ዘይንቡር ሃሩር ኤውሮጳ ቀታሊ ባርዕ የልዕል ኣሎ

ባያኦ ፖርቱጋል፡ እቲ ኣብ ሰሜን ዘሎ ባርዕ ካብ 2017 ኣትሒዙ እቲ ዝኸፍአ እዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ፖርቱጋል፡ ስጳኛን ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳን ሓያል ባርዕ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊን ሓያሎ ነፈርቲን፡ ነቲ ባርዕ ደው ከብሉ ይረባረቡ ኣለው። እንተዀነ እቲ ባርዕ ዛጊት ክዝሕል ኣይተራእየን።

ኣብ ሰሜን ፖርቱጋል ሓንቲ ነፋሪት ምጥፋእ ሓዊ፡ ፎዝኮኣ ኣብ ዝበሃል ቦታ ድሕሪ ምውዳቓ ህይወት እቲ ፓይለት ከምዝጠፍአ'ውን ተፈሊጡ።

እቲ ባርዕ፡ ጊሮንድ ኣብ ትበሃል ዞባ ፈረንሳ ብሰንኪ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወት፡ ልዕሊ 12,000 ሰባት ካብቲ ከባቢ ንኽወጽኡ ምኽንያት ኰይንዎም ኣሎ።

እቲ ባርዕ ናብ ኵድዅዶታት ሚጃስ ደቡባዊ ስጳኛ ምስተዘርገሐ፡ ኣብ ጥቓ ኮስታ ደል ሶል ዝነበሩ ኣስታት 2,300 ሰባት’ውን ካብቲ ከባቢ ክሃድሙ ተገዲዶም ኣለው።

እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ሰብ ነቲ ኣብ ጥቓ ደቡባዊ ምዕራብ ገማግም ኣትላንቲክ ፈረንሳ ዘጋጠመ ባርዕ፡ "ድሕረ-መቕዘፍቲ" ክብል ገሊጹ።

ኣብ ጥቓ ተስት-ደ-ቡኽ ትነብር ካሪን ብወገና፡ "ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ነገር ርእየ ኣይፈልጥን፡" ክትብል ንኤ.ኤፍ.ፒ ገሊጻ።

ኣብቲ ከባቢን ኣብ ደቡብ ቦርዶን ዘጋጠመ ባርዕ፡ ልዕሊ 10,000 ሄክታር መሬት ከዕኑ እንከሎ፡ ኣስታት 3,000 ዝዀኑ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምስቲ ባርዕ ይቃለሱ ኣለው።

ኣብ ፖርቱጋል፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ 47 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ሙቐት ክምዝገብ እንከሎ፡ ኣብ ስጳኛ ድማ ልዕሊ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ከምዝበጽሐን፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዛጊት 300 ሰባት ከምዝሞቱን ማዕከን ዜና ስጳኛ ኤፈ ኣቃሊሑ።

ኣብ ፖርቱጋል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ባርዕ ዝለዓለሉ ከባቢ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ፖርቶ እዩ። ኣብዚ ዓመት 30,000 ሄክታር መሬት ብሓዊ ክዓኑ እንከሎ፡ እዚ ኣብ 2017 ካብ ዝተራእየ፡ 100 ዝኣኽሉ ሰባት ንዝቐተለ ሙቐት ዝሰዓበ፡ ዝኸፍአ ሙቐት ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ባርዕ ኣብ ካልኦት ክፍሊታት መዲተራንያን’ውን ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ። ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ኣብ ከባቢ ፓቫሊ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ኵነታት ኣውጺኡ ኣሎ።

ደቡባዊ ስጳኛ፡ ኣብ ኵድዅዶታት ሚጃስ ዘጋጠመ ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ግሪኽ’ውን፡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቴንስ ኣስታት 50 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ፈሪዛ ምስ ዝተላዕለ ባርዕ ይቃለሱ ኣለው። ብሰንኪ’ዚ፡ ኣብ ጥቓ ረቲምኖ፡ ነበርቲ ሸውዓተ ቁሸታት መረበቶም ሓዲጐም ከም ዝወጽኡ ተገይሩ’ሎ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞሮኮ፡ ነበርቲ ኣውራጃታት ላራቺ፡ ኡዌዛን፡ ታዛን ቴቶዋን ብሰንኪ ሙቐት ብዘተፈጥረ ባርዕ፡ ከባቢኦም ሓዲጐም ክግዕዙ ተገዲዶም ኣለው። ኣብ ከባቢ ክሳር ኣልከቢር ትርከብ ሓንቲ ቍሸት፡ ምሉእ ብምሉእ ክትዓኑ እንከላ፡ እንተ ወሓደ ሓደ ሰብ ሞይቱ’ሎ።

ፈረንሳ፡ ኣስታት 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ብዝበጽሐ ብርቱዕ ሃሩር ትሳቐ’ላ። እዚ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ክገድድ ከም ዝዀነ ትንበያታት ኵነታት ኣየር የመልክት። 16 ትካላት ድማ ዝኸፍአ ክሊማ ከየጋጥም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተጠንቀቕ ኰይነን ብንቕሓት ይከታተላ ኣለዋ።

ሓላፊ ፈደረሽን መጥፋእቲ ሓዊ ፈረንሳ ግሬጎሪ ኣሊዮን፡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ኣመልኪቱ፡ "ነዚ ጽልዋ እዚ መዓልታዊ ዝቃለሱ ዘለው፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊን ሲቪላዊ ድሕነት እዮም። እዚ ሳዕቤን እዚ ኸኣ ኣብ 2030 ዝመጽእ ዘይኮነስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ እዩ፡" ክብል ኣጠንቂቝ’ሎ።

ብሰንኪ ተግባር ደቂሰብ ዝተፈጥረ ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ፡ ማዕበላት ሃሩር እናበዝሐ፡ እናኸበደን ነዊሕ እናጸንሐን ይኸይድ ኣሎ። ካብ ዘመነ ኢንዱስትሪያውነት ኣትሒዙ፡ ሙቐት ዓለም ድሮ ብ1.1 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ወሲኹ።

መንግስታት ዓለም፡ እቲ ጠንቂ’ዚ ክስተት ዝዀነንጽገት ካርቦን ብዓቢይ መጠን ከም ዝንኪ እንተ ዘይገይሮም፡ ሙቐት ዓለምና እናበኣሰ ከም ዝኸይድ ይግለጽ።