ውሩይ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ኵዕሶ እግሪ ፔለ ሆስፒታል ኣትዩ

ብራዚላዊ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ፡ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ተገሊፁ።
ኢኤስፒኤን ብራዚል፡ ፔለ ብሰንኪ ኣብ ሰብነቱ ዘጋጠሞ ሕበጥ ናብ ሆስፒታል ሳኦ ፖሎ ከም ዝኣተወ ትማሊ ረቡዕ ኣፍሊጡ።
እንተዀነ ጓሉ ኬሊ ናሲሜንቶ፡ ፔለ ናብ ሆስፒታል ዝኸደሉ ጉዳይ ብሃንደበታዊ ሕማም ከምዘይኰነ ገሊጻ።
ንሳ ብናይ ውልቃ ኢንስታግራም ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ምስ ምሕማም ፔለ ዝዛመድ “ዝኾነ ዘሻቕል ዜና የለን” ኢላ።
ኢኤስፒኤን ብራዚል፡ እቲ ወዲ 82 ዓመት ውሩይ ተፃዋታይ ኵዕሶ እግሪ ዓለም ፔለ ምስ ልቢ ዝዛመድ ፀገም ጥዕና ከም ዘጋጠሞን ዝከታተሎ ዘሎ ሕክምና ውፅኢታዊ ብዘይ ምዃኑ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ኣመልኪቱ።
“ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣቦይ ሎሚ መዓልቲ ብዙሕ ኢሎም እዮም” ዝበለት ኬሊ ናሲሜንቶ፡ “ኣብ ሆስፒታል ኣሎ። ሃንደበታዊ ወይ ድማ ሓድሽ ምስ ጥዕናኡ ዝዛመድ ዘሻቕል ነገር የለን። ሓድሽ ዓመት ኣብኡ ክርከብ እየ። ስእልታት ድማ ከካፍለኩም እየ” ኢላ።
ፔለ፡ ኣብ 2021 [ኣ.ኣ] እውን ናብ ሆስፒታል ኣትዩ፡ ብዝተገበረሉ መጥባሕቲ ካብ ታሕተዋይ ክፋል ዓቢ መዓንጣኡ ጽኪ ከም ዝተኣለየሉ ይፍለጥ።
ኣብ 2019 ድማ ብዘጋጠሞ ረኽሲ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ተገይርሉ ከምዝነበረ ይዝከር።
ፔለ፡ ኣብ 92 ፀወታታት 77 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኣብ ብራዚል ጎብለል ብዝሒ ሸቶ ዘመዝገበ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኰይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሸቶ ካብ ዘቝፀሩ 4 ተጻወትቲ እቲ ሓደ’ዩ።
እዚ ካብ ወልዋሊ ጫማ - ሊስትሮ - ናብቲ ዝዓበየ መድረኽ ጸወታ ኵዕሶ ዝተሰጋገረ ፔለ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝተፈትዉን ብኣድናቘት ዝተጐናጸፉን ኰይኑ ዓብይ ዝናን ስምን ዘትረፈ ኮኾብ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







