ዋንጫ ዓለም 2022፡ ዝሓለፋ ጋንታታትን ትጽቢት ዝግበር ውጽኢትን እንታይ እዩ? ብኸመይ ከ ይፈላለያ?

ተጻወትቲ እንግሊዝ ንተዓዘብቶም እናኣመስገኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተጻወትቲ እንግሊዝ ንተዓዘብቲ እናኣመስገኑ

ሃገራውያን ጋንታታት ዛጊት ብዘካየዳኦ ውድድራት፡ ካብ ምድብ ሓደን ክልተን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ሃገራት፡ ሰኔጋል ኣንጻር እንግሊዝ 4 ታሕሳስ፣ ኣሜሪካ ኸኣ ኣንጻር ሆላንድ 3 ታሕሳስ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከካይዳ’የን።

ፈረንሳ ኣብ ካልኣይ ናይ ምድብ ጸወታ ኣንጻር ደኒማርክ ገጢማ 2 ን 1 ምስ ሰዓረት እታ ቀዳመይቲ ሓደ ተረፍ ጸወታ እንከለዋ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምስጋራ ዘረጋገጸት ሃገር’ያ። ብራዚል’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ንስዊዘርላንድ 1 ብ 0 ብምስዓር ኣብተን 16 ጋንታታት ቦታኣ ኣውሒሳ።

ብሰኑይ ንኡራጋይ 2 ብ 0 ዝሰዓረት ፖርቱጋል’ውን ብተመሳሳሊ ምሕላፋ ዘረጋግጽ ሓፊስ ዓወት ኣመዝጊባ'ላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቐጠር፡ ካናዳን ኢኳዶርን ሓደ ጸወታ ተሪፍወን እንከሎ ካብ ምድበን ከምዝተገለፋ ዘፍለጣ እየን።

ኣብተን ዝተረፋ ምድባት ከ ኣየኖት ሃገራውያን ጋንታታት’የን ናይ ምሕላፍን ወይ ምትራፍን ተኽእሎ ዘለወን? ነዚ ክንድህስሶ ኢና።

ምድብ 1

ነጥቢ ምድብ ሓደ

ኣብ ታሪኻ ሰለስተ ግዜ ንፍጻመ ዝበጽሐት ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ፡ ኣብ ልዕሊ ኣአንጋዲትን ካብ ምድባ ከምዝተረፈት ኣቐዲማ ዘረጋገጸትን ቐጠር፡ 2 ን 0 ብምዕዋት ንምድብ ሓደ ቀዳመይቲ ኰይና ዛዚማቶ።

እታ ተዓዊታ ጥራይ ክትሓልፍ ዕድል ዝነበራ ሰኔጋል ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ ኢኳዶር 2 ብ 1 ዓወት ብምምዝጋብ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ናብ ግጥም ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሰጊራ።

ምድብ 2

ነጥቢ ምድብ ክልተ ዘርኢ ሰሌዳ

ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ዌልስ 3 ብ 0 ዓወት ብምምዝጋብ፡ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኰይና ክትሓልፍ እንከላ ዌልስ ካብቲ ምድብ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ።

እታ ግድን ክትዕወት ጥራይ ዝነበራ ኣሜሪካ ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን 1 ብ 0 ዓወት ብምምዝጋብ ነታ ማዕረ’ውን ዘዋጽኣ ዝነበረ ኢራን ገሊፋ ካብ ምድባ ካልኣይቲ ኰይና ሓሊፋ።

ምድብ 3

ሰሌዳ ምድብ 3 ዘርኢ ሰሌዳ

ፖላንድን ኣርጀንቲናን እተን ኣብቲ ምድብ ኣብ ልዕሊ ስዑድያን ሜክሲኮን ዓወት ብምምዝጋብን ዝመርሓ ዘለዋ ሃገራት እየን።

እንተኾነ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ሳልሳይ ናይ ምድብ ጸወታ ንሓድሕደን ክጋጠማ ስለዝኾና ወይ ሜሲ ወይ ሮበርት ልዋንዶውስኪ ካብዚ ምድብ ንሃገሮም ለኪሞም ክተርፉ’ዮም።

እንተኾነ ፖላንድ ማዕረ ውጽኢት ከዋጽኣ እንከሎ ኣርጀንቲና ግን ክትሓልፍ እንተዀይና ግድን ክትስዕር ኣለዋ፡ ሜክሲኮን ስዑድ ዓረብን ማዕረ እንተወጺአን ግን ዋላ ኣርጀንቲናን ፖላንድን ማዕረ ይፈላለያ ኣርጀንቲናን ፖላንድን’የን ክሓልፋ።

ስዑድ ዓረብ ንሜክሲኮ እንተስዒራ፡ ፖላንድን ኣርጀንቲናን ኸኣ እንተተሰዓዒረን፡ ስዑድያ ካብዚ ምድብ ክሓልፍ ትኽእል'ያ። ሜክሲኮ ንኽትሓልፍ ግን ንስዑድያ ክትስዕር፡ ፖላንድ ኸኣ ንኣርጀንቲና ክትስዕራ ክትጽበ እያ።

ምድብ 4

ናይ ምድብ 4 ነጥቢ ዘርኢ ሰሌዳ

ፈረንሳ ካብዚ ምድብ ምሕላፋ ገና ሓደ ጸወታ ተሪፍዋ እንከሎ’ያ ኣረጋጊጻ። ምስ ቱኒዝያ ዋላ ማዕረ እንተወጽአት ናይ ቀዳመይ ቦታኣ ውሑስ’ዩ።

ኣውስትራልያ ንደኒንማርክ እንተስዒራ ትሓልፍ፤ ማዕረ እንተወጺኣ ግን ቱኒዝያ ንፈረንሳ ስዒራ ክትሓልፍ ትኽእል፤ ደኒንማርክ ኸኣ ብተመሳሳሊ ክትሓልፍ እንተዀይና ክትስዕር ጥራይ’ዩ ዘለዋ።

ቱኒዝያን ዴንማርክን እንተተዓዊተን ክልቲአን ተመሳሳሊ ዕዳ ጎል ስለዘለወን እታ ዝበዝሐ ጎል ዘመዝገበት ወይ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ብዘሎ ኣገባብ እታ ትሓልፍ ክትፍለጥ’ያ።

ምድብ 5

ናይ ምድብ ሓሙሽተ ነጥቢ ዘርኢ ሰሌዳ

ኣብ ምድብ ሓሙሽተ ዘለዋ ኣርባዕተ ሃገራውያን ጋንታታት ስጳኛን ጀርመንን ማዕረ ውጽኢት ምስ ኣመዝገባ ኵለን ናይ ምሕላፍ ተኽእሎ ከምዘለወን’የን ኣረጋጊጸን።

ኣብዚ ምድብ፡ ጽባሕ ኮስታሪካ ኣንጻር ጀርመን፣ ጃፓን ከኣ ኣንጻር ስጳኛ ናይ መወዳእታ ናይ ምድብ ጸወታ ክህልወን’ዩ።

ስጳኛ ዓወት ወይ ማዕረ ውጽኢት እንተኣመዝጊባን ኣብቲ ካልእ ጸወታ ማዕረ ወይ ጀርመን እንተስዒራ ስጳኛ ብዘይ ስክፍታ ትሓልፍ።

ስጳኛ ካብዚ ምድብ ክትግለፍ እንተዀይና፡ ኮስታሪካ ንጀርመን ክትስዕራ ኣለዋ፤ ብተመሳሳሊ ስጳኛ’ውን ብጃፓን ክትሰዓር ኣለዋ፤ ወይ’ውን ጀርመን ብልዕሊ ሸሞንተ ጸብለልታ ጐል ንጃፓን እንተስዒራታ ስጳኛ ክትገለፍ ትኽእል እያ።

ክልቲኡ ጸወታታት ማዕረ እንተተወዲኡ ጃፓንን ስጳኛን ቀዳመይትን ካልኣይትን ኰይነን ክሓልፋ’የን። ኮስታሪካ ንኽትሓልፍ ንጀርመን ክትስዕራ ኣለዋ፡ ስጳኛን ጃፓንን ከኣ ማዕረ ክወጽኣ ኣለወን። ኮስታሪካ ብማዕረ ውጽኢት ክትሓልፍ እንተዀይና ግን ስጳኛ ንጃፓን ክትስዕራ ኣለዋ።

ጀርመን ክትሓልፍ እንተዀይና ክትስዕር ኣለዋ፤ እዚ ጥራይ ግን እኹል ኣይኮነን፣ ጃፓን ከኣ ክትስዓር ኣለዋ። ጃፓን ማዕረ እንተወጺኣ፡ ጀርመን ብልዕሊ ክልተ ጐል ጸብለልታ ሸቶ ስዒራ ክትሓልፍ ተኽእሎ ኣሎ።

መድብ 6

ናይ ምድብ ሽዱሽተ ነጥቢ ዘርኢ ሰሌዳ

ካናዳ ብሰንበት ኣብ ታሪኾም ዋንጫ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ’ዮም ሸቶ ኣመዝጊቦም፡ እንተኾነ ክሮኦሽያ ካብ ድሕሪት መጺኣ ስለዝሰዓረቶም ካብ መድቦም ከምዝተገለፉ ኣፍሊጦም’ዮም።

ነዚ ምድብ ትመርሕ ዘላ ክሮኤሽያ ብቤልጂም እንተዘይተሳዒራ ክትሓልፍ ትኽእል፤ ሞሮኮ ንኽትሓልፍ ማዕረ ውጽኢት’ውን ይኣኽላ እዩ።

ቤልጂም ክትሓልፍ እንተዀይና ንክሮኤሽያ ክትስዕር እዩ ዘለዋ፤ ማዕረ እንተወጺኣ ንኽትሓልፍ ካናዳ ንሞሮኮ ክትስዕራ ኣለዋ።

ምድብ 7

ናይ ምድብ ሸውዓት ነጥቢ ዘርኢ ሰሌዳ

ሓሙሽተ ግዜ ንዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ብራዚል፡ ካብ ምድባ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ኣላ።

እተን ካልኦት ሰለስተ ሃገራት’ውን ናይ ምሕላፍ ተኽእሎአን ገና ኣይቀሃመን ዘሎ።

ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ስዊዘርላንድ ምሕላፋ ከተረጋግጽ ግድን ንሰርብያ ክትስዕራ ኣለዋ፤ ካሜሮን ብብራዚል እንተተሳዒራ ግን ንስዊዘርላንድ ማዕረ ውጽኢት'ውን የሕልፋ’ዩ።

ሰርብያን ካሜሮንን ካብ ምድበን ክሓልፋ እንተዀይነን ግድን ክስዕራ ኣለወን፤ ካበኡ ናበኡ ኸኣ ካሜሮን ሓደ፡ ሰርብያ ከኣ ክልተ ጐል ዕዳ ስለዘለወን ካሜሮን ዝሓሸ ዕድል ኣለዋ።

ምድብ 8

ናይ ምድብ ሸሞንተ ነጥቢ ዘርኢ ሰሌዳ

ፖርቱጋል ልክዕ ከም ብራዚልን ፈረንሳን ገና ሓደ ጸወታ ተሪፍዋ እንከሎ’ያ ካብ ምድባ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ።

ቀዳሞት ኰይኖም ንኽውድኡ ከኣ ኣብቲ ምስ ደቡብ ኮርያ ዝገብርዎ ጸወታ ሓንቲ ነጥቢ ትኣኽሎም’ያ።

ጋና ንኡራጋይ እንተስዒራ ምሕላፋ ከተረጋግጽ እያ፤ ማዕረ እንተወጺኣ ግን፡ ደቡብ ኮርያ ንፖርቱጋል ብልዕሊ ክልተ ጸብለልታ ሸቶ ክሳብ ዘይሰዓረታ ጋና ክትሓልፍ ትኽእል እያ።

ጋና ስዒራ ፖርቱጋል እንተተሳዒራ ጸብለልታ ሸቶአን ተራእዩ ቀዳመይትን ካልኣይትን ኰይነን ክሓልፋ’የን።

ደቡብ ኮርያ ካብዚ ምድብ እዚ ክትሓልፍ እንተዀይና ንፖርቱጋል ክትስዕራ ኣለዋ፤ ጋናን ኡራጋይን ማዕረ እንተወጺአን ኸኣ ደቡብ ኮርያ ንኽትሓልፍ ንፖርቱጋል ብልዕሊ ክልተ ጸብለልታ ሸቶ ክትስዕራ ኣለዋ።

ኡራጋይን ደቡብ ኮርያን እንተስዒረን ጋና ተገሊፋ ካብ ክልቲኡን ዝሓሸ ጸብለልታ ወይ ዝወሓደ ዕዳ ሸቶ ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ክትሓልፍ’ያ።

ኡራጋይ ካብዚ ምድብ ክትሓልፍ እንተዀይና ንሳ ንጋና ስዒራ ፖርቱጋል ኸኣ ንደቡብ ኮርያ ክትስዕረላ ኣለዋ።

ሃገራት ካብ ምድበን ንኽሓልፋ ዝውሰድ ረቋሒታት

ሃገራት ድሕሪ ሰለስተ ናይ ምድብ ጸወታታት ማዕረ ነጥቢ እንተኣመዝጊበን፡ ብዘለወን ጸብለልታ ወይ ዕዳ ጎል’የን ዝፈላለያ፡ ዘርዚርና ንምርኣዩ ግን እዚ ዝስዕብ’ዩ

  • ዝተዋህለለ ነጥቢ
  • ፍልልይ ጎል
  • ዝተመዝገበ ጎላት
  • ክልተአን ሃገራት ኣብ ዝተራኸባሉ ዘመዝገባኦ ዓወት
  • በዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥብታት ክፈላላያ እንተዘይክኢለን ኣብ ሰለስቲኡ ጸወታታት ዝወሓደ ብጫን ቀይሕን ካርድ ዘለዋ ሃገር ትሓልፍ [ብጫ ካርድ 1 ነጥቢ፡ ብክልተ ብጫ ዝተረኸበ ቀይሕ ካርድ 3 ነጥቢ፡ ቀጥታ ቀይሕ ካርድ 4 ነጥቢ፡ ብጫ ካርድ ጸኒሕዎ ብቐጥታ ቀይሕ ዝወሃብ 5 ነጥቢ]፡ በዚ መሰረት ዝበዝሐ ነጥቢ ዘለዋ ሃገር ትግለፍ።
  • ካብዚ ሰጊሩ፡ እታ ጋንታ ዘመዝገበቶ ማዕረ ውጽኢት ከኣ ኣብ ግምት ይኣቱ።