ሩስያ፡ ዋጋ ነዳዲ ንዝደረታ ሃገራት መሸጣ ነዳዲ ኣቋሪጻ

ሩስያ፡ ዋጋ ነዳዲ ንዝደረታ ሃገራት መሸጣ ፔትሮል ኣቋሪጻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሩስያ፡ ዋጋ ነዳዲ ንዝደረታ ሃገራት መሸጣ ፔትሮል ኣቋሪጻ

ሩስያ፡ ነተን ኣብዚ ወርሒ፡ ዋጋ ነዳዲ ንበርሚል ክንድዚ ክኸውን ኣለዎ ክብላ ኣቐዲመን ናይ ዋጋ ገደብ ዝገበራ ሃገራት ምዕራብን ምስአን ዝተሰማምዓ ኩባንያታትን መሸጣ ነዳዲ ኣጊዳ ኣላ ።

እተን ብጉጅለ ሸውዓተ (G-7) ዝፍለጣ ኣውስትራልያ እትርከበን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝተሰማምዓሉ ደረት ዋጋ ነዳዲ ካብ 5 ታሕሳስ 2022 እዩ ጀሚሩ።

እተን ሃገራት ንሓደ በርሚል ነዳዲ ሩስያ ልዕሊ 60 ዶላር ንከይከፍላ እዩ ዝኽልክል።

ኣብዚ እዋን እዚ ሩስያ ንዋጋ ነዳዲኣ ገደብ ዝገብር ዝኾነ ይኹን ወገን ከም ዘይትሸጠሉን እቲ ንእገዳ ዝምልከት ፕረዚደንታዊ ኣዋጅ ካብ 1 ለካቲት ክሳዕ 1 ሓምለ ንሓሙሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ምዃኑ ይሕብር።

እንተዀነ፡ እቲ ኣዋጅ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቲን ንገለ ካብተን ኣብቲ እገዳ ዝወደቓ ሃገራት "ፍሉይ ፍቓድ" ክህብ ከም ዝኽእል የረድእ።

ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ካብ መሸጣ ነዳዲ ጂ-7 ዝረኽቦ ኣታዊታት ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘካይዶ ዘሎ ውግእ ምእንቲ ከይጥቀመሉ እዮም ነቲ ደረት ዋጋ ነዳዲ ወሲኖምዎ።

ዋላ’ኳ ምዕራባውያን ድሕሪ ወራር ዩክረይን ካብ ሩስያ ዝገዝአኦ ዝነበራ ጠለብ ነዳዲ እንተነከያ፡ ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንከም ህንድን ቻይናን ንዝኣመሰላ ሃገራት እውን ስለ ዝጸለወን ኣታዊ ሩስያ ኣዝዩ ጐዲሉ እዩ ጸኒሑ ።

ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ወራር ዩክረይን ኣብቲ ብባሕሪ ዝኣቱ ዘይተጻረየ ነዳዲ ሩስያ ዘንበሮ እገዳ ገና ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን እውን ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳ ኣንቢረን እየን።

እቲ ናይ ዋጋ ምድራት ንኣታዊታት ነዳዲ ሩስያ ንምንካይ ዝዓለመ ኰይኑ ናይ ኤውሮጳ ታንከራትን ይኹና ናይ መድሕን ኩባንያታትን ብልዕሊ 60 ዶላር ንበርሚል ዝሽየጥ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንኸይለኣኽ ይኽልክላ።

ዝበዝሕን እቲ ቀንድን ነዳዲ ዝልእኽ ናይ መድሕን ትካላት ብሃገራት ጂ-7 ዝተመስረተ እዩ።

ይኹን እምበር ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ዩክረይን ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ እቲ ዝተገብረ ደረት ዋጋ ነዳዲ "ድኹምን ንቑጠባ ሩስያ ዘይሃስን እዩ” ክብል ኣነኣኢሱዎ ነይሩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ሩስያ ኣንቶን ሲሉኖቭ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ እቲ ሃገራት ምዕራብን ጉጅለ 7 ሃገራትን ዘንበረኦ ናይ ነዳዲ መሸጣ ዋጋ ደረት፡ ናይ ሩስያ ዓመታዊ ባጀት ካብቲ ኣብ 2023 ካብ ሽያጥ ነዳዲ ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሃገራዊ ጃምላዊ እቶት 2 ሚኢታዊት ሕጽረት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ነዳዲ ብ80 ዶላር ንበርሚል እዩ ዝሽየጥ ዘሎ። ኣብ መጋቢትን ሰነን 2022 ግን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 120 ዶላር በጺሑ ነይሩ።