ዋንጫ ዓለም 2022፡ ንምንታይ’ዩ ነዊሕ ተወሳኺ ግዜ ጸወታ ዝወሃብ ዘሎ?

ኣብ መንጐ ኢራንን እንግሊዝን ኣብ ዝነበረ መከሓሓሲ ዝባኸነ ግዜ ዝተወሰኸ 14 ደቒቕ ዘርኢ ሰሌዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጐ ኢራንን እንግሊዝን ኣብ ዝነበረ መከሓሓሲ ዝባኸነ ግዜ ዝተወሰኸ 14 ደቒቕ ዘርኢ ሰሌዳ

ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝጅመር ውሑዳት መዓልታት’ኳ እንተገበረ፡ ድሮ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ተርእዮ ከነስትብህል ጀሚርና ንህሉ ኢና።

ኣብ ምውዳእ ቀዳማይ እብረን ካልኣይ እብረን መከሓሓሲ ዝባኸነ ግዜ ተባሂሉ ዝወሃብ ተወሳኺ ግዜ ኣዝዩ ይነውሕ ኣሎ።

ኣብተን ቀዳሞት ዝተኻየዳ ሓሙሽተ ጸወታታት ጥራይ እንተርኢና ኣብ ኵሉ ግጥማት ዝተዋህበ ተወሳኺ ግዜ ብድምር 85 ደቓይቕ በጺሑ ኣሎ። እዚ ኸኣ ሓሙሽተ ደቒቕ ወሲኽካ ዳርጋ ሓደ ምሉእ ጸወታ ማለት’ዩ።

ኣብ መንጐ ኢራንን እንግሊዝን ዝተኻየደ ጸወታ ከም ኣብነት እንተወሲድና 117 ደቒቕን 16 ካልኢትን ወሲዱ።

ብዘይ ተወሳኺ ግዜ ሓደ ጸወታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እብረ 45 ደቓይቕ፣ ብሓፈሻ 90 ደቒቕ’ዩ።

ናይ ኢራንን እንግሊዝን ጸወታ ምስ እንርኢ፡ ሓላው ልዳት ኢራን ዓሊረዛ በይራንቫንድ ምስ ወዲ ጋንታኡ ብርእሱ ምስ ተጋጨወ፡ ንምሕካሙ ዝባኸነ ግዜ ንምትካእ፡ ብመሰረት ሕጊ ፊፋ ነቲ ንምሕካሙ ዝባኸነ ግዜ ተቘጺሩ ኣብ መወዳእታ ክከሓሓስ ይፍቐድ’ዩ።

ኣብ መንጎ’ቲ ትማሊ ብዘደንቕ ኣገባብ ብዓወት ስዑድ ዓረብ ዝተዛዘመ ግጥም ምስ ኣርጀንቲና’ውን እንተርኢና፡ ተጻወትቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ሸውዓተ ደቒቕ ኣብ ካልኣይ እብረ ኸኣ ኣስታት 14 ደቓይቕ’ዩ ተወሲኽዎም።

እቲ ምኽንያት ኣብ ሜዳ ዘጋጥም ማህረምቲ ተጻወትቲ፡ ዳያኑ ኣብ ቫር [ቪድዮ ኣሲስታንት ሪፈሪ] ንምርኣይ ዘባኽንዎ ግዜ፡ ተጻወትቲ ንምቅያር፡ ፍጹም ቅላዕ ንኽህረም፡ ቀይሕ ካርድ ኣብ ዝወሃበሉ እቲ ተጻወታይ ንኽወጽእ ዝወስዶ ግዜ፡ ትመርሕ ዘላ ጋንታ ግዜ ንምብኻን ኵዕሶ ሒዛ ተዕጠጥዮ፡ ነዚ ዅሉ ንምክሕሓስ’ዩ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን እብረ ተወሳኺ ግዜ ዝወሃብ።

Skip X post, 1
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 1

Skip X post, 2
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 2

ኣቦ ወንበር ኮሜተ ዳያኑ ፊፋ ፔርሉጂ ኮሊና፡ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ራብዓይ ዳኛ ነቲ ኣብ መንጐ ጸወታ ዝባኽን ግዜ እናተኸታተለ ግዚኡ መዝጊቡ ንማእከላይ ዳኛ ከምዝሕበር ይግበር ከምዘሎ ይገልጽ። እዚ ኣገባብ እዚ ኣብ 2018 ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ተፈቲኑ ምንባሩ’ውን ኮሊና ይሕብር።

ኮሊና ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣብ ሩስያ፡ ዝባኸነ ግዜ ኣብ ምክሕሓስ ዝያዳ ጥንቁቓት ንምዃነ ንነፍሲ ወከፍ ካልኢት ክንጽብጽባ ምስ ጀመርና ኢኹም ሽዱሽተ ሸውዓት ሸሞንት ደቂቕ ተወሳኺ ግዜ ክወሃብ ርኢኹም” ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ካብዚ ተበጊስኩም ቅድሚ ዕረፍቲ ሰለስተ ሸቶታት እንተ ተመዝጊቡ፡ ተጻወትቲ ሓጐሶም ንምጽንባል ኣርባዕተ ሓሙሽተ ደቓይቕ ከባኽኑ ክትርእይዎም ኢኹም” ብምባል እዚ ደቓይቕ እዚ ተጸብጺቡ ይከሓሓስ ከምዘሎ ኮሊና ኣብሪሁ።

ካብዚ ዝነቐለ ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ምስ ተወሳኺ ግዜ ተተሓሒዙ ብዙሕ ክብረ ወሰን ይምዝገብ ኣሎ።

ብመሰረት ካብ ኦፕታ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም፡ ብዛዕባ ዋንጫ ዓለም ንኽብረ ወሰን ዝምልከት ካብ 1966 ጀሚሩ ጸብጻባት ክምዝገብ ካብ ዝጅምር፡ ኣብ ሰኑይን ሰሉስን ጥራይ ሓሙሽተ ፍርቂ እብረ ዝብዝሓ መከሓሓሲ ዝባኸነ ግዜ ዝተውሃበለን ጸወታታት ተባሂለን ክብረ ወሰን ሒዘን ኣለዋ።

  • እንግሊዝ ኣንጻር ኢራን ቀዳማይ እብረ ጸወታ [13 ደቒቕን 59 ካልኢትን ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡ]
  • ኣርጀንቲና ኣንጻር ስዑድያ ካልኣይ እብረ ጸወታ [13 ደቒቕን 53 ካልኢትን ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡ]
  • እንግሊዝ ኣንጻር ኢራን ካልኣይ እብረ ጸወታ [13 ደቒቕን 5 ካልኢትን ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡ]
  • ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንጻር ዌልስ ካልኣይ እብረ ጸወታ [10 ደቒቕን 32 ካልኢትን ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡ]
  • ሰኔጋል ኣንጻር ሆላንድ ካልኣይ እብረ ጸወታ [10 ደቒቕን 3 ካልኢትን ተወሳኺ ግዜ ተዋሂቡ]

እቲ ዘገርም ነገር ከኣ ኣብ ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ተወሳኺ ግዜ ሸቶ ክምዝገብ ምኽኣሉ’ዩ።

ኢራናዊ መሕዲ ታራሚ ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ ብፍጹም ቅላዕ ዘመዝገባ ሸቶ ኣብ መበል 102 ደቒቕን 30 ካልኢትን እያ ተመዝጊባ፡ በዚ መሰረት ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም [90 ደቒቕ ምስ ተዛዘመ ማዕረ ንዝወጽኣ ጋንታታት መፈላላዪ ተባሂሉ ዝወሃብ 30 ደቂቕ ከይሓወስና] እታ ደንጕያ ዝተመዝገበት ሸቶ ተባሂላ ክብረ ወሰን ሒዛ ኣላ።

ንናይ መሕዲ ታራሚ ተኸቲላ ክብረ ወሰን ዝሓዘት ሸቶ፡ ኣጥቃዓይ ሆላንድ ዳቪ ክላሰንን ኣብ ልዕሊ ሰኔጋል ኣብ መበል 98 ደቒቕን 17 ካልኢትን ዘመዝገባ ሸቶ እያ።

በዚ ዀይኑ በቲ እዚ ፊፋ ኣብ ቐጠር ጸቒጡ ክሰርሓሉ ጀሚሩ ዘሎ ደቂቕ ምጽብጻብ ዝባኸነ ግዜ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኣዘራራቢ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ገለ ንኣሰራርሓ ፊፋ ከድንቝ እንከለዉ፡ ገለ ኸኣ ጸወታ ኵዕሶ እግሪ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ግዜ ይወስድ ስለዘሎ፡ መቐረቱ ይጐድለና ኣሎ ዝብሉ ኣለዉ።

በሉ እቶም ኣብ ሜዳ ኣቲኹም ጸወታ ኣብ ምውድኡ ቀልጢፍኩም ናይ ምውጻእ ልምዲ ዘለኩም፡ ጸወታ ተወዲኡ እናተባህለ ግዜ ተወሲኹ ብዙሕ ቅያታት’ዩ ዝፍጸም ዘሎ’ሞ፡ ናይ መወዳእታ ፊስካ ከይተነፍሐት ካብ መንበርኩም ኣይትተስኡ ዝብል ምኽሪ ይልገሰልኩም ኣሎ።

Skip X post, 3
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 3

Skip X post, 4
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 4

Skip X post, 5
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post, 5