ዋንጫ ዓለም 2022፡ መን ክትዕወት ትኽእል ኣብ ዝብል ክኢላታት ዝሃብዎ ግምት

ካብ 13 ተንተንቲ ስፖርት እቶም ሸውዓት ብራዚል ክትዕወት ግምቶም ሂቦም ኣለዉ
መግለጺ ስእሊ, ካብ 13 ተንተንቲ ስፖርት እቶም ሸውዓት ብራዚል ክትዕወት ግምቶም ሂቦም ኣለዉ

ዋንጫ ዓለም ጽባሕ ሰንበት 20 ሕዳር ኣብ ቐጠር ስታድዮም ኣል ባያት ጀሚሩ 18 ታሕሳስ ኣብ ስታድዮም ዶሓ ክዛዘም’ዩ።

32 ሃገራት ኣብ 28 መዓልታት 64 ጸወታታት ብምክያድ ዛንተአን ኣብ ዋንጫ ዓለም ንምድማቕ ንሓንቲ ዋንጫ ንምውሳድ ክፋጠጣ እየን።

እታ ኣብ 2018 ነዚ ውድድር ኣብ ሩስያ ዝተዓወተትሉ ፈረንሳን፡ ሓሙሽተ ግዜ ንዋንጫ ዓለም ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዛ ዘላ ብራዚልን ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክብረን ክብሪ ንምውሳኽ ዳንገአን ስሒለን’የን ናብዚ ውድድር ክኣትዋ።

ነዚ ውድድር መን ክትዕወተሉ ትኽእል ኣብ ዝብል ዓበይቲ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ዝሃብዎ ግምታት ከነቕርበልኩም።

ንዋንጫ ዓለም 2022 መን’ያ ክትዕወተሉ?

ኣላን ሽረር፡  ኣርጀንቲና ክትዕወተሉ እያ። ልዮነል ሜሲ ነዛ ዋንጫ እዚኣ ብምዕዋት ታሪኹ ዘድምቐሉ ዕድል’ዩ። እዚ ውድድር እዚ ነቲ ሸውዓት ግዜ ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለም ዝተብሃለሉ ዝያዳ ዘድምቕ ኮይኑ ነዛ ዋንጫ እዚኣ ብምውሳድ ታሪኹ ብቕሔ ጽልሚ ክዛዝሞ’ዩ።

ኣርጀንቲናውያን ንሜሲ ምስ ድያጎ ማራዶና ከወዳድርዎ እንከለዉ ዋንጫ ዓለም ብዘይምውሳዱ ጥራይ ሚዛኖም ናብ ማራዶና’ዩ ዝዛዙ።

ኣርጀንቲና ንኹሎም ዘለውዋ ተጻወትቲ ኣብ ግምት ብምእታው ብልዮነል ሜሲ እናተቐለሰት ነዛ ዋንጫ ክትወስዳ’ያ።

ሚካህ ሪቻርድ፡  ኣነ ብራዚል’የ ዝብል። ብዙሕ ሰብ ነታ ብሜሲ ትምራሕ ኣርጀንቲና ከምዝብል ግርም’ዩ ዝብለኒ። እዚ ዓመት ነይማር ዝደምቐሉ ዓመት’ዩ። ነይማር ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለመ ሸሞንተ ሸቶታት ከምዝግብ ክኢሉ ኣሎ ኣብ ፒኤስጂ ኮይኑ ዘርእዮ ዘሎ ብቕዓት’ውን እጹብ ድንቒ’ዩ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብኡ ከምእትምርኮስ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ እሱ ኸኣ ነዚ ደቂ ሃገሩ ካብኡ ዝጽበይዎ ኣብ ምምላእ ዝጎድሎ ነገር የለን። በዚ ኢልካ በቲ ኮኾብ እዚ ውድድር ኮይኑ ክወጽእ’ዩ።

ክሪስ ስቶን፡ ፈረንሳ፡ ፈረንሳ ከምእንፈልጦ ብዘይጥርጥር በቲ ዕዉት ባሎንዲኦር ካሪም በንዚማ፣ ካይልያን ምባኦን ኦስማነ ደምበለን ዝምራሕ ኣዝዩ ውሁድ ናይ ምጥቓዕ ብቕዓት ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ’ያ፡ ካብዞም ሰለስተ ሓደ ኣጥቃዓይ እንተቦኲሩ’ውን ኣንቶኒ ግሬዝማን ኣለዋ።

ኣብ ማእከል ሜዳ ካብ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ዝተሃረሙ ከምዘለውዋ ዝክሓድ ኣይኮነን እንተኾነ ኣርሊን ቶቸማኒን ኢድዋርዶ ካማቪጋን ስለዘለዉ ስኽፍ ዘብል ኣይኮነን።

ዋላ ሳይንስ ኣይንበሎ ፈረንሳ ኣብ ዋንጫ ዓለም ዋላ ኣብ ዝተሓተ ብቕዓት እንከለዉ’ዮም በትን በትን ኢሎም ናብ መወዳእታ ዝበጽሑ፤ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ሩስያ ዝተጎናጸፍዎ ዓወት ሎሚ ክደግምዎ ኸኣ ዝሕዞም ኣይክህሉን’ዩ።

ኣሌክስ ስኮት፡ ብራዚል፡ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ብምኩራት ተጻወትትን ብተካእቲ መንእሰያትን ዝተተኽተኸት’ያ። ከም ቪንሰንት ዝኣመሰሉ ድሙቕ ዓወታት ዝሓፈሱ መንእሰያትን ከም ነይማር ዝኣመሰለ ምኩር ተጻዋታይን ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ’ያ።

ብዙሕ ግዜ ሃገራውያን ጋንታታት ቅድሚ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ብጥርኑፍ ብዙሕ ልምምድ ስለዘየካይዳ፡ ብቕዓት እተን ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ውልቀ ብቕዓት ተጻወትተን ከምዝምርኮስ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ስለዝርኣናዮ፡ እዞም ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ዘለዉ ተጻወትቲ ዘለዎም ብቕዓት ኣብ ግምታ ብምእታው ብራዚል ክትዕወት’ያ እብል።

ኣሽሊ ዊልያምስ፡ ብክልተ ነገራት’የ ብራዚል ክብል እቲ ሓደ ዕሉል ደጋፊ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ስለዝኾንኩ፡ እቲ ካልኣይ ኸኣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ዘለዋ ንዝኾነ ናይ ምክልኻል መስመር በሲዑ ክሓልፍ ዝኽእል መስመር ምጥቓዕ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ከዐውታ ዝኽእል እዩ።

ፋራ ዊልያምስ፡  መንፈሰይ ብራዚል’ያ ክትዕወት’ዩ ዝብለኒ፡ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ዘተኣማምን መስመር መጥቓዕቲ ስለዘለዎምን እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኩሉ ቦታታት ምልኣት ስለዘለዋን’ዩ።

እንተኾነ ልበይ እንግሊዝን ብራዚልን ናብ ፍጻመ በጺሐን እንግሊዝ ነዛ ዋንጫ ሒዛትልና ክትመጽእ’ያ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ጀረሚን ጀናስ፡ ምዕዋት ኣብ ዘለካ ናይ ምጥቃዕ ክእለት ዝያዳ ከምዝምርኮስ ኩልና ንስሕቶ ኣይኮነን፡ ኣርጀንቲና ኣብ 2021 ኣብ ኮፓ ኣመሪካ ንብራዚል ብምስዓር ነታ ዋንጫ ተዓዊቶሙላ’ዮም፤ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዘዐወቶም ሜላ ገና ምስ ላህመቱ ስለዘሎ ነቲ ሜላ ሒዞም፡ ነታ ኣብ ቐጠር’ውን መቐናቕንቶም ክትከውን ትኽእል ብራዚል ብምስዓር ታሪኽ ክሰርሑ’ዮም።

ታሪኽ ሜሲ’ውን ንእግረ መንገዱ ኣብ ዓንዲ ወርቒ ይጽሓፍ። 

ካረን ባርድስለይ፡ ብታሪኽ ክንርእዮ እንከለና፡ እታ ዝወሓደ ሸቶ ዝተመዝገባ’ያ ኣብ ዋንጫ ዓለም ትዕወት፡ ካብዚ ብምብጋስ መን’ያ ዝሓየለ መስመር ምክልኻል ዘለዋ ሃገራዊት ጋንታ ምፍታሽ ዝቐለለ’ዩ፡ ኣብዚ ካብ ምክልኻል ዝሓለፈት ኵዕሶ ኣብ ምምካን ተራ ሓላዊ ልዳት ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብራዚልን ኣርጀንቲናን ኣብ ቅድሚት ይስርዓ። ካብ ኣርጀንቲና ኸኣ ብራዚል ኣብ ኩሉ ዝደልደለት ስለዝኾነት ብራዚል ክትዕት’ያ እብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ርዮ ፈርዲናንድ፡ ንውህደት ጋንታን ውልቀ ብቕዓትን ኣብ ግምት ብምእታው ዓይነይ ከይሓሰኹ ብራዚል ይብል። ብራዚል ንጸወታ ናይ ረብሐኦም ኣብ ምቕያር ፍሉይ ክእለት’ዩ ዘለዎም።

ሮብ ግሪን፡  ብራዚል ኣብ ምሉእ ሜዳ ኣዝዮም ብቑዓት ዝኾኑ ተጻወትቲ’ያ ሓቊፋ ዘላ። እቲ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ዘለዎም ክብረ ወሰን’ውን ንዓወት ደራኺ’ዩ።

ጋቢ ሎጋን፡ ብቕዓት ልዮነል ሜሲ ዋንጫ ንምውሳድ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ የግዳስ ሓደ ብጥቅሉሉ ክዛረበሉ ዝኽእል እዛ ዋንጫ ናብ ደቡብ ኣሜሪካ’ያ ክትከይድ፡ ካብኡ ናብኡ ኸኣ እቶም ብጫ ማልያ ለቢሶም [ብራዚል] ንዋንጫ ዓለም ወትሩ ድምቐትን መቐረትን ዝህብዎ ደቡብ ኣሜሪካውያን ከምልማዶም ነዛ ዋንጫ ናብ ዓዶም ክወስድዋ’ዮም።

ዳኒ ሞርፊ፡ እዛ ዋንጫ ካብ ብራዚልን ካብ ኣርጀንቲናን ከምዘይትሓልፍ’ዩ ዝርድኣኒ፡ ክልቲኤን ሃገራውያን ጋንታታት ሒዘንኦም ዘለዋ ተጻወትቲ ዝልከፉ ኣይኮኑን። ኣርጀንቲና ኸኣ በቲ ድንቒ ተጻዋታይ ናይዛ ዓለም [ልዮነል ሜሲ] እናተመርሐት ነዛ ዋንጫ ክትወስዳ’ያ እብል።

ዳኒ ጋቢዶን፡ ፈረንሳ ኣብዚ እዋን እንተርኢናያ፡ ኣብ ኩሉ ክፋል ሜዳ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ምጥቃዕ ሓዊ ሓዊ ዝጨንዉ ተጻወትቲ’ያ ሒዛ ዘላ።

እታ ሓንቲ ንኣሰልጣኒ ዲደር ደስቻምፕ ከተሸግሮ ትኽእል ነጥቢ፡ ነዞም ኩሎም ከዋኽብቲ ሒዝካ እንታይ ዓይነት ሜላ ኣጸዋውታ ትጻወትን ንመን ተሰልፍን ዝብል’ዩ ክኸውን፡ ምኽንያቱ ኩሎም ኣብ ጥርዚ ብቕዓት’ዮም ዝርከቡ።

ጁርገን ክሊንስማን፡ ኣብ ኣርጀንቲና እቲ ቀንዲ ቀላሲ ልዮነል ሜሲ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ወዲ 35 ዓመት ተጻዋታይ ንዋንጫ ዓለም ክዕወተላ እታ እንኮ ዕድሉ ሕጂ ከምዝኾነት ንሱ’ውን ዝስሕቶ ኣይመስለንን፡ ነዛ ዋንጫ ንምውሳድ ኸኣ ኩሉ ዝክኣሎም ክገብሩ’ዮም።

ብራዚል እንተርኢና ግን ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ዘይትምርኮስ ጋንታ’ዮም ሃኒጾም ዘለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝርኣናያ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ኸኣ ነታ ዋንጫ ክትዕወተላ ከምእትክእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ኣነ ብራዚል ክትወስዳ’ያ እብል።

ጽማቝ ግምት 13 ዓበይቲ ተንተንቲ ስፖርት

ብራዚል [ሸውዓት]፡ ሚካህ ሪቻርድ፡ ኣሌክስ ስኮት፡ ኣሽሊ ዊልያምስ፡ ጋቢ ሎጋን፡ ጁርገን ክሊንስማን፡ ርዮ ፈርዲናንድ፡ ካረን ባርድስለይ፡ ማትዮው ኦፕሰን፡ ሮብ ግሪንን ሮቢ ግሪንን።

ኣርጀንቲና [ሰለስተ]፡ ኣለን ሺረር፡ ጅረምያ ጆናስን ዳኒ ሙርፊን።

ፈረንሳ [ክልተ]፡ ክሪስ ሱቶንን ዳኒ ጋቢዶንን።

እንግሊዝ [ሓደ] ፡ ፋራ ዊልያምስ።