ምባፐ፡ ብሉጽ ብሉጻት ዘበልዎ 7 ነገራት እንታይ'ዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ሃረር ኢሎም ዝጽበይዎ ውድድራት ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም እዩ።
ኣብዚ መድረኽ እተን ብሉጻት ሃገራውያን ጋንታት ፈረንሳን እንግሊዝን ክጋጠማ’የን። ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐ ኸኣ ካብቶም ነቲ ጸወታ ብሃንቀወታ ዝጽበይዎ ዘለዉ ተጻወትቲ እዩ።
ንክለብ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን ዝጻወት ኪልያን ምባፐ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኮኸብ ተጻዋታይ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ምስ ጸወታ ርብዒ ፍጻመ ክልቲአን ሃገራት ተዛሚዱ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ጋረዝ ሳውዝጌት፡ ንምባፐ ብኸመይ ክገትኦ ይኽእል ዝብል ካብቶም ኣዘራረብቲ ዛዕባታት ኰይኑ ቀንዩ’ሎ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝነገሰ ፈረንሳዊ ምባፐ ሸውዓተ ብልጫታቱ ክነግረኩም’ዩ።
1. ካልኣይ ዝኸበረ ተጻዋታይ
ኪልያን ምባፐ ካብ ሞናኮ ናብታ ሕጂ ዝጻወተላ ዘሎ ጋንታ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ዝተጸምበረ ብልቓሕ’ዩ ነይሩ። ናብታ ጋንታ ዝተጸምበረሉ ግዜ ኣብ 2017 ኰይኑ እቲ ዝውውር ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ180 ሚልዮን ዩሮ ቀዋሚ ተጻዋታይ ክኸውን በቒዑ። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዐን ብራዚላዊ ነይማር ኰይኑ፡ ብ222 ሚልዮን ዩሮ’ዩ ተሰጋጊሩ።
ምባፐ ኣብ ውድድራት ሻምፕዮን ፈረንሳ 237 ውድድራት ዝተጻወተ ክኸውን እንከሎ፡ 190 ሸቶታት ኣቝጺሩ'ሎ። ኣብዛ ክለብ ከኣ ምስ ነይማርን ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮነል መሲ ይጻወት።
2. ብተደጋጋሚ ተዓዋታይነቱ ዘመስከረ
ምባፐ ስሩዕ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣብ ዝተጻወተለን ሸውዓተ ዓመታት፡ ብዓወት ዝዛመሎም ውድድራት፤
- ዋንጫ ዓለም 2018
- ኣብ 2020/2021 ዝተኻየደ ጸወታታት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ
- ሓሙሽተ ዋንጫታት ሊግ [ኣርባዕተ ኣብ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን፣ ሓደ ኣብ ሞናኮ]
- ኣርባዕተ ዋንጫታት ፈረንሳ
- ክልተ ዋንጫታት ሊግ ፈረንሳይ
እዚ ኣብ ጋንታኡ ተሓቝፉ ዘመዝገቦ ዓወታት ኰይኑ ብውልቍ ድማ ብዙሕ ሽልማታት ዝዓተረ ተጻዋታይ’ዩ።
ኣብ ኤውሮጳ ንትሕቲ 21 ዓመት ተጻወትቲ ዝወሃብ ሽልማት ‘ጎልደን ቦይ’ ኣብ 2017 ተሸሊሙ።
ኣብ ፈረንሳይ ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋይ፤ ኣብቲ ሊግ ድማ ናይዚ ዓመት ብሉጽ ተጻዋታይ፣ ከምኡ’ውን ሰለስተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓመት ዝብሉ ሽልማታት ዝዓተረ ብሉጽ ጥበበኛ ኩዕሶ እግሪ’ዩ።
3. ድምቀት ውድድራት ዋንጫ ዓለም
ፈረንሳይ፡ ዋንጫ ዓለም 2018 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግዜ፡ ምባፐ ወዲ 19 ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብቲ ብሩስያ ተኣንጊዱ ዝተኻየደ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ሸቶታት ከምዘቝጸረ ኸኣ ይፍለጥ።
ኣብቲ ፈረንሳይ ንክሮኤሽያ 4 ብ 2 ዝሰዓረትሉ ናይ ፍጻመ ጸወታ፡ ምባፐ ሓንቲ ሸቶ ኣቝጺሩ ነይሩ። ኣብ ናይ ፍጻመ ጸወታ ሸቶ ዘቝጸረ ካልኣይ ብዕድመ ዝነኣሰ ተጻዋታይ’ውን’ዩ።
ምባፐ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ክሳብ ሕጂ 5 ሸቶታት ብምቝጻር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።
ብሓፈሻ ድማ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ብዘመዝገበን 9 ሸቶታት፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና 8 ሸቶታት ንዘቝጸረ ዲያጐ ማራዶናን ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶን በሊጹ ናይ ቀዳምነት ቦታ ተረኪቡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
4. ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ክብረወሰን ዝሰበረ
ምባፐ ካብ ፓሪስ ውጽእ ኢልካ ኣብ እትርከብ ዓዲ’ዩ ተወሊዱ። ኣብቲ ከባቢ ኤኤስ ቦንድ ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ምጽዋት’ኳ እንተጀመረ፡ ቀልቢ ዓበይቲ ጋንታታት ክስሕብ ግን ነዊሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።
ኣብ 2015፡ ኣብ ፈረንሳይ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋንታታት ናብ ዝዀነት ሞናኮ ተጸምቢሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ወዲ 16 ዓመት ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ጋንታ ብዕድመ እቲ ዝነኣሰ ተጻዋታይ’ዩ።
ቅድሚ ሕጂ ፈረንሳዊ ተጻዋታይ ጋንታ ኣርሰናል ቴሪ ሀንሪ ኣብ መበል 88 ደቂቕ ተቐይሩ፡ ኣብ ሒደት ደቃይቕ ሸቶ ብምቝጻሩ ሒዝዎ ንዝነበረ ክብረወሰን’ውን ብምባፐ ወሲድዎ እዩ።
5. ዘገርም ናህሪ ዘመዝገበ
ፈረንሳይ ንፖላንድ 3 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ናይ ሎምዘበን ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ምባፐ ዘመዝገቦ ናህሪ፡ ኣብ ሰዓት 35.3 ኪሎ ሜትር’ዩ ነይሩ።
ኣብዚ ናይ ሎምዘበን ውድድራት ዋንጫ ዓለም ቅልጡፍ ሰዓት ዘመዝገቡ 6 ተጻወትቲ ጥራይ’ዮም።
ኣብቲ ዝጻወተሉ ሊግ ፈረንሳ’ውን እንተዀነ፡ ኣብ ሰዓት 36 ኪሎ ሜትር ዘመዝገበ ቅልጡፍ ተጻዋታይ ከምዝዀነ እዩ ዝፍለጥ። ምባፐ ዘመዝገቦ ናህሪ ብዝግባእ ምእንቲ ክስቆረና፡ ምስቲ ንጉስ ጉያ ሓጺር ርሕቐት ዝዀነ ጃማይካዊ ዩሴን ቦልት ነነጻጽሮ።
ቦልት ኣብ 2009 ን100 ሜትር ብ9.58 ደቒቕ ዛዚሙ፤ ክብረወሰን ዓለም ኣብ ዝሰበረሉ ግዜ ብማእከላይ ገምጋም 37.58 ኪሎ ሜትር’ዩ ጎይዩ።
6. ንልዑል መሰጋገሪ መጠን ገንዘብ ዝነጸገ
ምስ ፕረዚደንት ሪያል ማድሪድ ፍሎሬንቲኖ ፐሬዝ ንነዊሕ ግዜ ክጸናንዑ ድሕሪ ምጽናሕ ምስ እታ ዓባይ ጋንታ ንኽጻወት ብገንዘብ ተሰማሚዖም።
እንተዀነ ምባፐ ነቲ ውዕል ውዱቕ ገይሩ ኣብ ፓሪስ ክጸንሕ ወሲኑ። ምስ ጋንታኡ ዘጽንሖ ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕል ከኣ ፈሪሙ።
ክኢላ ትንተና ኵዕሶ እግሪ ስጳኛ ጊለም ባላግ፡ ክልቲኤን ጋንታታት ንፊርማ ምባፐ ጥራይ 150 ሚልዮን ዩሮ ንምኽፋል ኣብ ስምምዕ በጺሐን ከም ዝነበራ ይገልጽ።
ምባፐ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ፡ ንሪያል ማድሪድ ንምጽዋት ዘለዎ ሕልሚ ፈጺሙ ከምዘይተወድአ ገሊጹ ነይሩ።
7. ሃብታምን ለጋስን ኮኸብ ኩዕሶ እግሪ
ኣብቲ ዝሓለፈ ጥቅምቲ መጽሔት ፎርብስ ኣብ ዝሓተሞ ጽሑፍ፡ ምባፐ ካብቶም ልዑል መጠን እቶት ዘለዎም ተጻወትቲ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ።
ንትሽዓተ ዓመታት ዝኸውን ካብቶም ሃብታማት ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዝዀኑ መሲን ሮናልዶን ወጻኢ፡ ካልእ ነዚ ጸጋ ዝተዓደለ ተጻዋታይ የለን።
ኣብዚ ዘመነ ውድድር፡ 128 ሚልዮን ዩሮ ክረክብ ከምዝኽእል ይግመት። ምባፐ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣዝዩ ውሩይ ኰይኑ ኣብ ኢንስታግራም፡ ፈይስቡክን ትዊተርን ኣስታት 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዎ።
ኣብዚ ናይዚ ዓመት ውድድር ዋንጫ ዓለም ምስ ሮናልዶ፡ መሲን ነይማርን ኣዝዮም ጸለውቲ ኣብ ዝብል ሪጋ ተሰይሙ።
ምባፐ ቅድሚ 4 ዓመት ምስ ሃገራዊት ጋንታኡ ዋንጫ ዓለም ምስዓተረ ነቲ ውድድር ዝተኸፈሎ 380 ሽሕ ፓዉንድ ንግብረ ሰናይ ትካል ህጻናት ከምዝለገሰ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







