ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ይሓዊ ከምዘሎ ጓሉ ሓቢራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብራዚሊያዊ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ፔለ ድሕሪ እቲ ዝተገበረሉ መጥባሕቲ ካብ ሕማሙ ይሓዊ ከምዘሎ ጓሉ ገሊጻ።
ወዲ 80 ዓመት ፔለ ኣብዚ ወርሒ ብዝተገበረሉ መጥባሕቲ ካብ ታሕተዋይ ክፋል ሮጕድ መዓንጥኡ ጽኪ ዝወጽኣሉ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሮብዕ ካብ ክፍሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ወጺኡ።
ሳኦ ፖሎ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልበርት ኣንስታይን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 31 ጀሚሩ ሕክምኡ ክከታተል ዝጸንሐ ፔለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ምሉእ ጥዕና ይምለስ ከምዘሎ ጓሉ ኬሊ ገሊጻ።
ማዕኸናት ዜና ብራዚል ኣቐዲመን ፔለ ብሰንኪ ዕድምኡ ናብ ክፍሊ ብፅኑዕ ዝሓመሙ ሕሙማት ከምዝኣተወ ኣቃሊሐን ኔረን።
እቲ ሆስፒታል’ውን እንተኾነ ሓቂ ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ ድሓር ግን፡ ናብ ክፍሊ ማእኸላይ ዝተጸንዑ ሕሙማት ከምዝተዛወረ ኣፍሊጡ።
እቲ ሆስፒታል መግለጺ ቅድሚ ምውጽኡ ግን፡ ጓሉ ኣብ ናይ ውልቃ ኢንስታግራም “እቲ ኣብ ደገ ዝናፈስ ዘሎ ሓሜት ይርድኣኒ የሎን፡ እንተኾነ ግን ኣቦይ ይሓዊ’ዩ ዘሎ” ክትብል ጠቂዓ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት ጥዕናዊ ኩነታት ፔለ መሻቐሊ ኮይኑ ዝመጽአ ኮይኑ ፡ኣብ 2015 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ መጥባሕቲ ገይሩ ነይሩ።
ኣብ 2019 ድማ ብዘጋጠሞ ረኽሲ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ተገይርሉ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ፔለ ኣብ 92 ጸወታታት 77 ሸቶታት ብምቑጻር ኣብ ብራዚል ጎብለል ብዝሒ ሸቶ ዘቑጸረ ውሩይ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኮይኑ፡ ኣብ ኣርባዕተ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሸቶ ካብ ዘቑጸሩ 4 ተጻወትቲ እቲ ሓደ’ዩ።
ኣርጀንቲናዊ ልዮኔል መሲ ኣብ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ብዝሒ ሸቶ ብምቑጻር ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ብዙሕ ሸቶ ዘቑጸረ ተጻዋታይ ተባሂሉ ንፔለ ሓሊፍዎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







