ግብጺ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ብዝተላዕለ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 41 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ግብጺ ኣብ ጊዛ ዝርከብ ቅብጣዊ ቤተክርስትያን ብዝተፍጥረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሑዱ 41 ሰባት ሞይቶም። መብዛሕትኦም ካብቲ ሓደጋ ንምህዳም ኣብ ዝዳፍእሉ እዋን ብዝተፈጥረ ምጭፍላቕ እዮም ሞይቶም።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ቍጽሪ ዝሞቱ ብውሕዱ 41 ከምዝዀነን፡ ብዓሰርተታት እውን ከምዝቘሰሉ ገሊጾም። ካብቶም ዝሞቱ ህጻናት ከምዝርከብዎም ይእመን።
5 ሽሕ ኣምለኽቲ ኣብ ቤተክርስትያን ኮፕቲክ ኣቡ ሲፊን ንቅዳሴ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን፡ ባርዕ ኤሌክትሪክ ከምዝተላዕለ ምንጭታት ጸጥታ ንሮይተርስ ሓቢሮም።
እቲ ባርዕ ንሓደ መእተዊ መንገዲ ዓጽዩ፡ ዕግርግር ከም ዘስዓበ እውን ገሊጾም።
ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከምዝኣተወ ሓቢሩ’ሎ።
ይዅን እምበር ኣብ ከባቢ ኢምባባ ካብ ዝርከብ ካልእ ጎረቤት ቤተክርስትያን ዝመጹ ኣቡነ ፋሪድ ፋህሚ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ምትንኻፍ ገመዳት ኤለትሪክ ከምዝተፈጥረ ገሊጾም።
"መብራህቲ ስለዝጠፍአ ጀነሬተር ይጥቀሙ ነይሮም፡" ይብሉ። "እቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሃንደበት ክምለስ ከሎ ልዕሊ ዓቐን ክኸውን ክኢሉ።"
ኣመንቲ፡ ብዛዕባ'ቲ ባርዕን ዝሰዓበ ኵነታትን ይገልጹ ኣለው።
"ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን ደርቢ ሰባት ተኣኪቦም ነይሮም፣ ካብ ካልኣይ ደርቢ ድማ ትኪ ክወጽእ ርኢና። ሰባት ብመደያይቦ ክወርዱ ተጓይዮም ኣብ ልዕሊ ንሕድሕዶም ድማ ክወድቁ ጀሚሮም" ክብል ያሲር ሙኒር ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
"ድሕሪኡ ካብ መስኮት ማሕታ ሓዊ ክወጽእ ሰሚዕና" ዝበለ ያሲር ንሱን ጓሉን ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ስለዝነበሩ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉን ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ፡ "ንቤተሰብ እቶም ምስ ጎይታኦም ክኾኑ ህይወቶም ዝሰኣኑ ንጹሃት ግዳያት ልባዊ ጽንዓት ይሃብኩም፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ጠንቂ እቲ ባርዕ ንምጽራይ ናብቲ ቦታ ጕጅለ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ’ሎ።
ጊዛ ካብ ካይሮ ስግር ሩባ ኒል ትርከብ ኰይና ኣካል ዓባይ ከተማ ካይሮ እያ።
ቅብጣውያን ክርስትያናት ካብቶም 103 ሚልዮን ህዝቢ ግብጺ፡ እንተወሓደ 10 ሚልዮን ይዀኑ።
ቅብጣውያን ክርስትያናት ኣድልዎ ከምዘጋጥሞምን ኣብ ህዝባዊ ህይወት ግብጺ ዝወሓደ ተራ ከምዘለዎምን ይዛረቡ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



