ኣርባዕተ ሃገራት ላቲን፡ ዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ከአንግዳ ሓቲተን

ወከልቲ ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ኢራጓይን ፓራጓይን ምስ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ እቲ ኣህጉር ኮይኖም መግልጺ እናሃቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ወከልቲ ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ኡራጓይን ፓራጓይን ምስ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ እታ ኣህጕር ኰይኖም መግልጺ እናሃቡ

ሃገራት ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ኢራጓይን ፓራጓይን ንዋንጫ ዓለም 2030 ብሓባር ኰይነን ከአንግዳ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪበን።

ዋንጫ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1930 ኣብ ዝተጀመረሉ ኣብ ኡራጓይ’ዩ ተኻይዱ ነይሩ። እቲ ኣብ 2030 መበል 100 ዓመቱ ዘቝጽር ዋንጫ ዓለም ኣብቲ ዝተጀመረሉ ኣህጕር ንኸምጽኣኦ ብምሕላን እየን እዘን ሃገራት ሓባራዊ ሕቶ ኣቕሪበን ዘለዋ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣሌሃንድሮ ዶሙኒገዝ “እዚ ሕልሚ ናይዛ ኣህጕርና’ዩ” ኢሉ።

ብኻልእ ወገን፡ ስጳኛን ፖርቱጋልን’ውን ንዋንጫ ኣለም 2030 ብሓባር ኰይነ ከአንግዳኦ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪበን ኣለዋ።

ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኡራጓይ ኣብ 1930 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፡ ኣአንጋዲት ሃገር ኡራጓይ ኣብ ስታድዮም መንተቪድዮ ሰንትናርዮ ንዝተኻየደ ናይ ዋንጫ ጸወታ፡ ንኣርጀንቲን ብምስዓር ቀዳመይቲ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ኣሌሃንድሮ ዶሙኒገዝ፡ ዋንጫ ዓለም 2030 ናይ ምእንጋድ ሕቶ እዘን ሃገራት ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግልጺ ዝሃበ፡ ኣብቲ ኣብ 1930 መዛዘሚ ዋንጫ ዓለም ዘአንገደ ታሪኻዊ ስታድዮም መንተቪድዮ ኰይኑ እዩ።

ንሱ “ብሕጂ ዋንጫ ዓለም ብዙሕ ግዜ ክካየድ’ዩ፡ እንተዀነ ዋንጫ ዓለም መበል 100 ዓመቱ ሓንሳብ ጥራይ’ዩ ክጽንብል፡ እዚ ኸኣ ኣብቲ ቤቱ፡ ኣብቲ ዝፈለመሉ ኣህጕር’ዩ ክኸውን ዘለዎ፡” ኢሉ።

ካብተን ን2030 ዋንጫ ዓለም ብሓባር ኰይነን ከአንግዳ ሕቶ ኣቕሪበን ዘለዋ ሃገራት፡ ቺለ ኣብ 1962፡ ኣርጀንቲና ኸኣ ኣብ 1978 ንዋንጫ ዓለም ኣአንጊደን ምንባረን ዝዝከር’ዩ።

ፕረዚደንት ፈደረሽን ኵዕሶ እግሪ ኡራጓይ ኢናቾ ኣሎንሶ “ዋንጫ ዓለም ኣብቲ ቅድሚ 100 ዓመት ዝጀመረሉ ዳግማይ ክካየድን መበል 100 ዓመቱ ክጽንብልን ኣዝዩ ቅኑዕን ግቡእን’ዩ” ኢሉ።

ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ 21 ሕዳር ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ቐጠር ክካየድ እዩ፤ እተን ኣብቲ ውድድር ዝሳተፋ 32 ሃገራት’ውን ድሮ ምድባተን ፈሊጠን ኣለዋ።

ኣብ 2026 ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ሃገራት ካናዳ፡ ሜክሲኮን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪን ብሓባር ኰይነን ከአንግድኦ’የን።

ፊፋ ነቲ ብዝተፈላለያ ሃገራት ንዋንጫ ዓለም 2030 ንምእንጋድ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ፡ ኣብ 2024’ዩ ውሳነ ክህበሉ።

ፊፋ፡ ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ኡራጓይን ፓራጓይን ብሓባር ዋንጨ ዓለም ንኸአንግዳ ዘቕረባኦ ሕቶ እንተተቐቢልዎ፡ ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም፡ ኣርባዕተ ሃገራት ብሓባር ንዋንጫ ዓለም ከአንግዳ ናይ መጀመርታ ክኸውን'ዩ።

ዋንጫ ዓለም ኣብ 2002 ሃገራት ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ብሓባር ከአንግዳኦ እንከለዋ ኣብ ታሪኹ ኣብ ክልተ ሃገራት ክእንገድ ንመጀመርታ ግዜ ምንባሩ ይዝከር።