ኣብ ማእከል ኣረጋውያን ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 20 ሰባት ሞይቶም

ባርዕ ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሳይቤርያ ከተማ ኬሜሮቮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣረጋውያን ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ሩስያ ገሊጾም።

ካልኦት 6 ሰባት ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ።

ምሉእ ላዕለዋይ ደርቢ ናይቲ ካብ ዕንጨይቲ ዝተስርሐ ክልተ ደብሪ ህንጻ፡ በቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ዓንዩ።

ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ጠንቂ ብሰንኪ ባርዕ ብልሽት ዘለዎ መሞቒ መፍልሒ (ቦይለር) ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብሩ።

እቲ ንኣረጋውያን ዝኸውን ናይ ብሕቲ ገዛ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ሰበስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ታስ ሓቢሩ።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ከም ዝተዋፈሩን እቲ ባርዕ ሓዊ ትማሊ ሰንበት ኣጋ ምሸት ከም ዝጠፍአን ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኩሎም ተመሳሰልቲ መሳለጥያታት ክምርመሩ ምዃኖም ገሊፆም።

ዛጊድ ገበናዊ መርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።

ሰበስልጣን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ እቲ ከባቢ ንታስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብ መላእ ሩስያ ብዙሓት ዘይተመዝገቡ ማእከላት ኣረጋውያን ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

ከምኡ ስለዝኾኑ ድማ ከም ናይ ብሕቲ ንብረት ተቖፂሮም ድሕንነት ባርዕ ሓዊ ምርመራ ኣይግበረሎምን።

ኣብ 2018 ኣብ ከተማ ኬሜሮቮ ብዝተፈጥረ ባርዕ መዘናግዒ ማእከል 60 ሰባት - 37 ህጻናት ዝርከብዎም - ምማቶም ዝዝከር እዩ።