ሓደ ሚልዮን ዝግመት ሳናቲም ነሓስ ዝረኸቡ መጻምድቲ ዝገብርዎ ጨኒቕዎም

ሳንቲም ዝመልኡ ቦርሳታት

ምንጪ ስእሊ, CBS

ኣብ ካሊፎርንያ ዝነብሩ መጻምድቲ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝረኸብዎም ሓደ ሚልዮን ዝግመቱ ሳንቲማት ነሓስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ተጸጊሞም ይርከቡ።

ጆን ረይስ፡ ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ገዛ ነፍስሄር ኣቦ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዘጽርየሉ እዋን ሳንቲም ዝመልአ ቦርሳታት ረኺቦም።

እታ ስድራቤት፡ ነቶም ሳንቲማት ብዘለዎም ዋጋ 10 ሽሕ ዶላር ክሸጥዎ ሓሲቦም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ሓሳቦም ቀይሮም ኣጽኒሖምዎ።

ሓደ ናይቲ ከባቢ ባንክ፡ እቶም ሳንቲም ዝመልኡ ቦርሳታት ንምውሳድ ኣብቲ ገንዘብ ዝዓቑረሉ ክፍሊ ቦታ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።

ኣካያዲ ጨንፈር ዌል ፋርጎ፡ "'ናብዚ ኣይተምጽእዎ'" ክብል ከም ዝነገሮ ጆን ረይስ ምስ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ተዘኪሩ።

እቶም ሳንቲም ዝመልኡ ቦርሳታት፡ ኣብ ከባቢ ፒኮ-ዩኒዮን ኣብ ዝርከብ ገዛ ሓሙኡ እዮም ተረኺቦም።

ኣብ መጀመርታ፡ እቶም ቦርሳታት ምስ ተፈትሑ ዝተበታተኑ ገለ ሳንቲማት ከም ዝረኸበ ይዛረብ። ድሒሩ ድማ ሳንቲም ዝመልኡ ናይ ባንኪ ቦርሳታት ረኺቦም።

"ገለ ካብተን ባንክታት ኣብዚ እዋን ኣይነጥፋን" ይብል።

ወሲኹ፡ "ቃል ብቓሉ ሓደ ሓደ ቦርሳ እናተሰከምና ካብ ትሕቲ መሬት ኣውጺእና፡ ብመደያይቦ ደይብና፡ ናብተን ናይ ጽዕነት መካይን ክንኣቱ ነይሩና" ክብል ገሊጹ።

እቶም ሳንቲም ዝመልኡ ቦርሳታት ካብቲ ገዛ ንምውጻእ ምሉእ መዓልቲ ከም ዝወሰደሎም’ውን ሓቢሩ።

እቲ ገዛ ኣብ መጀመርታ 1900ታት ዝተሃንጸ ኰይኑ፡ እቶም ስድራቤት ኣብ ሓደ እዋን መዕረፊ ኣጋይሽ ዝነበረ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምኑ።

እቶም ካብ ጽሩይ ነሓስ ዝተሰርሑ ሳንቲማት፡ ቅድሚ 1943 ዝነበሩ እዮም፤ ብድሕሪ 1943 ኣመሪካ ሳንቲም ብቐንዱ ካብ ዚንጎ እያ እትሰርሕ።

እቶም ሳንቲማት ንመኪንኦም ከም ዝኸበዳን ካብቲ ስሉጥ መንገዲ ክወጽኡ ከም ዝተገደዱን እቶም መጻምድቲ ይዛረቡ።

ኩሉ እቲ ሳንቲም ኣይቆጸሩዎን፡ እንተዀነ ግን ብመሰረት እቲ ክብደት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ከም ዝዀኑ ይግምቱ።

እቶም መጻምድቲ ምስ ሓደ ባንከኛ ድሕሪ ምምኽኻር፡ ብገንዘብ ከይልውጥዎ ወሲኖም።

"ሰባት 2 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሳንቲም ከም ዝረኸቡ ዝገልጹ ዛንታታት ትሰምዕ" ይብል ጆን ረይስ።

ኣብቲ መንጎ እቶም ሳንቲማት ዝዀነ ብርቂ ክቡር ሳንቲም ካብ ምድላይ፡ ንኹሉ ብሓደ ግዜ ብኢንተርነት ክሸጡ ወሲኖም፤ 25 ሽሕ ዶላር ድማ ሓቲቶም።

ጆን፡ እቲ ገንዘብ ነቲ ገዛ ንምሕዳስ ዝሕግዝ ምዃኑን፡ ንመጻኢ ወለዶታት ክካረ ከም ዝኽእልን ይዛረብ።

ሓሙኡ፡ ድሕሪ ሞቱ ልዕሊ 10 ዓመት፡ ነታ ስድራቤት ይንከባኸባ ከም ዘሎ ክስምዖ ከም ዝገበሮ ይዛረብ።