ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር ክብረ ወሰን ብዝሓዘ ጨረታ 44.6 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ

እቲ ኣዕጽምቲ ብሓደ ጃሶን ከፐር ዝተብሃለ ክኢላ ድልያ ቅሪት ኣብ 2022’ዩ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እቲ ኣዕጽምቲ ብሓደ ጃሶን ከፐር ዝተብሃለ ክኢላ ድልያ ቅሪት ኣብ 2022’ዩ ተረኺቡ

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ፡ ኣዝዩ ዓበይቲ ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር ሓድሽ ክብረ ወሰን ብምሓዝ፡ ብ44.6 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ።

ኣዕጽምቲ ናይቲ ኣፔክስ ዝብል ስም ዝተወሃቦ ሳዕሪ ዝበልዕ ዳይኖሰር፡ ቍመቱ 3.4 ሜትሮ ኰይኑ ካብ ጭራኡ ናብ ኣብፍንጭኡ ዘሎ ንውሓት 8.2 ሜትሮ’ዩ።

ነቲ ጨረታ ዘካየደ ሶቶቢ ዝተበሃለ ትካል “ኣዕጽምቲ ናይ ኣፔክስ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተረኸቡ እቲ ኣዝዩ ምሉእ’ዩ” ኢሉ።

እቲ ኣጫራቲ ትካል ስም ናይቲ ብጨረታ ዝገዝኦ ትካል ወይ ውልቀሰብ’ኳ እንተዘይሓበረ፡ እቲ ዓዳጊ “ኣፔክስ ኣብ ኣመሪካ’ዩ ተወሊዱ ኣብ ኣመሪካ ከኣ ክነብር ኣለዎ” ከምዝበለ እቲ ኣጫራቲ ትካል ገሊጹ።

ካብዚ ብምብጋስ እቲ ንኣፔክስ ዝዓደጐ ውልቀሰብ ወይ ትካል ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ክኸውን ከምዝኽልእ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣዕጽምቲ ናይዚ ዳይኖሰር ብሓደ ክኢላ ምድላይ ቅሪት [palaeontologist] ኣብ 2022 ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኣብ ጥቃ ዲናሶር እትበሃል ከተማ’ዩ ተረኺቡ።

ኣጫራቲ ትካል ሶቶቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ኣብቲ ረቡዕ ዝተኻየደ ጨረታ ኣዕጽምቲ ኣፔክስ ብ44.6 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ ኣሎ፡ እዚ ከኣ እቲ ዝኸበረ ብጨረታ ዝተሸጠ ቅሪት ክኸውን ኣኽኢልዎ ኣሎ” ኢሉ።

እቲ ኣዕጽምቲ ካብቲ ተገሚትዎ ዝነበረ ኣብ ውሽጢ 15 ደቂቕ ብ11 ዕጽፊ ከምዝተሸጠ እቲ ኣጫራቲ ትካል ገሊጹ።

ኣብቲ ጨረታ ሸውዓተ ዓደግቲ ከምዝተወዳደሩን እቲ ኣዕጽምቲ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተረኸቡ እቲ ዝዓበየ ከምዝዀነን’ውን ተሓቢሩ።

ነቲ ኣዕጽምቲ ናይዚ ሳዕሪ ዝበልዕ ዳይኖሰር ጃሶን ኮፐር ዝተበሃለ ክኢላ ምድላይ ቅሪት’ዩ ረኺብዎ።

ኣዚ ኣዕጽምቲ ናይዚ ዳይኖሰር 150 ሚልዮን ዓመታት ዝገበረ ክኸውን ከምዝኽእል’ዩ ተገሚቱ ዘሎ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2020 ኣብ ዝተገበረ ተመሳሳሊ ጨረታ ኣዕጽምቲ ናይ ሓደ ስታን ዝብል ስም ዝተወሃቦ ዳይኖሰር ብጨረታ ብ31.8 ሚልዮን ዶላር ተሸይጡ ከምዝነበረ ይዝከር።