ ዓረብን ቐጠርን፡ ኣብ መጀመርታ ዙር ካብቲ ውድድር ምስ ተገለፋ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ንሞሮኮ ክድግፉ ምጅማሮም ባህርያዊ እዩ።
ገለ ጕጅለታት ግን ንዓወት ሞሮኮ ኣዝዩ ዝዓበየ፡ ዝያዳ ስነ-ሓሳባውን ፖለቲካውን ነገር ገይሮም ክስእልዎ ፈቲኖም።
ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ እታ ሞሮካዊት ጋንታ፡ ተሰካሚት ባንዴራ እስልምናን ዓረባውነትን ክትከውን ተገይራ።
እዚ ክትዕ’ዚ ገለ ካብ ተጻወትቲ ጋንታ ሞሮኮ ኣብ ሜዳ ባንዴራ ፍልስጤም ሒዞም ዓወታቶም ምስ ኣኽበሩ’ዩ ዝያዳ ተጠናኺሩ።
እዚ ዓይነት ኵነታት ግን ንብዙሓት ሰሜን ኣፍሪቃውያን ብፍላይ ነቶም ነቲ ስነ-ሓሳባትን ኣረኣእያን ዘይድግፉ ሞሮካውያን ኣቘጢዕዎም እዩ።
'ኲናት ባህሊ'
ሓደ ተቓዋሚ ሞሮካዊ ዩቲዩበር ኣብ ንሓደ ሰዓት ዝቐጸለ ጸርፊ፡ ኣብቶም ነቲ ጸወታ ፖለቲካዊ ገይሮም ናብ ዓለማዊ ኲናት ባህሊ ክቕይርዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ሰባት ቑጥዐኡ ገሊጹ።
ብራዘር ራቺድ ነቶም 385 ሽሕ ሰዓብቱ፡ ኣሰልጣኒኦም ሓዊሱ ፍርቂ ኣባላት ጋንታ ሞሮካ ብሓቂ ኣብ ኣውሮጳ ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ ኣብኡ ነቲ ጸወታ ተማሂሮም ኣብ ኣውሮጳ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝዀኑ ደቂ ሞሮካውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ኣዘኻኺሩ።
"ናይታ ጋንታ መርመራ ዲኤንኤ እንተዝገብር፡ መብዛሕትኦም ኣማዚግ (በርበር) ምዃኖም ምረኸብካ። መብዛሕትኦም ዓረብኛ ኣይዛረቡን እዮም። ዝዛረቡ እንተዀይኖም ድማ 'ዝተሰብረ ዓረብኛ' እዩ ክኸውን፡ ምኽንያቱ ኣብ [ሃገራት] ምዕራብ ዝዓበዩ እዮም" ኢሉ።
ኣብ ሞሮኮ ተራ እስልምናን ነጻነት ምዝራብን ተኣፋፊ ኰይኑ፡ እቲ ንጉሳዊ ስርወመንግስቲ ንነብሱ ከም ዘርኢ ነቢይ መሓመድ ይቘጽር። እቲ ንጉስ፡ ንቐዳሞት ገዛእቲ ኣስላም ታሪኻዊ ቃል ዝዀነ ‘ኣዛዚ ምእመናን’ ዝብል መዓርግ ኣለዎ። ምስዚ ዅሉ ግን እቲ ዩቲዩበር ነቶም ጉዳያት ንምምካት ኣይፈርሐን።
"ሞሮኮ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተፈልየት እያ፣ ብመሰረቱ ሕብረተሰብ በርበር ስለ ዝዀነት፡ ኣዕራብ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ከም ግዳማውያን እዮም መጺኦም። ሎሚ ኣብ ሞሮኮ ዓረብ፡ በርበር፡ ኣስላም፡ ኣይሁድ፡ ኣምላኽ ዘይብሎም፡ ዘይሃይማኖታውያንን ባሃኣውያንን ኣለዉ፣ ሺዓን ሱኒን ኣለዉ።"
ነዚ ሞሮካዊ ዓወት "ዓወት ዓረባውነትን እስልምናን” ኢልካ ምግላጽ “ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕብረተሰብ ሞሮኮ መጥቃዕቲ እዩ" ክብል ኣስዒቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቶም ንዓወት ሞሮኮ ንባዕሎም ክጨውይዎ ዝደልዩ ዓረባውያን ወይ እስላማውያን ምላሽ ንምሃብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጽእ ጽሑፋት፡ መብዛሕትኦም እታ ጋንታ ናይ ሞሮኮ ምዃና ገሊጾም። ገሊኦም ድማ ብናይ ኣማዚግ ምልክት ዝተሰነየ ስእልታት ናይታ ጋንታ ለጢፎም።
ካልኦት ነቐፍቲ ድማ፡ ንጸወታ ኩዕሶ እግሪ ናብ ሃይማኖታዊ ወይ ብሄራዊ ኲናት ምቕያር ዕሽነት ምዃኑ ብምጕላሕ፡ ዓወት ፈረንሳ፡ ብራዚል ወይ ኣርጀንቲና ከም ዓወት ክርስትና ክቝጸር ከም ዝኽእል ዘይሕሰብ እዩ ብምባል ይምጕቱ።
ንኣብነት ገለ ካብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝርከባ ሃገራዊ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ብሄራውን ሃይማኖታውን ምትሕውዋስ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ ዘይከኣል ምዃኑ ኣመልኪቶም።
እቲ ብዛዕባ ሓቀኛ መንነት ናይታ ሞሮካዊት ጋንታ ዝካየድ ዘሎ ክትዕ፡ መግለጺ ናይቲ ኣብ መላእ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ "ኲናት ባህሊ" እዩ።
ኣብቲ ዞባ፡ ሃገራዊ መንነት ንዓሰርተታት ዓመታት ማእከል እቶም ንፖለቲካዊ ዲስኩር ዝቐረጹ ክልተ ስነ-ሓሳባት - እስላማውነትን ዓራባውነትን - ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።
ንሃገራዊ ሓርነት ቃልሲ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ንማሕበራዊ ምትእስሳር ኣብ ልዕሊ ውልቃዊ ነጻነት ቀዳምነት ምሃብ ትርጕም እኳ እንተነበሮ፡ ኣብዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዓለምለኻዊነት ግን ካብ ጥቕሞም ንላዕሊ ዝጸንሑን ኣገደስቲ ዘይኰኑን ይመስሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







