ብሓዘንን ሓበንን ካብ ዋንጫ ዓለም ዝተሰናበተት ሞሮኮ

ደገፍቲ ሞሮኮ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሞሮኮ ናብ ናይ ጽዋዕ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምዃን ዝነበራ ሕልሚ፡ ትማሊ ብፍረንሳ ብዝበጸሓ ናይ 2 ን 0 ስዕረት በርዒኑ።

ኣብ ሞሮኮ፡ ኣውሮጳን ኳታርን ተኣኪቦም ነቲ ጸወታ ዝከታተሉ ዝነበሩ ደገፍቲ፡ ነቶም ባዕዳውያን ገዛእቶም ዝነበሩ ክስዕሩዎም ተስፋ ገይሮም ነይሮም።

ኮይኑ ግና ቲዮ ሀርናንደዝን ኪልያን ምባፐን ዘቑጸሩወን ሸቶታት ጉዕዞ ሞሮኮ ገቲአን።

ቢቢሲ ኣብ ካዛብላንካ ዘዘራረቦ ደጋፊ “ተሳዒርና፤ ግን ድማ ሕቡናት ኢና” ኢሉ።

ፈረንሳ መበቆል ሞሮኮ ዘለዎም ኣሻሓት ሰባት ዝነብሩላ ኮይና፡ ኣብ ማእከላይ ፓሪስ ከቢድ ናይ ፖሊስ ሓለዋ ነይሩ። ደገፍቲ ናይ ሞሮኮ ሓዊሱ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ባንዴራ ከንበልብሉ እውን ተራእዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ጸወታታት ደገፍቲ ሞሮኮ ርችታት እናተኮሱ ከጸንብሉ ኣብ ዝተርኣዩለን ከም ብራስለስ ዝኣመሰላ ከተማታት ኣውሮጳ እውን ኣባላት ኣድማ ብተና ፖሊስ ክዛውኑ ተራእዮም።

ኣብ ኔዘርላንዳዊት ዘ ሄግ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ኣየር ምስ ስዕረት ሞሮኮ ተደሚሩ ደገፍቲ ድሕሪ እቲ ጸወታ ክዝሕሉ ገይሩዎም። ደች-ሞሮካውያን ድሕሪ እቲ ጸወታ ርችታት ዝወልዑ ኮይኖም፡ ሰላም ናይታ ከተማ ክሕልዉ ከምዝፈተኑ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

 ቢቢሲ ኣብ ካዛብላንካ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም መሓመድ ሓምሻይ፡ ዘዘራረቦ ሓደ ደጋፊ ግና እቲ ውጽኢት ጽቡቕ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። ብዙሓት እቲ ሃገራዊት ጋንተኦም ኣብቲ ኣብ ቀጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ዘመዝገበቶ ውጽኢት ተስፋ መጻኢ ኩዕሶ እግሪ ሃገሮም ዘመላኽት ከምዝኾነ ይኣምኑ።

ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ባህሊ ካዛ ኣራበ ኣብ ዝተተኸሉ ዓበይቲ ኬንዳታት እውን ብዙሓት ደገፍቲ ሞሮኮ ተኣኪቦም ነቲ ጸወታ ብቴሌቪዥን ተኸታቲሎም።

ደገፍቲ ሞሮኮ

ኢናስ ዝተባህለት ደጋፊት “እቲ ዝኾነ ብዘየገድስ፡ ብጋንታና ሕጉስቲ እየ” ኢላ።

“ካብ ኩዕሶ ንላዕሊ እዮም ኣርእዮም፤ ብብዙሕ መንገዲ እንኾርዓሉ ዓወት፣ ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦን ክብርን ሂቦምና።”

“እዚ ኣብ ህይወት ሓደ ግዘ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ” ዝበለ ካልእ ደጋፊ ድማ “ ደቅና እኳ ደጊሞም ዝርእይዎ ኣይኮነን፤ ንዓና ኩሉ ነገር እዩ” ኢሉ።

ሓያል ቁሪ ኣብ ዘለዎ ከባቢ ለንደን ኮቦርታ ተኸዲኖም፣ ሻሂ እናሰተዩን ሽሻ እናትከኹን ነቲ ጸወታ ዝተኸታተሉ ሞርካውያን እውን እታ ናይ መወዳእታ ፊስካ ምስተነፈሐት ብጣቕዒት ነቲ ሃገራዊት ጋንተኦም ዝመጸቶ ጉዕዞ ናአደኦምን ታሕጓሶምን ገሊጾም። ቱኒዝያውን፣ ኣልጀርያውያንን ግብጻውያእንን እውን ምስ ደገፍቲ ሞሮኮ ኮይኖም ነቲ ጸወታ ተኸታቲሎምዎ።