ዋንጫ ዓለም ቐጠር ብኣካል ዝርኢ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ትዕዝብቱ ብኸመይ ይገልጾ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግሩም ሰይፉ፡ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ኣድማስ ስፖርትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ እዩ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት መኽፈቲ፡ ኣብቲ ድንቂ ዝዀነ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ንምስታፍ ናብ ደውሓ ኣምሪሑ።
ደውሓ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 2200 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኰይና፡ መንገዲ ኣየራት ኢትዮጵያን ቐጠርን መዓልታዊ ተጓዓዝቲ የመላልሱ።
ጋዜጠኛ ግሩም፡ ካብቲ ንፋስ ዝበዝሖ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደውሓ ምስ ከደ፡ ሙቐት እዩ ተቐቢልዎ። እዚ ወቕቲ ግን ንቐጠራውያን ዝሑል ወርሒ እዩ።
"ኣብ ደውሓ ጸሓይ ቀትሪ ዝበሃል የለን፤ ጸሓይ ምሉእ መዓልቲ፡ ንሑጻ ናይቲ ዓዲ እያ ክተጥቅዕ ትውዕል፡" ይብል።
ቐጠር፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሜትሮሎጂ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ሙቐት እዩ።" መብዛሕትኡ ካብ ወጋሕታ ክሳብ ኣጋምሸት ክትብሎ ይቐልል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተሓተ ሙቐት 23 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከባቢ ሰዓት 16፡00 [ድሕሪ ቀትሪ] እዩ።
ብዙሕ ስኑ-ዝነኽሰላ ቐጠር
መርበብ ሓበሬታ ዎርልድ ፖብሊሺን ሪቪው፡ ብዝሒ ህዝቢ ቐጠር ኣብዚ ዓመት 2.7 ሚልዮን ከምዝዀነ ይግምት።
ካብዚኦም እቶም ቐጠር ዝበሃሉ ዓረብ 15 ሚእታዊት እዮም። ህንዳውያን፡ ፊሊፒናውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኤስያን ኣብታ ሃገር ይነብሩ።
ካብዚ ወጻኢ ኣብ ርእሰ ከተማ ደውሓ ከምኡ’ውን ኣብ ኣ'ራያን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያንን ኬንያውያንን ኣለዉ።
ብተፈጥሮ ነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ቐጠር፡ ኣብ ዓረባዊ ዓለም ንፈለማ እዋን እያ ዋንጫ ዓለም ተአንግድ ዘላ።
ግሩም፡ ንጕጅለ ካሜሩን ኣንጻር ሰርብያ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ ንምሽፋን ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ብተሌፎን ረኺብናዮ።
መዝሐሊ ቴክኖሎጂ እንተዘይህሉ፡ ቐጠር ክትነብራ ዘይትከኣል ምዀነት ዝብል እምነት ኣለዎ።
"ሕጂ ንኣብነት ብኣቈጻጽራ ሃገርና ሰዓት 5 እዩ። ኣብ ሃገርና ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘማርር ዋዒ እዩ”።
ነቶም ነበርቲ ቐጠር ብዛዕባ ኵነታት ኣየር ክሓቶም እንከሎ፡ "ኣብ ዝሑል መጺእካ" ኢሎም ይጥምትዎ እሞ፡ "እዚ ብሓቂ ቁሪ እዩ" ይብልዎ።
ቐጠር፡ ስለዚ ድማ እያ ነዚ ዓመተ ስፖርት ኣክንዲ እቲ ኣብ ሰነ ዝካየድ ዝነበረ ስሩዕ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብዚ ወቕቲ ክካየድ ዝመረጸት።
ካብ ወሽመጥ ፋርስ ዝመጸ ንፋስ ንለይቲ ቐጠር የዝሕሎ እዩ።
እታ ሃገር፡ ነዚ ዋንጫ ዓለም ክትውድብ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ብዙሕ ተቓውሞ ገጢምዋ እዩ፤ ሰብኣዊ መሰላት ኣይትኽብርን እያ፣ ስታድዩማት ክስራሕ ከሎ ብዙሓት ሸቃሎ ሞይቶም፣ ኵነታት ኣየር ምቹእ ኣይኮነን። . . በቃ ብዙሕ ነቐፌታ ረኺባ።
ጋዜጠኛ ጉሩም ግን እዚ ነቐፌታ ምኽኑይ ከምዘይኰነ እዩ ዝኣምን።
“ዜጋታት ቐጠር ኣዝዮም ሰላማውያን እዮም። ኣቀባብላኦም ይርእዮ ነይረ። ዓረባዊ ዓለም ንኹዕሶ እግሪ ዘለዎ ፍቕሪ ንምርኣይ ፍሉይ ዕድል እዩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ መጻኢ፡ ደውሓ’ውን ልክዕ ከም ዱባይ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ንዝመጹ ኣጋይሽ ማእከል ክትከውን እያ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ኢትዮጵያውያን ኣብ ቐጠር

ምንጪ ስእሊ, GRUM
ግሩም፡ ኣብቲ ኣብ ደውሓ ዝበጽሖ ቦታታት፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን መነባብሮኦም ንምምራሕ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ርእዩ።
“ምስ ኢትዮጵያውያን ወለንተኛታት ኣብ ስታድዩማት ተራኺበ ኣለኹ። ምስ ሓደ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ እውን ተራኺበ። ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ምስ ዓበይቲ ኩባንያታት ፈነወ ዝሰርሕ ኢትዮጵያዊ'ውን ክራኸብ ክኢለ እየ።"
እቲ ጋዜጠኛ ብመሰረት እቲ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ፡ ኣብ ቐጠር ልዕሊ 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ይነብሩ።
ኣብቲ ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተፈላለየ ሓበሬታ ዝዝርግሕ 'ኦንላይን ቐጠር' ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ብውሕዱ 25 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣለዉ።
“ሰራሕተኛታት ገዛ ኰይነን ዝሰርሓ ኣለዋ፣ ዝመሃሩ እውን ኣለዉ። ሰብ ሞያ ህንጻ፡ መራሕቲ ታክሲ ኣለዉ። ሓያለ ኣብያተ መግቢ ኢትዮጵያ ዝርከባሉ ሓደ ከባቢ'ውን ኣሎ። ኣዲስ ኣበባ ዝተባህለ እንዳ ቐምቃማይ ርእየ ኣለኹ። ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝበጻሕክወን ኣብያተ መግቢ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተኣኪቦም ርእየ።"
ግሩም፡ "ኢትዮጵያውያን ብቐጠራውያን ዝተኸብሩ እዮም፤ ሰራሕተኛታት ይበሃሉ" ይብል።
ጋዜጠኛ ግሩም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምስታፍ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሩስያን ተጓዒዙ ነይሩ።
“ናይ ደውሓ ግን ብብዙሕ መዳይ ዝተፈለየ እዩ” ይብል።
ሓደ ምኽንያት ድማ እቶም ስታድዩማት ነንሕድሕዶም፡ ቅርበት ስለዘለዎም ንሱን መሓዙቱን ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተፈላለየ ጸወታታት ክዕዘቡ ይኽእሉ።
ንኣብነት ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ካብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ናብ ሶቺ ብባቡር 72 ሰዓታት ተጓዒዙ።
ዘይከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣዮ ዋንጫ ዓለም፡ ኣብ ምድብ ጸወታታት ዝግበር ንሕንሕ፡ ብዝሒ ተዓዘብቲ፡ ፍሉይ 'ዲዛይን' ስታድዩማት፡ ነዛ ዋንጫ ዓለም "ፍሉይ" ከም ዝገበራ ገሊጹ።
'ኩዕሶ እግሪ ማለት እዚ እዩ'
መስከረም ዘውዴ ኣብ ቐጠር ካብ እትነብር ልዕሊ 15 ዓመታት ኣቝጺራ ኣላ። ኣብ ርእሰ ከተማ ደውሓን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር ተጓዒዛን ሰሪሓን። ሕጂ ኣብታ ከተማ ‘ኣቢሲንያ-ቢሾፍቱ ሬስቶራንት’ ዝበሃል ናይ ስድራቤት፡ ቤት ብልዒ ኣለዋ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ኣብ መስከረም ዝርከብ ቤት መግቢ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ብዝመጹ ዓማዊል ከምዝተመልአን፡ እዚ ድማ፡ "ዘመነ ዋንጫ ዓለም" ምዃኑ ዘመልክት ምዃኑን ትዛረብ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣጋይሽ፡ ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያንን ካልኦት ዜጋታት ብዙሓት ሃገራትን ናብ ቤት መግቢ ከምዝመጽኡ ጠቒሳ።
ኢትዮጵያውያን ተጠቀምቲ ካብ ካልኦት ሃገራት መሓዙቶም ኣምጺኦም መኣዲ ሃገሮም ከስተማቕሩ ክትዕዘብ ከላ ግን ሕጕስቲ እያ።
መስከረም ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ዘመሓደረቶ ቤት መግቢ ኣቢሲንያ-ቢሾፍቱ፡ ኣብ ደውሓ ኣ'ራያን ኣብ ዝበሃል ከባቢ ይርከብ።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝነብሩሉ ከባቢ እዩ።
መስከረም፡ ዋንጫ ዓለም ምስ መጸ፡ ልዕሊ ዓቐን ጽቕጥቕጥ ከይህሉ ፈሪሓ ነይራ።
እዚ ሓደ ግዜ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝካየድ ውድድር ግን ሓጐስ እዩ ፈጢሩላ።
“ሰብ ኣዝዩ ሕጕስ እዩ፡ ብናጽነት ይንቀሳቐስ። ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣናዮ ዝተፈልየ ነገር ኢና ንርኢ ዘለና። ኵሉ ሰብ ኣኽቢሩ እዩ ዝሕዞ። እቲ ስምዒት ዝተፈለየ እዩ።"
ቤት መግቢ ኣቢሲንያ-ቢሾፍቱ ናይ 32 ሃገራት ባንዴራታት ኣለዎ። ኣብ ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ 32 ሃገራት ትውክል።
ካብቲ ቤት መግቢ ርሒቑ ዘሎ ሃዋህው ፍሉይ ምዃኑ እትገልጽ መስከረም፡ ኩዕሶ እግሪ ብኸምዚ ንሰባት ከተራኽብ ክትዕዘብ ከላ ትግረም።
"ኩዕሶ እግሪ ማለት እዚ'ዩ። ኩዕሶ እግሪ ንሰባት ዓለም ሓደ ዝገብር እዩ። ኣነ ብውልቀይ ዝተርድኣኒ እዚ እዩ። ብጣዕሚ ደስ ዝብል እዩ። ብሓቂ!"
መስከረም፡ እቲ ቤት መግቢ ኣብዚ እዋን፡ ብዓማዊል መሊኡ ስለዝነበረ፡ ኣብ ዙርያ ስታድዩማት ንተጠቀምቲ ዝኸውን ናይ ኢትዮጵያ መኣዲ ኣየቕረበትን።
ብሰንኪ እቲ ልሙድ ዋዒ ንርእሳ ዘጨንቓ ቐጠር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከምዝዘሓለት ብምግላጽ ከም ዝተገረመት ትዛረብ፤ ነቲ ሙቐት ሰብ ዝጻወሮ ከምዘይነበረ ትዛረብ።
ኣብታ ሃገር ወሽመጥ ዓረብ ንሓያሎ ዓመታት ዝነበረት መስከረም፡ ዓቃባዊት ዓረብ ሃገር ዝዀነት ቐጠር እቶም ኩዕሶ ክዕዘቡ ዝመጹ ሰባት ኣይዘናግዑን ይዀኑ ዝብል ስክፍታ ሓዲርዋ ነይሩ።
ቐጠር ኣብ ስታድዩማት መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣጊዳ እያ።
ይዅን እምበር፡ ሜክሲካውያንን ብራዚላውያንን ኣብ ለይታዊ ትልሂታት ክስዕስዑ ምርኣይ፡ ሕጕሳት እዮም ትብል መስከረም።
ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ባህርያት ሒዞም እዮም ዝመጹ። መብዛሕትኦም በጻሕቲ ግን ሕጕሳት፡ ብናጽነት ዝንቀሳቐሱ፡ ዝጻወቱ፡ ዝስዕስዑ ምዃኖም ተዓዚባ።
“ቅድሚ ሕጂ ርእየዮ ዘይፈልጥ ነገር እዩ። ብሓቂ ፍልይ ዝበለ ስምዒት ከም ዝስምዓኒ ገይሩኒ።”
'ቀጠር ብዙሕ ነገራት ተዓዊታ'
ኢትዮጵያዊ ዓብደልሓኪም ዓብዱራሕማን፡ ኣብ ደውሓ ሓሙሽተ ዓመታት ተቐሚጡ። ዓብደልሓኪም፡ ሓደ ካብቶም ወለንተኛታት ዋንጫ ዓለም እዩ።
እቲ መንእሰይ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ስታድዩማት ደውሓ ዝዀነ ኣህጉራዊ ስታድዩም ከሊፋ እውን ብወለንታ ይሰርሕ ኣሎ።
ዓብደልሓኪም ቀንዲ ስርሑ ነቶም ጸወታ ክዕዘቡ ዝመጹ ተዓዘብቲ ምምራሕን ዘድልዮም ነገራት ምሕጋዝን እዩ።
በጻሕቲ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ዘይከኣል ነገራት ክገብሩ እንተተረኺቦም እውን ብምግሳጽ፡ ወለንታዊ ኣገልግሎቱ ይዋጻእ እዩ። ብዛዕባ እቶም ፈሊጦም ዝጽይቑ ሰባት እውን ንዝምልከቶ ይሕብር።
ዓብደልሓኪም ነዚ ወለንታዊ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሩ ሓጺር ስልጠና ወሲዱ እዩ።
ጸወታ ንምዕዛብ ናብቲ ስታድዩም ዝመፁ ኵሎም ሰባት ጽቡቕ ስነምግባር ከምዘይብሎም ዝገልጽ እቲ መንእሰይ፡ ገለ በጻሕቲ ነቶም ወለንተኛታት ከምዘሸግሩ ይገልጽ።
ቐጠር ካልኣይቲ ሃገሩ ምዃና ዝገለጸ ዓብደልሓኪም፡ ነታ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብዙሕ ዕዉት ዘይነበረት ሃገራዊት ጋንታ ቐጠር ደገፉ ይህብ ነይሩ።
ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ሆላንድ፡ ሰኔጋልን ኢኳዶርን ዝተመደበት ቐጠር፡ ኣብ ሰለስቲኡ ናይ ምድብ ጸወታኣ ስዕረት ኣመዝጊባ ተኣልያ።
ይዅን እምበር፡ ብመሰረት ዓብዱልሓኪም፡ "ቐጠር ብዙሕ ነገራት ተዓዊታ እያ።"
"ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣጋይሽ ምቕባልን ምእንጋድን ከም ዓቢ ዓወት እየ ዝርእዮ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







