ሞሮኮ፡ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ዝሓለፈት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሞሮኮ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም 2022፡ ንፖርቱጋል ረቲዓ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፈት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና።
ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞሮኮ፡ ትማሊ ምሸት ምስ ፖርቱጋል ኣብ ዝነበራ ግጥም 1 ብ 0 ስዒራ እያ ናብ ዝቕጽል ውድድር ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፋ።
ሞሮኮ ኣብቲ ጸወታ ልዑል ግምት ተዋሂብዋ ንዝነበረ ፖርቱጋልን ኮኸብ ተጻዋታይ ክርስቲያኖ ሮናልዶን ብምስዓር’ያ ናብቲ ቀጻሊ ዙርያ ሓሊፋ ዘላ።
ኣጥቃዓይ ሞሮኮ ዮሱፍ ኣልነስሪ ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘቝጸራ ሸቶ ነቲ ኣብ ስታድየም ኣል ቱማማ ብቐጥታ ነቲ ግጥም ዝዕዘብ ዝነበረ ህዝቢን፡ ንኣፍሪቃውያንን ዓረባውያንን ኣፈሲሁ።
ነቲ ስታድየም መሊኦምዎ ዝነበሩ ደገፍቲ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ንሞሮኮ፡ ኣብ መድረኽ ዓለም ክብ ዘበለ ጸወታ ብልዑል ታሕጓስ ይጽንብልዎ ኣለዉ።
ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዓለም፡ 196 ግዜ ተጻዊቱ ክብረ ወሰን ዝሓዘ ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ኣብ መበል 50 ደቒቅ ተቐይሩ’ኳ እንተኣተወ ሸቶ ከቝጽር ኣይከኣለን፤ ሃገሩ ፖርቱጋል’ውን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ከሕልፋ ኣይከኣለን።
ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ምስ ፈረንሳ እትገጥም ሞሮኮ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ፡ ኣልነስሪ ነታ ያሕያ ኣቲያት ዘሕለፈሉ ኩዕሶ ብርእሱ ወቒዑ ሸቶ ኣቝጺሩዋ።
ኣጥቃዓይ ፖርቱጋል ብሩኖ ፈርናደዝ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቃይቕ እትገርም ሸቶ ንምቝጻር ፈቲኑ’ኳ እንተነበረ፡ ዝቐልዓ ኩዕሶ ግን ምስ ልዳት ተላቲማ ሃገሩ ማዕረ እትኾነሉ ዕድል ባኺኑ።
ሞሮኮ ድሕሪ ዕረፍቲ ተጻወትቲ ተጐዲኦምዋ፣ ኣጥቃዓይ ወሊድ ኸዲራ ብኽልተ ቢጫ ካብቲ ጸወታ’ኳ እንተተሰናበተ፡ ፖርቱጋል ግን ሸቶ ክተቝጽር ኣይከኣለትን።
ቅድሚ ሕጂ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፈን'ኳ እንተነበራ፡ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዝሓለፈት ሃገር ግን ክሳብ ሕጂ ኣይነበረትን።
ተጻዋታይ ኣልነስሪን እታ ብርእሱ ዘቝጸራ ሸቶን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዘስፈሩ ኰይኖም፡ ንዅሎም ደገፍቲ ጋንታኡ ኣፍሪቃውያንን ካልኦትን ብታሕጓስ መሊኡዎም ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







