ዋንጫ ዓለም 2022፡ መሲ፡ ሮናልዶ፡ ምባፐ፡ ነይማርን ካልኦትን ሃንቀው ዝብልዋ ዘለዉ ዋንጫ

32 ሃገራት ናብ 16 ጸርየን፤ ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ታሕሳስ 18 መን ነታ ዋንጫ ትስፍስፍ ናብ ዝግበር ጕዕዞ - ንርብዒ ፍጻመ 8 ሃገራት ተሪፈን ኣለዋ።
ካብዘን ሸሞንተ ሃገራት እተን ሽዱሽተ ዋንጫ ዝወሰዳን ናብ ፍጻመ በጺሕን ዝፈልጣን ሃገራት እየን፡ ብድምር ኸኣ 10 ግዜ ዋንጫ ዓለም ወሲደን ኣለዋ።
እታ ካብ ኵለን ፍልይ ዝበለት ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኰይና፡ ንመጀመርታ ግዜ’ያ ናብ ርብዒ ፍጻመ ትሓልፍ ዘላ፤ ቅድሚ ሕጂ ሃገራት ኣፍሪቃ በጺሐናኦ ናብ ዘይፈልጣ ፍርቂ ፍጻመ ንምብጻሕ ከኣ ኣንጻር ፖርቱጋል ሓዊ ዝዀነ ጸወታ ይጽበያ ኣሎ።
ቢቢሲ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ጸወታ ዳህሲስዎ ኣሎ ንቐደም በሉ!
ከቢድ ጸወታ ሸሞንተ ሃገራት
ዓርቢ፡ ክሮኤሽያ ኣንጻር ብራዚል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ] ሆላንድ ኣንጻር ኣርጀንቲና [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት]
ቀዳም፡ ሞሮኮ ኣንጻር ፖርቱጓል [ሰዓት ሽዱሽተ ድሕሪ ቀትሪ] እንግሊዝ ኣንጻር ፈረንሳ [ሰዓት ዓሰርተ ምሸት]
እተን ካብተን ነዛ ዋንጫ ክዕወታላ ይኽእላ’የን ተባሂለን ዝተገመታ ከም በዓል ጀርመን፡ ቤልጂምን ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ፣ ስጳኛ ኸኣ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ስለዝተገለፋ፡ እቲ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ኣገረምቲ ውጽኢታት ዝተመዝገቦ ዋንጫ ዓለም፡ ካብተን 32 ሃገራት ነተን 24 ሃገራት ናብ ሃገረን ኣሰናቢቱ ሸሞንተ ሃገራት ሒዙ ተሪፉ ኣሎ።
እቶም ኣብዚ ዘመን ኵዕሶ እግሪ እንክለዓል ስሞም ከይተረቝሐ ዘይስገር ሊዮነል መሲን ክሪስትያኖ ሮናልዶን ከምኡ'ውን ነይማር፡ ሃሪ ከይን፡ ኪልያን ምባፐን ሉኳ ሞድሪችን’ውን ብተመሳሳሊ ስሞምን ስም ሃገሮምን ክዅልዑ ኣብዚ ወሳኒ ጸወታ ክጽመዱ’ዮም።
ቅልስ 'ኣንግሎ - ፍረንች'
እንግሊዝን ፈረንሳን ነዛ ዋንጫ ቅድሚ ሕጂ ወሲደናኣ ይፈልጣ’የን፤ እንግሊዝ ኣብ 1966፡ ፈረንሳ ከኣ ኣብ 1998 ከምኡ’ውን ኣብ 2018።
እዘን ሃገራውያን ጋንታታት ቅድሚ 10 ዓመታት’የን ተጋጢመን፤ ኣብ ግጥም ኣውዲቅካ ምሕላፍ ክራኸባ ግን እዚ ፈለማ’ዩ።
ኣብ ዋንጫ ኣውሮጳ 2012 ኣብ ሓደ ምድብ ዝነበራ እዘን ክልተ ሃገራት፡ ማዕረ 1 ብ 1 እየን ተፈላልያን ምንባረን ኣይርሳዕን። ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝተራኸባሉ ግጥም ምስ እንፍትሽ ግን ናብ 1982 ምምላስ የድሊ።
ኣብ 1982 ኣብ ዝተራኸባሉ፡ እንግሊዛዊ ብርያን ሮብሰን ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ እንግሊዝ 3 ብ 1 ክትዕወት እንከላ፡ ፈረንሳ ነታ ሓንቲ ሸቶ ካብ ሚሸል ፕላቲኒ’ያ ረኺባታ።
እንግሊዝን ፈረንሳን ቀዳም ኣብ ዝህልወን ጸወታ፡ ፈረንሳ በቲ ንወርቃዊ ዋንጫ ብሓሙሽተ ሸቶታት ዝመርሕ ዘሎ ምባፐን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳ ዝልዓለ ሸቶ ብምምዝጋብ ክብሪ ሒዙ ዘሎ ኦሊቨር ጅሩድን መስመር መጥቃዕቲ ሒዛ'ያ ጸወታኣ ከተካይድ።
ሓለቓ ጋንታ እንግሊዝ ሃሪ ኬይን፡ “ናይ ቀዳም ጸወታ ኣዝዩ ሓያል’ዩ ክኸውን፡ ፈረንሳ ድልድልቲ ጋንታ እያ፡ እቶም ንዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወቱ ንሶም’ዮም፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሓያል ጸወታ’ዩ ክኸውን” ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ “ንዋንጫ ዓለም ክትዕወተሉ እንተዄንካ ካብ ዓለም ዝበለጸ ጸወታ ክትጻወት ኣለካ፤ ፈረንሳ ከኣ ኣብ ከምኡ ደረጃ ዘለዉ ኰይኑ ይስምዓኒ” ኢሉ።
መሲን ሮናልዶን ክሳዕ ፍጻመ ይበጽሑዶ ይዀኑ?
ሰንበት 18 ታሕሳስ ኣብ ደውሓ ዝርከብ ስታድዮም ሉሳየል ጸወታ ፍጻመ ከአንግድ’ዩ።
ንዕድመኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንመሲን ሮናልዶን እዚ ናይ መወዳእታ ዋንጫ ዓለሞም’ዩ ክኸውን።
ክልቲኦም ኣብ መዛዘሚ ጸወታ እንተበጺሖም ከኣ ነቲ ድሙቕ ታሪኾም መሊሶም ክዅልዕዎ’ዮም።
መሲን ሮናልዶን ንዝሓለፈ ዓመታት ዝና ኵዕሶ እግሪ ንሓድሕዶም’ዮም ክቐባበልሉ ጸኒሖም።
ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም፡ መበል 1000 ፕሮፈሽናል ጸወታኡ ዘካየደ መሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኣውስትራልያ ሸቶ ብምምዝጋብ ነታ መበል 1000 ጸወታኡ ብሸቶ ጸንቢልዋ’ዩ፤ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብወገኑ ኣብ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ክሕዝ ክኢሉ’ዩ።
ክልቲኦም ኣብ ኣህጕሮም ዋንጫ ወሲዶም’ዮም፤ ነዛ ዋንጫ ዓለም ግን ክሳብ ሕጂ ሃንቀው ኢሎም’ዮም ዝጽበይዋ ዘለዉ።
ርግርግ ደቡብ ኣሜሪካውያን
ቅድሚ ናብ ጸወታ ፍጻመ ምሕላፍና፡ ብራዚል ንክሮኤሽያ ኣርጀንቲና ኸኣ ንሆላንድ እንተስዒረናአን፡ እተን ከበድቲ ሚዛን ተባሂለን ዝግለጻ ኣብ ፍጻመ ኮፓ ኣሜሪካ ዝተራኸባ ብራዚልን ኣርጀንቲና ዝህሉ ጸወታ ፍርቂ ፍጻመ ኣፍካ ማይ ዘምልእ ክኸውን’ዩ።
ንዋንጫ ዓለም ሓሙሽተ ግዜ ተዓዊታ ክብረ ወሰን ዝሓዘት ብራዚል፡ ንደቡብ ኮርያ ስዒራ፣ ኣርጀንቲና ከኣ ንኣውስትራልያ ስዒራ’የን ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፈን ዘለዋ።
እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ዋንጫ ዓለም ኣርባዕተ ግዜ ክራኸባ እንከለዋ ካብ 1990 ጀሚረን ግን ኣብ ዋንጫ ዓለም ተራኺበን ኣይፈልጣን።
ብራዚል ዋንጫ ዓለም 2002 ምስ ተዓወተትሉ፡ ዝሰዓበ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2006፡ 2010፡ 2014፡ 2018 ኵሉ ኣውሮጳውያን ሃገራት ኢጣልያ፡ ስጳኛ፡ ጀርመንን ፈረንሳን’የን ተዓዊተናሉ። እዛ ዋንጫ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ ክትምለስ እንተዀይና ከኣ እቲ ተስፋ ኣብ እንግድዓ ብራዚልን ኣርጀንቲናን’ዩ ዘሎ።
ካብ ማህረምቲ ዝተመለሰ ነይማር፡ ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኮርያ ሸቶ ከመዝግብ ክኢሉ’ዩ። ምስቲ ፔለ ን ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዘመዝገቦ 77 ሸቶታት ንኽመዓራረ ከኣ ሓንቲ ሸቶ’ያ ተሪፋቶ ዘላ።
ሸቶ ደኒስ ቤርካምፕ ዘዘክር ውጽኢት’ውን ክመጽእ ይኽእል’ዩ
ኣብ ዋንጫ ዓለም፡ ብልዊስ ቫንሃል ትስልጥን ዘላ ሆላንድ፡ ኣንጻር ኣርጀንቲና ቅድሚ ሕጂ ሽዱሽተ ግዜ ተራኺባ ኣላ።
እዛ ናይ ሕጂ ልክዕ ከምቲ ኣብ 1978 ዝተራኸባሉ ጸወታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ መን ሓለፈ ኰይኑ፡ ኣርጀንቲና ንሆላንድ ብምግላፍ ኣብ መወዳእታ ነታ ዋንጫ ክትወስዳ ክኢላ’ያ።
ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ’ውን፡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ተራኺበን ኣርጀንቲና ብፍጹም ቅላዕ ክትዕወት ምኽኣላ ዝዝከር’ዩ።
ግጥም እዘን ክልተ ሃገራት ግን ዝያዳ በታ ኣብ 1998 ደኒስ ቤርካምፕ ብጽቡቕ ጥበብ ኣብ መወዳእታ ደቂቕ ዘመዝገባ ሸቶ’ዩ ዝዝከር።
እታ ሸቶ ንሆላንድ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዘሕለፈት ሸቶ’ያ ነይራ።
ኮዲ ጋብኮከ ንሸቶ ቤርካምፕ እተዘክር ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ታሪኽ1998 ደጊሙ ንሃገሩ ናብ ፍርቂ ፍጻመዶ የሕልፋ ይኸውን?
ጽባሕ ዓርቢ መልሲ ሒዛትልና ኣላ!
ሞሮኮ፡ እታ እተገርም ጋንታ
ኣሽረፍ ሓኪም ብዝቐለዓ ናይ መወዳእታ ፍጹም ቅላዕ ብዓወት ሞሮኮ ዝተዛዘመ ጸወታ ኣንጻር እታ ኣብ 2010 ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ስጳኛ፡ ሞሮኮ ኣዒንቲ ብዙሓት ንኽትስሕብ ኣኽኢልዋ’ዩ። ኣሽረፍ ሓኪም ከኣ ማእከል ስሕበት ጸወታ ሞሮኮ’ዩ ነይሩ።
ድሕሪ ዓወቶም ንጉስ ሞሮኮ መሓመድ ናብ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ወሊድ ረገራጒ ደዊሉ ኣተባቢዕዎ’ዩ።
ሞሮኮ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘካየደቶ ሸውዓተ ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 2022፡ ሓንቲ ሸቶ ጥራይ ክትምዝገባ እንከላ ክሳብ ሕጂ ኣይተሳዕረትን።
ሞሮኮ ንስጳኛ ስዒራ ናብ ርብዒ ፍጻመ ብምስጋራ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ሃገራውያን ጋንታት ካሜሮን፡ ጋናን ሰኔጋል ዝበጽሓኦ ደረጃ ክትበጽሖ ክኢላ’ያ።
ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ሓድሽ ክብረ ወሰን ክምዝገብ እንተዀይኑ ንፖርቱጋል ስዒራ ናብ ርብጺ ፍጻመ ክትሓልፍ ኣለዋ። ብድሕሪኡ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ክብሪ ክብሪ’ዩ ክኸውን፤ ዘይክኣል ግን ኣይኮነን።
መን ይፈልጥ እታ ዋንጫ’ውን ንፈለማ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ተምጽኣ ትኸውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







