ዋንጫ ዓለም 2022፡ ካብቲ ዘይጽቡይ ዘሰንብድ ውጽኢታት እንታይ ተዓዚብና?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ናይ ምድብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ክብረወሰን ዝሓዘ ዘሰንብድን ትጽቢት ዘይተነብሮን ውጽኢታት ተመዝጊቡ እዩ።
እዚ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ዘሰንብድ ውጽኢት ዝተራእየሉ ናይ ምድብ ጸወታ ዋንጫ ዓለም ከመይ ከምዝቐጽል ኣተንቢሁ ተዛዚሙ ኣሎ።
ኣብ ኵለን ምድባት ዘገርምን ብሉጽ ብቕዓትን ተራእዩ እዩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ተጻወትቲ ናብ ብቕዓቶም ብምምጽኦም ድማ እቲ ኣውዲቕካ ምሕላፍ መሳጢ ምዕራፍ ክኸውን የኽእሎ።
ስለዚ፡ ኣብቲ መኽፈቲ ክፋል ናይዚ ውድድር ዝተራእዩ ቀንዲ ፍጻመታት እንታይ ነይሮም?
ካብቲ ዘሰንብድ ውጽኢት ሓራ ዝዀነት ጋንታ የላን
ካብ ንዋንጫ ዓለም 2022 ክዕወታ ግምት ዝተዋህበን ሃገራት ብዘይካ ቤልጅየምን ጀርመንን መብዛሕትአን ካብቲ ውድድር ካብ ምግላፍ ኣምሊጠን ክዀና ይኽእላ እየን፣ እንተዀነ ቀሊል ጕዕዞ ኣይነበረን።
እቲ ናይ መጀመርታ ዘሰንብድ ውጽኢት ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተመዝጊቡ። እታ ብኵዕሶ እግሪ ኣብ ዓለም መበል 51 ደረጃ ዝሓዘት ስዑዲ ዓረብ ንኣርጀንቲና ኣሰንቢዳ እያ።
ኣብዚ መዳይ፡ ጃፓን እውን ኣይተበለጸትን፤ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ዋላ’ኳ ብኣጋኡ ብፍጹም ቅላዕ እንተተመርሐት፡ ንጀርመን ስዒራታ እያ። ኣብ መወዳእታ ናይ ምድብ ጸወታ’ውን ኣንጻር ስጳኛ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ንኻልኣይ ግዜ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ብምስዓር ንምድባ ክትመርሕ ክኢላ።
ኣብ መወዳእታ ምድብ 5 ዝተጋህደሉ ግን፡ እቲ ዝዓበየ ዘገርም ውጽኢት ኮስታሪካ ኣብ ካልኣይ ጸወታኣ ንጃፓን ምርታዓ እዩ።
ቤልጅየም ክትሃስስ ዝረኣና’ውን ይመስል። ብርግጽ እቲ ጽንኩር ዝነበረ ዳሕረዋይ መስመሮም ብብቕዓት ሞሮኮ ተቓሊዑ፤ ኣብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ጋንታ ሮበርቶ ማርቲነዝ ድማ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈረንሳን ብራዚልን ከይተረፋ ካብ ዘገርም ውጽኢት ነጻ ኣይነበራን። ፈረንሳ ብቱኒዝያ 1 ብ 0 ዝተሰዓረት፡ ዲድየር ደሻምፕስ ኣብ ኣሰላልፋኡ 9 ለውጢ ድሕሪ ምግባሩ ክኸውን ይኽእል'ዩ። እንተዀነ ኣብ ዕጥቂ ናይዛ ሻምፕዮን ዓለም ገለ ሃጓፋት ከምዘሎ ኣቃሊዑ እዩ። ብራዚል እውን ከምኡ፡ ብካሜሩን 1 ብ 0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም 9 ለውጥታት እያ ገይራ።
ኣብ መወዳእታ ካብ ሽዱሽተ ኣህጉራት ዝመጻ ሃገራት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ በጺሐን።
ብመሰረት ትንታነ ኒልሰን ግራሴኖት፡ ካሜሩን ኣብ ልዕሊ ብራዚል ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ውድድር መበል 12 ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት ኰይኑ ኣሎ። [ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት፡ ናይታ ተዓወቲት ጋንታ ዕድል ዓወት ካብ 16.7 ሚእታዊ ክሳብ 33.3 ሚእታዊት ኣብ ዝነበረሉ ክኸውን እንከሎ ዘሰንብድ ውጽኢት ድማ ትሕቲ 16.7 ሚእታዊት ኣብ ዝነበረሉ ጸወታ እዩ።]
ስለዚ ዋንጫ ዓለም 2022 ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተገብሩ 32 ጋንታታት ዝሓቘፉ ውድድራት ንላዕሊ ኣብ ምድብ ጸወታ እቲ ዝበዝሐ ትጽቢት ዘይተገብረሉን ዘሰንብድን ውጽኢት ዝተመዝገበሉ እዩ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ክብረወሰን 9 ኰይኑ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2002ን ከምኡ’ውን 2010ን ዝተመዝገበ እዩ።
ኣርጀንቲና ብስዑዲ ዓረብ [8.7 ሚእታዊት ግምት ዝተወሃባ] ምስተሰዓረት እቲ እንኮ ዘሰንብድ ውጽኢት መሲሉ’ኳ እንተነበረ፡ ብዓርቢ ካሜሩን (5.9 ሚእታዊት ግምት ዝተወሃባ) ኣንጻር ብራዚል ዝረኸበቶ ዓወት ተወሲኽዎ'ሎ። ዋላ’ኳ ብራዚል ድሮ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣትያን 10 ለውጥታት ገይራ እንተነበረትን እቲ ውጽኢት ግን ዘሰንብድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ውሩያት ሕጂ’ውን ይጻወቱ ኣለዉ...
ኣብዚ ዋንጫ ዓለም ብዛዕባ እቶም ብሉጻት ከዋኽብቲ ሕቶታት ተላዒሎም ነይሮም። ሕጂ'ውን ምስ ብቕዓቶም ድዮም? ኣብ በረኻ ኸ ክጻወቱ ይኽእሉ’ዶ?
መብዛሕትኦም ዝሃብዎ መልሲ ዘየማትእ እወ ኰይኑ’ዩ ጸኒሑ።
ድሕሪ ተስፋ ዘቝርጽ ኣጀማምራ፡ ሊዮነል መሲ ኣንጻር ሜክሲኮ ኣገዳሲት ፈላመይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ኣርጀንቲና ኣብ ምድብ 3 ክትደምቕ ገይሩ እዩ። ድሕሪኡ፡ ዋላ'ኳ ፍጹም ቅላዕ እንተሰሓተ ኣንጻር ፖላንድ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንታኡ ናብ ዙር 16 ክትሓልፍ ኣኽኢልዋ እዩ።
ንነዊሕ እዋን መነሓንሕቱ ኰይኑ ዝጸንሐ ክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ክለቡ [ማን ዩናይትድ] ጸገማት ኣጋጢምዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ ንፖርቱጋል ክሳብ ክንደይ ብቕዓት ከምዘለዎ ከርእያ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ወዲ 37 ዓመት ተጻዋታይ ንኽዕወት ኵሉ ክእለቱ ከርኢ ድሕሪ ምጽናሕ ኣንጻር ጋና ፍጹም ቅላዕ ብምምዝጋብ ኣብ 5 ዋንጫታት ዓለም ሽቶ ዘመዝገበ ፈላማይ ተጻዋታይ ኰይኑ። ብድሕሪኡ ኣንጻር ዩራጋይ ፈላመይቲ ሽቶ ብምምዝጋብ ሓጐሱ ጸንቢሉ።
ሮበርት ለዋንዶውስኪ ከይተረፈ ናብቲ ሰልፊ ተጸንቢሩ ኣሎ። ፖላንድ ብዙሕ መሳጢት ኣይኮነትን፣ ቀንዲ ተጻዋታያ ግን ኣብ ዋንጫ ዓለም ፈላመይቲ ሽቶኡ ብምምዝጋብ፡ ድሕሪ 1986 ንፈለማ እዋን ሃገሩ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክትበጽሕ ኣኽኢልዋ።
... እንተዀነ ቀጻሊ ወለዶ’ውን ይቕልቀል ኣሎ
ብዛዕባ ኪልያን ምባፐ ብዙሕ ተጻሒፉን ተባሂሉን'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ግን ዘየሐጕስ ኣይኰነን። ኣብ ምድብ ጸወታታት ልዑል ብቕዓትን ሰለስተ ሸቶታትን ብምምዝጋብ ጋንታኡ ቀዳመይቲ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝበጽሐት ክትከውን ኣኽኢሉዋ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንእሰያት ስጳኛ’ውን ኣብ ገለ እዋናት ከሐጕሱ ጸኒሖም’ዮም። ኣብ መኽፈቲ ጸወታኣ ንኮስታሪካ 7ብ0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም፡ ወዲ 17 ዓመት ጋቪ፡ ድሕሪ’ቲ ህቡብ ብራዚል ፔለ እቲ ዝነኣሰ ኣመዝጋቢ ሸቶ ዋንጫ ዓለም ኰይኑ ኣሎ።
ወዲ 23 ዓመት ሆላንዳዊ ኮዲ ጋክፖድሮ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ኣዝዮም ተጠለብቲ ዝዀኑ ኣጥቃዕቲ ኰይኑ'ሎ። ኮዲ፡ ካብ 2002 ጀሚሩ ኣብ ሰለስቲኡ ጸወታታት ምድብ፡ ሸቶ ዘመዝገበ ፈላማይ ኣውሮጳዊ ተጻዋታይ ብምዃን ዋጋኡ ዘበርኸሉ ተኽእሎ ኣሎ።
ካናዳዊ ኣልፎንሶ ዳቪስ፡ ጋናዊ መሓመድ ቅዱስን እንግሊዛውያን ፊል ፎደንን ቡካዮ ሳካን ዘርአይዎ ክእለት፡ ኣብቲ ዝዓበየ መድረኽ ውድድር ንምጽዋት ዘለዎም ብቕዓት ኣጕሊሑ።
ከምኡ'ውን ካልእ ተጻዋታይ እንግሊዝ ጁድ በሊንግሃም ሳላ ሸቶን ኣንጻር ኢራን ዘርኣዮ ኵሉ መዳያዊ ኣጸዋውታኡን ሃገሩ ኣብ ቅድሚት ምድብ 2 ክትስራዕ ሓጊዙዋ’ዩ።
ክሳብ ሕጂ ዘሎ ግምት ብራዚል ከምትዕወት’ዩ
እታ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዓለም እትርከብ ጋንታ ንኣውሮጳውያን መጋጥምታ ሰርብያን ስዊዘርላንድን ረቲዓ፡ ኣዝያ ዝተቐየረት ጋንታ ብካሜሩን ኣብ ዝተሳዕረትሉ እዋን ድማ ድሮ ዙር 16 ሓሊፋ ነይራ።
ተንታኒ ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ክሪስ ሱተን፡ ኣብ ልዕሊ ሰርብያ 2ብ0 ዘመዝገበቶ ዓወት "ናይ ብሓቂ ሓይሊ ዘርኣየ" ክብል ገሊጽዎ፤ ሪቻርልሰን ዘመዝገባ መስተንክር ካልኣይቲ ሸቶ፡ ብራዚል ንምዕዋት ከምዝመጸት ዘርኢ ልሙድ ውሕሉል ምልክት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብራዚል፡ ንነይማር ብመስበርቲ ምስኣና ዘሕዝን'ኳ እንተዀነ፡ ቪኒቺየስ ጁንየርን ራፊንሃን ብጐድኒ በሪሆም እዮም። ጋብሪኤል ማርቲነሊን ኣንቶኒን ድማ ከም ዕቑራት ተጻወትቲ ስለዘለዉ፡ ዕምቆት ጋንታኦም ሕጂ’ውን ዘቕንእ እዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ኣጥቅዓይ ፓሪስ ሰይንት ጀርመይን [ነይማር] ኣብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናብ ጸወታ ተመሊሱ ኣብቲ ኣንጻር ስጳኛን ኣርጀንቲናን ክጻወትን ናብ ፍጻመ ዝግበር ጕዕዞ ክሕግዝን ይኽእል እዩ።
እቲ ወትሩ ዘይደክም ቲያጎ ሲልቫ ድሕሪት መስመሩ ኣብ ምምዕባል፣ ካሰሚሮ ብደረጃ ክለባት ኵሉ ክዕወት ዘኽኣሎ ብቕዓቱ፣ ካብ ዝኾነ ቦታ ሸቶታት ከመዝግቡ ዝኽእሉ ኣጥቃዕትን ኣብ ዘለዉሉ ኵነታት፡ እዛ ሓሙሽተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተት ጋንታ ክትዕወት ከምትኽእል ኣየካትዕን።
ካልእ ከ እንታይ ፈሊጥና?
- ጸወታታት ዝነውሐ ግዜ ይወስዱ ኣለዉ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዋንጫ ዓለም 525 ናይ ደውታ ግዜ ተወሳኺ ደቓይቕ ተዋሂቡ ኣሎ። እዚ ድማ ዳርጋ ምስ ሽዱሽተ ተወሳኺ ጸወታታት ማዕረ እዩ። ብርግጽ ደገፍቲ ዋጋ ገንዘቦም ይረኽቡ ኣለዉ።
- ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዋንጫ ዓለም ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝወሓደ ሸቶታት ተመዝጊቡ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ድማ 2.5 ሸቶታት ዝተመዝገበ ክኸውን እንከሎ ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዋንጫታት ዓለም እቲ ዝወሓደ እዩ። ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝተመዝገባ ሽቶታት 36 ሚእታዊት ጥራይ እየን።
- ጋንታታት ውሑድ ግን ብሉጽ ፈተነታት ይገብራ ኣለዋ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ 22.3፡ ግን ከኣ ክሳብ ሕጂ እቲ ዝበለጸ ናብ ሽቶ ናይ ምቕያር ተኽእሎ (11.2 ሚእታዊ) ተራእዩ። ግን ድማ ክብረወሰን ዝሓዘ ትሑት 8 ሚእታዊ ሸቶታት ካብ ክሊ 18 ወጻኢ ዝተመዝገበ እዩ።
- ጋንታታት ዝያዳ ይቀባበላ ኣለዋ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ብማእከላይ ገምጋም 960 ምቅብባል ዝተገብረ ኰይኑ እዚ ካብ ዝኾነ ውድድር ንላዕሊ እዩ።
ገለ ኣገደስቲ ኣሃዛት
ብዝሒ ሽቶ ዘመዝገቡ 5 ተጻወትቲ - 3
ብዝሒ ፈተነታት ኪልያን ምባፐ ፈረንሳ 16
ብዝሒ ንሽቶ ዘቐበለ ሃሪ ኬን እንግሊዝ 3
ብዝሒ ኵዕሶ ዝተንከፈ ሮድሪ ስጳኛ 481
ብዝሒ ዝዓገተ ኣክራፍ ሃኪሚን ኢብራሂም ኮናተን ሞሮኮን ፈረንሳ 13
ልዑል ኣሃዝ ጋንታታት
ብዝሒ ሸቶ እንግሊዝን ስጳኛን 9
ብዝሒ ፈተነ ጀርመን 69
ብሉጽ ናብ ሽቶ ናይ ምቕያር መጠን ኮስታሪካ 27%
ውሑድ ሽቶ ምእንጋድ 6 ሃገራት 1
ውሑድ ፈተነ ዘአንገደት ኣርጀንቲና 11
ብሉጽ ምድሓን ብሚእታዊ ኔዘርላንድስ 91%
ልዑል ምቁጽጻር ኵዕሶ ስጳኛ 77%
ብዝሒ ምዕጋት ፈረንሳ 77




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







