ዋንጫ ዓለም 2022፡ ዩራጓይ ንጋና ለኪማ ካብ ውድድር ተገሊፋ

ሊዊዝ ስዋረዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብብኽያት ዝተዛዘመን ንጋና ዝለከመን ዓወት ዩራጓይ

ዩራጓይ፡ ሎሚ'ውን ድሕሪ 12 ዓመት ነታ ሒነኣ ክትፈዲ ትጽቢት ዝተገብረላ ጋና 2 ብ 0 ብምስዓር ካብቲ ውድድር ገሊፋታ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ ምድበን ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ግጥም፡ ደቡብ ኮርያ ንፓርቱጋል 2 ብ 1 ብምስዓራ፡ ዩራጓይ'ውን ካብ ዕጫ ጋና ኣይደሓነትን።

ግጥም ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ጸሎት ጋናውያንን ኣፍሪቃውያንን መን ከምዝሰምዖ፡ ብቪ-ኤ-ኣር ዝተወሰነት ፍጹም ቅላዕ ተዋሂባ።

እንተኾነ ግን፡ ሓደ ካብ ኣጥቃዕቲ ጋና ኣንድረ ኣዪዉ ኣብ መበል 21 ደቂቕ ኣፍኲሱ ዝቐልዓ ኩዕሶ ንልቢ ብዙሓት ደገፍቲ ጋና ሰይራ- ብሓላው ልዳት ዩራጓይ ተመሊሳ።

ብዙሕ ከይጸንሑ ዩራጓይ፡ ብጂዮርጆ ዲ ኣራስካታ ቅድሚ ዕረፍቲ ኣብ ዝቐጸለ ግዜ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ስዒሮም።

እንተኾነ ግን፡ ዩራጓይ ዓስቢ ዘካየድዎ ሓያል ግጥም ኣብ ክንዲ ሰሓቕን ሓጎስን ሓዘንን ብኽያትን ተጎልቢቦም፡ ንጋና ለኪሞም ተገሊፎም።

ሓደ ነጥቢ ሒዛ ናብቲ ግጥም ዝኣተወት ደቡብ ኮርያ ነታ ድሮ ምሕላፋ ኣረጋጊጻ ዝነበረት ፖርቱጋል ብምስዓር 4 ነጥቢ ኣዋህሊላ'ያ ካልኣይቲ ኮይና ሓሊፋ ዘላ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም 2010 ጋና ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝበጽሐት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ካብ ምዃን ዝተረፈት ብሰንኪ ዩራጋይ እዩ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ስዋሬዝ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ተወሳኺ ግዜ፡ ንጋና ሽቶ ክትከውን ዝነበረት ኩዕሶ ኣብ መስመር ልዳት ኮነ ኢሉ ብኢዱ ምስ መለሳ ካብ ሜዳ ብቐይሕ ተባሪሩ።

ኣሳሞኣ ጂያን ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝወቕዓ ፍጹም ቅላዕ ዕንጨይቲ ልዳት ወቒዓ።

እዚ ማለት እቲ ጸወታ 1 ብ 1 ተዛዚሙ። ዩራጋይ ድማ ብድራማዊ ኩነታት ናብ ፍጹም ቅላዕ ክትኣቱ ክኢላ። ስዋሬዝ’ውን ብዘይ ምግናን ሓጎሱ ገሊጹ።

ክልቲአን ጋንታታት ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣትየን፡ ዩራጋይ ድማ 4 ብ 2 ተዓዊታ።

ናይ ስዋሬዝ "ኢድ ኣምላኽ" ክሳብ ሕጂ ሓደ ካብቶም ተዘካሪ ህሞታት ዋንጫ ዓለም እዩ።

ክልቲአን ጋንታታት ሎሚ ዓርቢ ዳግማይ ተራኺበን። ጋና ሕነ ንምፍዳይ ድሕሪ 12 ዓመት ዝረኸበቶ ዕድል እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ስዋሬዝ ድማተወሳኺ ሕቶታት ኣለዓዒሉ እዩ።

እዚ ኣብ ምድብ 8 (H) ወሳኒ ጸወታ ኮይኑ፡ ጋና ኣብ ልዕሊ ዩራጋይ እንተተዓዊታ ናብ ቀጻሊ ዙር ክትሓልፍ ትጽቢት'ዩ ተገይሩላ ነይሩ።

ናብዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ኣብ ኣእምሮ ጋናን ደገፍቶምን ግን ሓንቲ ቓል'ያ ነይራ "ሕነ. . .ሕነ. . ."

ጂያን፡ "እቲ ዕጫ ምስ ተገብረ፡ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝመጸ ሕነ ምፍዳይ ጥራይ'ዩ ነይሩ። ጋና ሕነ ክትፈዲ እያ እትደሊ፡ ድርኺት'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት እንታይ ከም ዘጋጠመ ይፈልጡ እዮም። ሓሊፉ'ዩ፡ ኣነ ግን ሰብ'የ ኣብ ኣእምሮይ'ዩ ዘሎ።"

"ደቡብ ኮርያ፡ ፖርቱጋልን ዩራጋይን ኣለዋ - ንጋና ድማ እቲ ኣገዳሲ ጸወታ ኣንጻር ኡራጋይ'ዩ። ንሕነ ምፍዳይ፡ ንሕነ ምፍዳይ፡ ንሕነ ምፍዳይ ምኻድ ኣብ ኣእምሮ ኩሉ ሰብ'ዩ ዘሎ።"

"ዕላማና ናብ ዝቕጽል ዙር ምሕላፍ'ዩ። ዩራጋይ፡ ዩራጋይ፡ ዩራጋይ ኢልና ክንሓስብ እንተኾይንና ጌጋ ክኸውን'ዩ። ክንሓልፍ ኣለና፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር እዚ'ዩ።"

ደቡብ ኮርያ ዓወት ድሕሪ ምጉንጻፎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'እታ ፍጹም ቅላዕ ከመይ ንላዕሊ ከም ዝኸደት ኣይፈልጥን'የ'

ድሕሪ ዋንጫ ዓለም 2010 ብናይ ሽዑ ክብረወሰን ክለብ 13 ሚልዮን ፓውንድ ዝውውር ምስ ሳንደርላንድ ዝተጸንበረ ጂያን፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ። ጋናምስ ዩራጋይ ዘካየደቶ መሳጢ ርብዒ ፍጻመ ማዕረ ተፈላልያ።

ስዋሬዝ፡ ዶሚኒክ ኣድያሕ ኣብ መስመር ንዝሃረማ ብኢዱ ብግልጺ ዓጊቱ ብቕጽበት ካብ ሜዳ ተባሪሩ - ጂያን ግንነቲ ፍጹም ቅላዕካብ ክጥቀመሉ ኣይከኣለን።

እቲ ግጥም ናብ ፍጹም ቅላዕ ኣትዩ ጂያን ንፈለማ ፍጹም ፍጹም ቅላዕ ጋና ከመዝግብ ከሎ፡ ኡራጋይ ግን 4 ብ 2 ተዓዊታ።

"ኣብ ቀዳማይ ጸወታ ኣንጻር ሰርብያ ኣዝያ ወሳኒት ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊበ፡ ኣንጻር ኣውስትራልያ'ውን ፍጹም ቅላዕ ኣመዝጊበ" ክብል ሕጂ ወዲ 36 ዓመትን ክለብ ዘይብሉን ጂያን ይዝክር።

"ኣንጻር ኣሜሪካ ኣብ ተወሳኺ ግዜ ሸቶ ኣመዝጊበ ስለዚ ደረጃ ርእሰ ተኣማንነት ክንድኡ ልዑል'ዩ ነይሩ። ኣንጻር ዩራጋይ ፍጹም ቅላዕ ኣብ ዝረኸብናሉ እዋን፡ ዋላ'ኳ ጸቕጢ እንተነበረ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ተጻዋታይ እየ ነይረ።"

"ደጊመ ምውቃዕ ጥራይ እዩ ዘድልየኒ ነይሩ። ብቕንዕና ክዛረብ እንተኾይነ፡ ፍጹም ቅላዐይ ክሳብ ክንድኡ ንላዕሊ ስለዘይከይድ በቃ ካብተን ሕማቕ መዓልታት ሓንቲ እያ እየ ዝብል።"

"እታ ፍጹም ቅላዕ ከመይ ጌራ ንላዕሊ ኢላ ከም ዝኸደት ኣይፈለጥን። ቴክኒካዊ ጌጋ ወይ ገለ'ዩ ነይሩ ይመስለኒ።"

"ናብ ፍጹም ቅላዕ ምስ ኣተና ንገዛእ ርእሰይ ዳግማይ ከረጋግጽ ደልየ ነይረ። ናብ ዝነበርክዎ ክምለስ ነይሩኒ፡ ሸቶድማ ኣመዝጊበ - ተመሊስካ ንነብስኻ ከተረጋግጽ ኣለካ።"

ደገፍቲ ዩራጋይ

ምንጪ ስእሊ, Jeff Mitchell/FIFA

ደገፍቲ ጋና ንስዋረዝ ይቕረ ክብሉ ኣይከኣሉን

ሕጂ ወዲ 35 ዓመት ስዋሬዝ ኣብ ዋንጫ ዓለም የራጋይ ዝሳተፍዘሎ ኮይኑ፡ ድሕሪ 12 ዓመታት ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ጋና ዝጽላእ ሰብ እዩ።

ጋናዊት ጋዜጠኛ ፈነወ ስፖርት ጁልየት ባውዋህ፡ "ክሳብ ሕጂ ንስዋሬዝ ይቕረክብለሉ ፍቓደኛ ዝኾነ ጋናዊ ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ ኣይረኸብኩን" ኢላ።

"ብዙሓት ሰባት ጋና ንዩራጋይ እንተትስዕራ ነታ ዋንጫ ዓለም ክትዕወትን ንኣፍሪቃውያን ንዓመታት ዘሐብንን ክኸውን ምኸኣለ ኢሎም ይሓስቡ።

"ስዋሬዝ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝጻወተሉ ዝነበረ እዋን፡ ዝኾነ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ፡ ብጫ ካርድ እንተተዋሂብዎ፡ ብቀይሕ እንተተባሪሩ፡ ብኤፍ.ኤ እንተተቐጺዑ፡ ሽዑ ሰባት ሕጉሳት ነይሮም። ስሙ ክሰምዕ ዝደሊ ሰብ የለን።"

ደገፍቲ ጋና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

‘ናተይ ጌጋ ኣይነበረን’ - ስዋሬዝ

ስዋሬዝ ብሓደ ጋናዊ ጋዜጠኛ፡ ገለ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከም "ባዕሉ ድያብሎስ" ከም ዝቖጽርዎ እኳ እንተተነግሮ፡ ንሱ ግን ኣይተነስሐን።

"ብዛዕባኡ ይቕሬታ ኣይሓትትን" ኢሉ። "ንሓደ ተጻዋታይ እንተጎዲአ ይቕሬታ ይሓትት ግን ንኹዕሶ ብኢደይ ምሓዘይ ቀይሕ ካርድ ተዋሂበ እየ።"

"ፍጹም ቅላዕ ስለዘይሰሓትኩ ናተይ ጌጋ ኣይነበረን።"

እዛ ሕጂ ዘላ ጋንታ ጋና ግን ኣብ ልዕሊ ስዋሬዝን ዩራጋይን ሕነ ንምፍዳይ ዝዝረብ ዝነበረ ምዝራብ ከተቃልል ትጽዕር ኣላ፡ ሓለቓ ጋንታ ኣንድሬ ኣየው - ካብታ ኣብ 2010 ዝተረፈ እንኮ ተጻዋታይ - ነቲ ፍጻመ ረሲዑ ህይወቱ ክቕጽል ከም ዝደሊ ይገልጽ።

"ኩሉ ሰብ ሕማቕ ተሰሚዕዎ [ኣብ 2010] ንዓይ ግን ናብ ዝቕጽል መድረኽ ክበጽሕ ጥራይ እየ ዝደሊ" ኢሉ። "ሕነ ንምፍዳይ ይኹን ኣይኹን፡ ብተመሳሳሊ ቆራጽነትን ድሌትን ንምዕዋት ክንጻወት ኢና።"

"ንድሕሪት ኣይጥምትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ከድህብ ኣይደልን እየ" ይብል።