ወተሃደራት ሩስያ፡ ፍረ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብነጻ ክዕቅቡ ምዃኖም ተገሊጹ

ወተሃደራት ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዩክሬን ንኽዋግኡ ዝተጸውዑ ወተሃደራት ሩስያ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ባንክ ብነጻ ክዕቅቡ ከም ዝኽእሉ ሓደ ፍሉጥ ጠበቓ ሩስያ ገሊጹ።

ሓላፊ ማሕበር ጠበቓታት ሩስያ ኢጎር ትሩኖቭ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ታስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣገልግሎት ነጻ ዕቀባ ንክወሃብን ኣብ ግዴታዊ ሕክምናዊ መድሕን ምምሕያሽ ንክግበረን ጻውዒት ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩን ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር’ውን ምላሽ ከም ዝሃበን ገሊጹ።

ኣብ ዩክሬን ተኸታታሊ ዕንቅፋት ዘጋጠማ ሩስያ 300 ሽሕ ዕቑር ሰራዊት ከም ዘንቀሳቐሰት ይፍለጥ።

ነዚ ስዒቡ፡ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዘርኦም ክዕቅቡ ናብ ክሊኒካት ክኸዱ ከም ዝጀመሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ማሕበር ንሓያሎ መጻምድቲ ወኪሉ፡ ሰብኡት ናብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዝጽውዑሉ እዋን፡ እቲ ኣገልግሎት ንክወሃቦም ክሓትት ከም ዝጸንሐ ኢጎር ትሩኖቭ ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ሩስያ ብዛዕባ እዚ ዛጊት ርእይቶ ኣይሃበን።

እቲ ጠበቓ ግን፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ "ካብ 2022 ክሳዕ 2024 ኣብ ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኽሳተፉ ንዝተጸውዑ ዜጋታት ብነጻ ዕቃበን ምኽዛንን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንክረኽቡ ካብ ባጀት ፌደራል ፋይናንሳዊ ደገፍ ክወሃብ ከም ዝኽእል ወሲኑ" ክብል ንማዕከን ዜና ታስ ሓቢሩ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ የካቲት ንዩክሬን ክትወርር እንከላ ክሳብ 200 ሽሕ ዝበጽሕ ሰራዊት ነይርዋ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ምዕራፍ እቲ ኲናት ዝሓዘቶ መሬት ልዕሊ ፍርቂ ስኢና እያ፤ ብተወሳኺ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸር ክሳራታት ኣጋጢምዋ እዩ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን "ከፊላዊ ምንቅስቓስ" ከም ዘካየደ ኣፍሊጡ ነይሩ፤ ክሳራታት ድማ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ልዕሊ 250,000 ሩስያውያን ደቂ ተባዕትዮ ካብ ምልመላ ንምትራፍ ካብታ ሃገር ሃዲሞም እዮም።

እቲ ጻውዒት ምስ ተገበረ፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት፡ ኣብታ ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ሩስያ ዝኾነት ሴንት ፒተርስበርግ ዝርከብ መርበብ ሓበሬታ ፎንታንካ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይኦም ንምዕቃብን ኣንስቶም ክጥቀማሉ መሰል ዝህብ ሰነዳት ንምድላውን ናብ ክሊኒካት ከም ዝኸዱ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ማሪንስኪ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ኣንድሬይ ኢቫኖቭ፡ ናብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑን ካብታ ሃገር ክወጹ ዝሓሰቡን ደቂ ተባዕትዮ ዘርኢ ክዕቅቡ ከም ዝመጹ ገሊጹ።

ሩስያውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን "ዝኾነ ነገር እንተተፈጠረ" ብዝብል ናብተን ክሊኒካት ሳሕቲ ጥራይ ከም ዝኸዱ መርበብ ሓበሬታ ፎንታንካ ይሕብር።፤

ዘርኢ ወዲ ተባዕታይን እንቋቑሖ ጓል ኣንስተይቲን ንምዕቃብ ሓሲቦም ከም ዘይፈልጡ’ውን ወሲኹ ይገልጽ።

ይኹን እምበር፡ እዚ ፍታሕ እዚ፡ ሓደ ሰብኣይ ዋላ’ኳ እንተ ሞይቱ ወይ ናይ ምፍራይ ዓቕሙ እንተኣጥፊኡ፡ ኣብ ቀጻሊ ውላድ ክህልዎ ይኽእል እዩ ማለት እዩ።