ባርዕ ጫካ ኣመሪካ፡ ብዙሓት ከዋኽብቲ ሆሊውድ ገዛውቶም ዓንዩ

ፓሪስ ሂልተን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፓሪስ ሂልተን

ቢሊ ክሪስታልን ፓሪስ ሂልተንን ካብቶም ኣብ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ብዝተላዕለ ቀታሊ ባርዕ ጫካ መንበሪ ገዛውቶም ዝሰኣኑ እዮም።

ኣብታ ብኣባይቲ ከዋኽብቲ ፊልም እትፍለጥ ከተማን ከባቢኣን ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ባርዕ ሓዊ ጫካ ከጋጥሙ እንከለዉ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ህንጻታት ዓንዮም።

ገለ ካብቲ ዝኸፍአ ዕንወት ኣብቲ ፍሉይ ጽባቐ ዘለዎ ከባቢ ፓሲፊክ ፓሊሳድስ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እቲ ብሰሉስ ዝጀመረ ንፋስ ዝተሓወሶ ሓደጋ ባርዕ ጫካ፡ ካብ ሓያሎ ኣማኢት ሄክታራት ክሳብ ልዕሊ 15 ሽሕ ሄክታር ተዘርጊሑ ይርከብ።

ሓደ ክፋል ናይቲ ከባቢ፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽራናት ሳንታ ሞኒካ ዝርከብ ናብ ገማግም ባሕሪ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዘማዕዱ ጐደናታት ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐይሩ።

እዚ 'ሳንሰት ፋየር' ተባሂሉ ዝተሰምየ ኰይኑ፡ ኣብ ጐቦታት ሆሊዉድ ዝተወልዐ ሓደጋ ባርዕ ጫካ'ዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ብውሑድ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተረጋጊጹ፤ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ድማ ብሰንኪ እቲ 'ሓዊ ኢቶን' ዝተባህለ ባርዕ ክወጽኡ ተገዲዶም።

ካልኦት 37 ሽሕ ድማ ብሰንኪ እቲ ብሰሉስ ዝተላዕለ 'ፓሊሳደስ ኢንፈርኖ' ዝተሰምየ ባርዕ ሓዊ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ተገዲዶም ኣለዉ።

ሰብ መዚ፡ እቲ ብሰሉስ ዝተላዕለ ናይ መጀመርታ ባርዕ ሓዊ ዝዀነ ፓሊሳደስ፡ ኣብ ታሪኽ ሎስ ኣንጅለስ ኣዝዩ ኣዕናዊ ከም ዝዀነ ገሊጾም።

ከንቲባ እታ ከተማ ካረን ባስ ዝሓለፈ ሓጋይ ካብ ባጀት ክፍሊ መጥፋእቲ ሓዊ ልዕሊ 17 ሚልዮን ዶላር ከም ዝነከየት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን'ውን ነቐፌታ ኣጋጢምዋ'ዩ።

ንሳ፡እቲ ባርዕ ጫካ ክለዓል እንከሎ ምስ ሓደ ጕጅለ ልኡኽ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝነበረት ገሊጻ ኣላ።

'ኒክሰንን ካዚኖን' ኣብ ዝብላ ፊልምታት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለየ ስርሕት ዝተዋስአ ጀምስ ዉድስ፡ ኣብ ሴንኤን ቀሪቡ ብዛዕባ እቲ ፓሲፊክ ፓሊሳድስ ዝዓነወ ንብረቱ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ንብዓት ስዒሩዎ።

"ሓደ መዓልቲ ኣብቲ መሐንበሲ ኣለኻ፤ ንጽባሒቱ ድማ ኵሉ የለን" ክብል ተዛሪቡ።

ተዋሳኢ ቢሊ ክሪስታል፡ ንሱን በዓልቲ ቤቱ ጃኒስን፡ ካብ 1979 ጀሚሮም ዝነብሩሉ ዝነበሩ ገዛኦም ብምስኣኖም "ልቦም ከም ዝተሰብረ" ገሊጹ።

ቢሊ ክሪስታልን በዓልቲ ቤቱ ጃኔስን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢሊ ክሪስታልን በዓልቲ ቤቱ ጃኔስን

እቲ ኰኾብ 'ዌን ሃሪ ሜት ሳሊ'፡ "ደቅናን ደቂ ደቅናን ኣብዚ ኢና ኣዕቢናዮም። ነፍሲ ወከፍ ወርዲ ገዛና ፍቕሪ ዝመልኦ'ዩ ነይሩ፤ ክጠፍኡ ዘይክእሉ ጽቡቓት ተዘክሮታት ዝመልአ'ዩ። ብርግጽ ልብና ተሰይሩ'ዩ፤ እንተዀነ ነዚ ብፍቕሪ ደቅናን ፈተውትናን ክንሓልፎ ኢና" ኢሉ።

ጀኒፈር ኣኒስተን፡ ብራድሊ ኩፐር፡ ቶም ሃንክስ፡ ሪዝ ዊዘርስፑን፡ ኣዳም ሳንድለርን ማይክል ኪተንን እውን ኣብ ፓሲፊክ ፓሊሳድስ ገዛውቲ ከም ዘለዎም ይንገር።

ፓሪስ ሂልተን ኣብ ማሊቡ ዝርከብ ገዛኣ ከም ዝሰኣነት ገሊጻ።

ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ "ምስ ስድራይ ኰፍ ኢለ ነቲ ዜና ይርኢ ነይረ . . .ኣብ ማሊቡ ዝርከብ ገዛና ክቃጸል ብቀጥታ ብቴለቪዥን ርእየዮ፤ እዚ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ሰብ ክበጽሕ ኣይግብኦን" ኢላ።

"እዚ ገዛ ብዙሕ ክቡር ተዘክሮታት ዝሃነጽናሉ'ዩ... ልበይን ጸሎተይን ምስ ነፍሲ ​​ወከፍ በዚ ባርዕ ዝተሃስየ ስድራቤት ኣሎ" ትብል።

ማይልስ ቴለርን በዓልቲ ቤቱ ኬሊ ስፐሪን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማይልስ ቴለርን በዓልቲ ቤቱ ኬሊ ስፐሪን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ፊልም 'ቶፕ ጋን' ማቭሪክ ኰይኑ ብዝተጻወቶ ተራ ዝፍለጥ ማይልስ ተለርን በዓልቲ ቤቱ ኬሊ ስፐሪን እውን ኣብ ፓሲፊክ ፓሊሳድስ ገዛኦም ከም ዝሰኣኑ ይንገር።

ስፔሪ ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ ስእሊ ናይቲ ሓዊን 'ኢሞጂታት' ዝተሰብረ ልቢን ኣካፊላ።

ሰባት ካብ ገዛኦም ክወጽእ እንከለው ንእንስሳታት ማይ ክገድፉ ኣተሓሳሲባ።

ካልኦት ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ዝተገደዱ ከዋኽብቲ፡ ተዋሳኣይ 'ስታር ዋርስ' ማርክ ሃሚልን ተዋስኣይ 'ሽትስ ክሪክ' ዩጂን ሌቪን ይርከብዎም።

ሃሚል ኣብ ኢንስታግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ባርዕ ድሕሪ እቲ ኣብ ማሊቡ 18 ሽሕ ሄክታር ዝስፍሓቱ መሬት ዘቃጸለን 323 ኣባይቲ ዝዓነወሉን ብ1993 ዘጋጠመ "እቲ ዝኸፍአ ዘስካሕክሕ" ባርዕ ጫካ'ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ሌቪ ብወገኑ፡ ጽዑቕ ትኪን ሃልሃልታን ከም ዝነበረ ብምግላጽ "ዝዀነ ሃልሃልታ ክርኢ ኣይከኣልኩን፤ እቲ ትኪ ግን ኣዝዩ ጽዑቕ ነይሩ" ክብል ንጋዜጣ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ተዛሪቡ።

ተዋስኣይ ካሜሮን ማቲሰን እውን፡ ናይቲ ብሓዊ ዝተቓጸለ ገዛኡ ዑናታት ዘርኢ ቪድዮ ኣካፊሉ።

"ደሓን ኢና። ግን እዚ እዩ እቲ ካብታ ጽብቕቲ ገዛና ዝተረፈ' ገዛና ደቅና ዝዓበዩሉን ሓደ መዓልቲ ደቈም ከዕብዩሉ ዝደልዩዎን እዩ ነይሩ" " ክብል ጽሒፉ።

If I Could Turn Back Time [ኢፍ ኣይ ኩድ ተርን ባክ ታይም] ከምኡ'ውን I Don't Want to Miss a Thingን [ኣይ ዶንት ዎንት ቱ ሚስ አ ቲንግ] ሓዊሱ ክላሲካዊ ደርፍታት ዝደረሰት ዳያን ዋረን እውን ገዛኣ ስኢና እያ።

ኣብ ጥቓ ገዛኣ ዝርከብ ስእሊ ገማግም ባሕሪ ስእሊ፡ እቲ ን30 ዓመታት ዝነበራ ንብረት ከም ዝጠፍአት ገሊጻ።

እዚ ባርዕ ጫካ፡ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባትን ከዋኽብቲ ሆሊውድን ንብረቶም ክስእኑ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።