ጸወታታት ሊግ ክቋረጹ ዘገደደ ጉስጢ ኣብ ልዕሊ ዳኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ቱርኪ ብሰኑይ ሓደ በዓል ስልጣን ኤ.ም.ኬ.ኢ ኣንካራጉኩ [MKE Ankaragucu] ዝተበሃለት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ንሓደ ዳኛ ድሕሪ ምጥቃዑ ኵሎም ሊጋት ምሉእ ብምሉእ ክቋረጹ ኣዚዙ።
ፕረዚደንት እታ ጋንታ ዝዀነ ፋሩክ ኮቻ ኣብቲ ዕለት ማእከል ዳኛ ንዝነበረ ሃሊል መሙት ሜለር ብጉስጢ ወቒዑ ኣውዲቝዎ።
እቲ ፕረዚደንት ነቲ ተግባር ዝፈፀመ ድማ ጋንታኡ 1 ብ 0 ክትመርሕ ድሕሪ ምጽንሓ ኣብ መበል 97 ደቂቅ ግን መጋጥምታ ዝነበረት ጋንታ ረዘስፖር ኣብ ልዕሊኣ ሸቶ ምስ ኣመዝገበት እዩ።
ኣቦ መንበር ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ቱርኪ መህመት ቡዩኬክሲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኵሉ ጸወታ ሊጋት ንግዚኡ ተቛሪጹ'ሎ" ኢሉ።
ወሲኹ "እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ቱርኪ እቲ ኣዝዩ ዘሕፍር'ዩ" ክብል ገሊፁ።
ዳኛ ሜለር ተሃሪሙ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ካልኦት ሰባት እውን መጺኦም ክወቕዕዎ እንከለዉ፡ መጠናዊ መስበርቲ እውን ኣጋጢምዎ’ሎ።
ድሕሪ'ቲ ፍጻመ፡ ሓለፍቲ ጋንታታትን ተጻወትን ዝተሳተፍዎ ዓቢ ናዕቢ ተፈጢሩ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ዓሊ የርሊካያ ከምዝበሎ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሓላፊ እታ ጋንታ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተኣተወ፡ ሕክምና ምስተገብረሉ ግን "ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር" ክኣትው’ዩ።
ካልኦት ኣብቲ ፍጻመ ዝተሳተፉ ሰባት እውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣትዉ እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ሓቢሩ።
ወዲ 37 ዓመት ሜለር ሓደ ካብቶም ኣብ ቱርኪ ንዓለምለኻዊ ጸወታታት ፊፋ ዝመርሑ ዳያኑ እዩ። ብተወሳኺ ሓደ ካብ ላዕለዎት ዳያኑ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ይስራዕ።
እቲ ዳኛ ኣብ ሆስፒታል ኣትዩ ሕክምና ተገይሩሉ፤ ሓካይም ግን "ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኵነታት ከምዘየለ" ገሊጾም።
እንተዀነ ኣብ ርእሱ ሓደጋ ኣጋጢምዎ ድዩ ዝብል ንምርግጋጽ ተወሳኺ መርመራ ክግበረሉ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ድሕሪ እቲ ንብዙሓት ዘሰንበደ ፍጻመ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ኣብ ልዕሊ ዳኛ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እኹንኖ፤ ብቕልጡፍ ክሓዊ ድማ እምነየሉ" ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ስፖርት ማለት ሰላምን ሕውነትን እዩ። ስፖርት ምስ ዓመጽ ዝተኣሳሰር ኣይኰነን። ኣብ ስፖርት ቱርኪ ናዕቢ ክርአ ፈጺምና ኣይንፈቅድን ኢና" ክብል ኣፍሊጡ።
ኣብ ሱፐር ሊግ ቱርኪ እትጻወት ጋንታ ኤም.ኬ.ኢ ኣንካራጉኩ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "በቲ ኣብዚ [ሰኑይ] ምሸት ዘጋጠመ ፍጻመ ኣመና ሓዚንና" ኢላ።
"ንስድራቤት ኩዕሶ እግሪ ቱርኪን ንመላእ ማሕበረሰብ ስፖርትን ድማ በቲ ኣብ ስታድዩም ኤርያማም ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻመ ይቕረታ ክንሓትት ንደሊ" ክትብል ሓቢራ።
ብኣንጻሩ እታ መጋጥምታ ዝነበረት ጋንታ ጃይኩር ረዘስፖር በቲ ዘጋጠመ ክስተት ከምዝሓዘነት ብምግላጽ ነቲ ዳኛ ዘለዋ ደገፍ ኣስሚዓ።
ማሕበር ዳያኑ ቱርኪ ብወገኑ ንዅሎም ዳያኑ ኩዕሶ እግሪ ናብ ሜዳ ከይኣትዉ ድሕሪ ምእዛዙ፡ "ኣብ ልዕሊ ዳኛ ሜለር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማሕበር ዳያኑ ዝቐንዐ እዩ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







