ዩክረይን፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሩስያ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ወታሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንገልስ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES/HANDOUT VIA REUTERS

ዩክረይን ኣብ ደቡባዊ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኢንገልስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ድሮን ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።

መከላኸሊ ኣየር ሩስያ ነታ ድሮን ወቒዖም ከም ዘውደቕዋ ዝተገለጸ ኰይኑ፡ ስብርባር እታ ድሮን ነቲ ጉድኣት ከም ዘብጸሐ ተገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ዩክረይን ኣብቲ ኣብ ልዕሊኣ ተደጋጋሚ ደብዳባት ዘካይዳ ነፈርቲ ዝብገሳሉ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ፈጺማ ክትብል ሩስያ ከሲሳ ነይራ።

እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ካብ ዶብ ዩክረይን ኣስታት 500 ኪሜ ርሒቑ እዩ ዝርከብ።

ሰብመዚ ዩክረይን ዛጊድ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝሃብዎ መግለጺ የለን፤ ኢዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንበርግ ግና እቲ ፍጻመ ንሰብ መዚ ሩስያ ዘሕፍር ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ መከላኸሊ ኣየር እታ ሃገር ነታ ኣብ ትሑት ብራኽ እትበርር ዝነበረት ድሮን ዩክረይን ሎሚ ወጋሕታ ወቒዖም ከም ዘውደቕዋ ገሊጹ።

ስብርባር ናይታ ድሮን ሰለስተ ወተሃደራት ከም ዝቐተለ እውን ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ሳራቶቭ፡ ሮማን ቡሳሪን፡ ንስድራ እቶም መወትቲ መልእክቲ ጽንዓት ይሃብኩም ኣብ ዘመሓላለፈሉ፡ ነበርቲ ከተማ ኢንገልስ ስግኣት ክሓድሮም ከም ዘይግባእ ገሊጹ።

ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ነትጉን ድምጺ መጠንቀቕታ መዕርፎ ነፈርትን ዝመስል ድምጺ ዘለዎ ቪድዮ ኣካፊሎም ነይሮም።

በቲ ኣብ 5 ታሕሳስ 2022 ኣብቲ መዕርፊ ነፈርትን ካልእ ኣብ ክልል ርያዛን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርትን ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ፡ ተወቒዓ ናይ ዝወደቐት ድሮን ስብርባር ሰለስተ ሰባት ከም ዝቐተለ ሰብመዚ ሩስያ ገሊጾም ነይሮም።

ሰራዊት ዩክረይን ግን ኣብዞም መጥቃዕቲታት ዝሃቦም ርእይቶ ኣይነበረን።

ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንገልስ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር ደብዳባት ንምፍጻም ተጠቒማትሉ እያ።

ሩስያ፡ ዩክረይን ዶብ ጥሒሳ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመትላ እኳ ብተደጋጋሚ ክትከስስ እንተጸንሐት እቶም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከም ዝተፈጸሙ ዝተገለጹ መጥቃዕቲታት ግን ኣዐርዮም ናብ ውሽጢ ሩስያ ዝኣተዉ እዮም።