ቆቢዕ ናፖልዮን ቦናፓርት ኣብ ጨረታ ብ2.1 ሚልዮን ዶላር ተሸይጣ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ቆቢዕ ናይቲ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን መራሒ ፈረንሳ ዝነበረ ናፖልዮን ቦናፓርት ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ብ2.1 ሚልዮን ዶላር ተሸይጣ።
እታ ጸላም ቆቢዕ ካብ 600 ክሳብ 800 ሽሕ ዩሮ ክትሽየጥ ከምእትኽእል’ዩ ግምት ተዋሂብዋ ነይሩ።
እቶም ኣጫረትቲ ነታ ቆቢዕ ብጨረታ ዝዓደጋ ሰብ ከም ፍቓዱ ሽሙ ኣየቃልዕዎን ዘለዉ።
ተመራመርቲ ታሪኽ እታ ቆቢዕ ሓንቲ ካብ ቀንዲ ንብረታትን ብፍሉይ ቅዱ ንዕኡ ኢላ ዝተሰርሕትን ከምዝኾነት’ዮም ዝገልጹ።
ናፖልዮን ቦናፓርት ኣብ ማእከል ኵናት ነታ ቆቡዕ ንጎኒ ኣብ ዝለብሰሉ ካብ ማዕዶ ብቐሊሉ ይልለ ከምዝነበረ’ዩ ዝሕበር።
ናፖልዮን ኣብ ናይ ስልጣን ዓመታቱ ኣስታት 120 ዝኸውን ቆቢዕ’ዩ ነይርዎ፤ እንተኾነ ኣብዚ እዋን 20 ዝኾና ጥራይ’የን ዘለዋ፡ ካብተን 20 ኸኣ ዝበዝሓ ውልቀ ሰባት ብኩቡር ዓዲጎም ዓቂቦመን ይርከቡ።
እታ ቆቢዕ ምስ ካልእ ብናፖልዮን ዝተጸሓፈ መዘክር’ያ ብጨረታ ተሸይጣ።
እንተኾነ እቶም ኣጫረትቲ እታ ቆቢዕ ቀንዲ ካብ ‘ቅዱሳት ንብረታት’ ናይ ናፖልዮን ምንባራ ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እታ ብጨረታ ዝተሸጠት ቆቢዕ፡ ንናፖልዮን ክሳብ ክልቲኡ መንኩቡ ትሽፍን ኮይና ‘ኢን ባታሊ’ ዝብል መጸውዒ እዩ ነይርዋ። ናፖልዮን ንውሓ ካብ የማን ናብ ጸጋም ክመልሶ እንከሎ እቶም ናቱ ሹማሙንቲ ግን ነቲ ንውሓ ካብ ቅድሚት ናብ ድሕሪት ክመልስዋ ይግደዱ ነይሮም። እዚ ከኣ ናፖልዮን ፍሉይ ኮይኑ ንኽርአ ዝገብሮ ዝነበረ እዩ።
ሓደ ካብ ኣጫረትቲ እዛ ቆቢዕ ዝኾነ ጂን ፔር ኦሰናት “ናፖልዮን ክልዓልን ምስሉ ክዝከርን እንከሎ እዛ ቆቢዕ ሓንቲ ካብ መለለይቱ እያ ነይራ፤ ጸላእቲ እዛ ቆቢዕ ክርእይዋ እንከለዉ ኣብ ቅድሚኦም ናፖልዮን ከምዘሎ ይፈልጡ ነይሮም” ኢሉ።
ጂን ፔር ኦሰናት ብምስዓብ “ናፖልዮን በይኑ ኣብ ዝህልወሉ፡ እታ ቆቢዕ ወይ ኣብ ኢዱ ወይ ኣብ ርእሱ’ያ ትህሉ፡ ስለዚ እዛ ቆቢዕ ምስሊ ናይ ናፖልዮን ተገይራ’ያ ተውሰድ” ኢሉ።
ናፖልዮን ኣብ 1815 ካብታ ተሰዲድላ ዝነበረ ኢልባ ናብ ኣንቲበስ ንኽምለስ ንማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዘቋርጸሉ ዝነበረ እዋን ነዛ ቆቢዕ’ዩ ለቢሱ ነይሩ፤ ድሕሪ እዚ እዋን ድማ’ዩ ዳግማይ ናብ ስልጣን ብምምላስ ንነዊሕ ዓመታት ክመርሕ ክኢሉ።
ካልእ ኣብቲ ናይ ጨረታ እዋን ዝተሸጠ ንብረት ናይ ናፖልዮን፡ ናፖልዮን ኣብ 1815 ኣብ ዋተርሉ ኣብ ዝተሰዓረሉ ዝጥቐመላ ዝነበረ ካብ ብሩር ዝተሰርሐት ብያቲ፣ ካብ ዕንጨቲ ዝተሰርሐት ጋብላ፣ ካብ ብሩር ዝተሰርሐ መጽረዪ ስንን መቐስን ይርከብዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







