ባርዕ ጫካ ሎስ ኣንጅለስ፡ 'ኣቶሚካዊ ቦምባ ዝተደርበዮም'ዩ ዝመስል'

ባርዕ ጫካ ሎስ ኣንጅለስ፡ 'ኣቶሚካዊ ቦምባ ዝተደርበዮም'ዩ ዝመስል'

እቲ ከባቢታት ሎስ ኣንጅለስ ዝተላዕለ ሓደገኛ ባርዕ ጫካ፡ ክሳብ ሕጂ ምኽንያት ሞት 10 ሰባት ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሓት ካብቶም ከባቢታት ከወጽኡን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእወጅን ምኽንያት ኰይኑ ይርከብ።

እዞም ብቐንዱ ፓሊሴድስ፡ ኢተን፡ ሃርስት፡ ሊዲያ፡ ሳንሴት፡ ኬነት ዝተባህሉ ሽዱሽተ ዓበይቲ ባርዓት ጫካ፡ ድሮ ኣስታት 20 ሽሕ ኣባይቲ ኣዕንዮም ከም ዘለው ሰብ መዚ ገሊጾም።

ክሳብ ሕጂ፡ ሽዱሽተ ሚእታዊት ሓዊ ፓሊሴድስ ምቍጽጻር ከም ዝተኻእለ ኣመሓዳሪ ካሊፎርኒያ ጋቭን ኒውሶም ብኤክስ ሓቢሩ።

"ኣንቱም ብዘይምቝራጽ ነዚ ብሓይሊ ህቦብላ ንፋስ ዝተጋደደ ባርዕ ንምምካት 24 ሰዓታት እትሰርሑ ዘለዅም መጥፋእቲ ሓዊ የቐንየልና። በጃኹም ካብ ሰበስልጣን እቲ ከባቢን ወሃብቲ ህጹጽ ምላሽን ዝወሃቡ መምርሒታት ምቕባልኩም ቀጽሉ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ባርዕ ጫካ፡ ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕቲ ቀትሪ ኣብ ዶብ ሎስ ኣንጅለስን ምምሕዳራት ቬንቹራን እዩ ተላዒሉ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ናብ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሄክታር ተላቢዑ። እቲ ሓዊ ሕጂ'ውን ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ሰብ መዚ ገሊጾም።

እቲ ባርዕ ምስ ጀመረ ድሕሪ ኣስታት 30 ደቓይቕ ሓደ ውልቀሰብ ብዜጋታት ተታሒዙ፤ ፖሊስ ድማ እቲ ውልቀሰብ ኰነ ኢልካ ባርዕ ሓዊ ብምልዓል ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ኣረጋጊጹ።

ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ኣብ ከቢድ ኵነታት ኰይኖም ነቲ ባርዕ ክቈጻጸሩ ጻዕሪ ይገብሩ
እቲ ባርዕ ጫካ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ኣዕንዩ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓላፊት ሓደጋ ሓዊ ሎስ ኣንጅለስ ክሪስቲን ኤም. ክሮውሊ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ልዑል ጻዕሪ ይገብሩ እኳ እንተሃለው፡ "ኣዝዮም ደኺሞም" ከም ዘለው ገሊጻ።

"ግን ድማ፡ ፈጺሞም ተስፋ ኣይቘርጹን" ኢላ።

ሓላፊ ፖሊስ ምምሕዳር ሎስ ኣንጀለስ ሮበርት ሉና ብወገኑ፡ ቍጽሪ በቲ ባርዕ ጫካ ዝሞቱ ሰባት ሓሙሽተ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።

"እዚ ክብለኩም እንከለዅ ግን እቲ ኣሃዝ የስግኣኒ'ዩ፤ ካብዚ ንላዕሊ ኣይኸውንን ኢለ ይጽሊ ኣለዅ፤ እንተዀነ እቲ ዘጋጠመ ዕንወት፡ ኣብተን ከባቢታት ኣቶሚካዊ ቦምባ ዝተደርበየ'ዩ ዝመስል። ጽቡቕ ዜና ኣይጽበን እየ" ብምባል ቍጽሪ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ሓፍ ክብል ከም ዝኽእል ስክፍታኡ ገሊጹ።

ባርዕ ጫካ ሎስ ኣንጅለስ፡ 'ኣቶሚካዊ ቦምባ ዝተደርበዮም'ዩ ዝመስል'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምኽትል ስርሒታት ህጹጽ እዋን ክፍሊ ባርዕ ሓዊ ምምሕዳር ሎስ ኣንጅለስ ጆን ኦ.ብሬን፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ፓሳዴና ልዕሊ 13 ሽሕ ሄክታር ሸፊኑ ከም ዝነበረን ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ትሕተ ቅርጺ ከም ዘዕነወን ገሊጹ።

ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ኣብቲ ስርሒት እንከለው ከም ዝቘሰሉ ወሲዅ ሓቢሩ።

ናይ ስልጣን ዘመኑ ዘእክል ዘሎ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ መንግስቲ ፌደራል "ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ንምልኡ ወጻኢታት ኣብ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ህይወትን ንብረትን ንምድሓን ዝውሰድ ስጕምቲታት" ክሽፍን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

"ንኣመሓደርትን ሰብ መዚን ወጻኢታት ክቑጥቡን ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻርን ስድራቤታት ንምክልኻልን ዘድልዮም ክገብሩን ነጊረዮም ኣለኹ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ባይደን ብርክት ዝበሉ ህጹጽ ስጕምቲታት ከጽድቕ እንከሎ፡ እዚኦም ድማ ነበርቲ ንዘድልዮም ነገራት ብጥረ ገንዘብ ክሓቱ ዘፍቅድ ዓብዪ ኣዋጅ ናይ ሓደጋ እዋን፣ ምውሳኽ ምወላ ፌደራል ንናይ ሓደጋ ረድኤትን ምውፋር ነቲ ባርዕ ንምምካት ዝሕግዛ መጥፋእቲ ሓዊ ሄሊኮፕተራትን ወተሃደራዊ ነፈርቲን ይርከቡዎም።

ፐሮግራም ቍጽጽር መሬት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣገልግሎት ክሊማዊ ለውጢ ኮፐርኒከስ፡ ካብ 1850 ምስናድ መጠን ዋዒ ካብ ዝምዝገብ ንድሓር፡ ዓመተ 2024 ዓ.ም እታ ዝወዓየት ዓመት እያ ነይራ ኢሉ።

ብተወሳኺ ዓለማዊ ሙቐት ልዕሊ 1.5 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ከም ዝበጽሐን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ዘመነ ኢንዱስትሪ ዝነበረ ደረጃ ከም ዝዀነን ኣመልኪቶም።

ማእከላይ ወሰኽ ሙቐት ኣብ 1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ንምድራት ሃገራት ዓለም፡ ስምምዕ ፓሪስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስምምዕ ክሊማ ከም ዝፈረማ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣመሪካ ልዑል መጠን ዋዒ ተመዝጊቡላ'ዩ፤ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እውን ሕጽረት ዝናብ ኣጋጢሙዋ።

እቲ ደረቕ ኵነታት ምስቲ ብተፈጥሮ ዝፍጠር ንፋሳት 'ሳንታ ኣና' ተደሚሩ፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ሎስ ኣንጀለስን ጐረባብታ ምምሕዳራት ቨንቸራን ንርእዮ ዘለና ዓይነት ቅልጡፍን ሓደገኛን ለበዳ ባርዕ ከስዕብ ይኽእል።

ባርዕ ሓዊ ኬነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ባርዕ ሓዊ ኬነት

እቲ ዝዓበየ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ከባቢታት ፓስፊክ ፓሊሴድስ ዘጋጠመ ክኸውን እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ህቡባት ሰባት ሆሊውድ ዝነብሩሎም ኣባይቲ ከም ዝዓነው ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ታሪኽ ሎስ ኣንጅለስ እቲ ዝኸፍአን ኣዕናውን ከም ዝዀነ ድማ ሰብ መዚ ይገልጹ።

እዚ ሓዊ፡ ክሳብ ሕጂ ሓደ ሽሕ ኣባይቲ ኣዕንዩ ኣሎ።

ሽዱሽተ ንከባቢታት ሎስ ኣንጅለስ ዘንዱዱ ዘለው ሓዊታት

  • ፓሊሳዴስ፡ እቲ ዝዓበየ ንጡፍ ባርዕ ሓዊ ኰይኑ ንከባቢታት ሳንታ ሞኒካን ማሊቡን ሃስዩ ይርከብ። ልዕሊ 20 ሽሕ ሄክታር ከባቢ ተቓጺሉ። ልዕሊ 5,300 ትሕተ ቕርጺ ዓንዮም፤ ብውሕዱ 30 ሽሕ ሰባት ድማ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ተገዲዶም። ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ሚኢታዊት እቲ ሓዊ'ዩ ምቍጽጻር ተኻኢሉ ዘሎ።
  • ኢተን፡ ካልኣይ ዝዓበየ ኣብ ሰሜን ፓሳዴና ዝነድድ ዘሎ ሓዊ'ዩ፤ በዚ ዝተቓጸለ መሬት ብውሑዱ 13,690 ሄክታር ይግመት። ልዕሊ 4000 ትሕተ ቕርጺ ዓንዮም ወይ ጕድኣተ እበጺሑዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ። ሰለስተ ሰባት ክኣ ቀቲሉ። ክሳብ ሕጂ ኣብ ቍጽጽር ኣይኣተወን።
  • ሃርስት፡ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ከተማ ክዝርጋሕ እንከሎ፡ 850 ሄክታር መሬት ኣቃጺሉ።
  • ሊዲያ፡ ኣብ ሰሜን ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ጐቦታት ከም ዝተራእየ ተገሊጹ። ዝተቓጸለ ስፍሓት መሬት ክኣ 350 ሄክታር ይግመት።
  • ሳንሴት፡ ኣብ ታሪኻዊ ከባቢ ጐቦታት ሆሊዉድ ክርአ እንከሎ 50 ሄክታር መሬት ኣቃጺሉ።
  • ኬነት፡ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕቲ ቀትሪ ኣብ ዶብ ሎስ ኣንጅለስን ምምሕዳራት ቬንቹራን ዝተላዕለ ሓዊ'ዩ።

ክንደይ ዝኣክል ዕንወት ኣውሪዱ?

እዚ ብልዑል ናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ባርዕ ጫካ፡ ዘብጽሖ ዕንወት ልዕሊ 135 ቢሊዮን ዶላር ከም ዝግመት ተገሊጹ።

ክኢላ ትንበያ ኣኩዌዘር ዝተባህለ ትካል ዝሃቦ ቅድመ-ግምት እቲ ባርዕ ሓዊ ካብ 135 ክሳብ 150 ቢሊዮን ዶላር ዕንወት ኣውሪዱ ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክት።

ኣብ ኣመሪካ ኣዝዮም ክቡራት መንበሪ ኣባይቲ ዝርከብሎም ከባቢታት ግዳያት እቲ ባርዕ ጫካ ምዃኖም፡ እቲ ክሳራታት ሓፍ ክብል ገይሩዎ ኣሎ።

ተንተንቲ ትካላት ፋይናንስ ሞርኒንግ ስታርን ጄፒ ሞርኒንግን፡ ኵባኒያታት መድሕን ዝህቡዎ ሽፋን ኣስታት ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ከም ዝኽእል ገሊጾም።

ፖሊሳዴስ ዝተባህለ ባርዕ ሓዊ፡ ልዕሊ 5300 ኣባይቲ ከዕኑ እንከሎ፡ ኤቶን ድማ ልዕሊ 5 ሽሕ ኣባይቲ ከም ዘዕነወ ሰብ መዚ ሓቢሮም።

እቲ ባርዕ ሓዊ ሕጂ'ውን ይቕጽል ብምሃለው፡ መጠን ዝወረደ ጕድኣት ክውስኽ ከም ዝኽእል'ውን ገሊጾም።

"እዞም ብልዑል ናህሪ ዝዛመቱ ዘለውን ንፋስ ዘጕዕዞም ዘለው ሓዊታት ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣመሪካ ልዑል ዕንወት ካብ መንጐ ዘስዓቡ ሓደጋታት ባርዕ ጫካ'ዮም" ክብል ሓላፊ ኵባኒያ ሜትሮሎጂ ኣኩዌዘር ጆናታን ፖርተር ተዛሪቡ።

ብ2018 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ሰሜናዊ ካሊፎርኒያ ከተማ ፓራዳይዝ ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ፡ ኣስታት 12.5 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢታት መድሕን ከም ዝሓተተ ኵባኒያ መድሕን ኦዎን [ኦኤን] ኣፍሊጡ።

እዚ 'ካምፕ ፋየር' ዝብል ሽም ዝተዋህቦ ባርዕ ጫካ፡ ምኽንያት ሞት 85 ሰባት ክኸውን እንከሎ፡ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም'ዮም።

እቲ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ባርዕ ጫካ፡ ልዑል ዋጋ ዘለዎም ንብረታት ክዓንው ስለ ዝገበረ፡ ልዑል ወጻኢታት ካብ መንጐ ዝሓቱ ሓደጋታት እቲ ሓደ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ኵባኒያ መድሕን ገሊጹ።