ፕረዚደንት ላይቤርያ ዋንጫ ዓለም ክከታተል ናብ ቐጠር ዝሓሰቦ መገሻ ቁጠዐ ፈጢሩ

ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላይበርያውያን ነቲ ፕረዚደንት ሃገሮም ጆርጅ ዊሃ ዋንጫ ዓለም ንምክትታል ናብ ቐጠር ክገብሮ ዝሓሰቦ መገሻ ብቑጥዐ ይነቕፍዎ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊሃ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ንምክትታል ኣብ ቀጠር ን9 መዓልታት ክጸንሕ መደብ ከም ዘለዎ ንኣባላት ሰነት ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ፕረዚደንት፡ ዝሓለፈ ሰሙን እውን ንብዙሕ ናይ ወጻኢ መገሻታት ካብታ ሃገር ወጺኡ'ኳ እንተነበረ፡ ኵሉ መደባቱ ግን ኣይተገልጸን።

ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎ ወዱ ጢሞቴዎስ ኣብቲ ካብ 20 ሕዳር 2022 ዝጅምር ግጥማት ዋንጫ ዓለም ንሃገራዊት ጋንታ ኣሜሪካ ብምውካል ክሳተፍ እዩ።

ኣቦኡ ጆርጅ ዊሃ ምስ ኤሲ ሚላንን ቸልሲን ካልኦት ብሉጻት ጋንታታት ኤውሮጳ ከም ዝተጻወተ ይፍለጥ።

እዚ ወዲ 56 ዓመት ተጻዋቲ ኩዕሶ ነበር ኣብ 2017'ዩ ፕረዚደንት ላይበርያ ኰይኑ ተመሪጹ።

ኣብዚ እዋን፡ እቲ ፕረዚደንት ወዱ ዝሳተፈሉ ዋንጫ ዓለም ንምክትታትል ንመዓልታት ዝፀንሕ መደባት መገሻ ወግዓዊ ምግባሩ ንብዙሓት ላይበርያውያን ኣቘጢዕዎም ኣሎ።

ገሊኦም ዜጋታት እታ ሃገር ናብ ቀጥታዊ ፈነወ ራድዮ እናኣተዉ ከምኡ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንውሳነ መራሒኦም ብቑጠዐ ኣብ ምንቃፍ ይርከቡ።

ኣብታ ሃገር ብዙሓት ሰባት ብቕልውላው መግቢ ኣብ ጸገም ኣብ ዝወደቑሉ እዋን፡ ከምኡ’ውን እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሻድሻይ ግዜ ዘናውሖ ኣዝዩ ዝተደናጐየ ቈጸራ ህዝቢ መዓስ ከም ዝካየድ ከይተነጸረ፡ ዋንጫ ዓለም ክርኢ ኢሉ ናብ ቐጠር ክገይሽ ምውሳኑ'ዩ ንዜጋታት እታ ሃገር ኣቘጢዕዎም ዘሎ።

ኣባላት ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ጆርጅ ዊሃ፡ ብዛዕባ ወጻኢታት ናይቲ ጕዕዞ ንዝቐረበሎም ሕቶታት'ኳ መልሲ እንተዘይሃቡ ንነቐፍቱ ግን ግብረ-መልሲ ሂቦም ኣለዉ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብሮ ምብጻሕ ንሃገር "ዓቢ ረብሓ'ዩ" ክብሉ ገሊጾም።