ኣብ ኢራን ብዝተፈጸመ ፍንጀራ ቦምባ 84 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ጽርግያ ዝወደቑ ሬሳታት ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU

ኣብቲ ብኣሜሪካ ከምዝተቐተለ ዝዝረበሉ ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ ኣብ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ቅትለቱ ኣብ ጥቓ መቓብሩ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ቦምባ፡ 84 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ጸብጺበን።

እቲ ፍንጀራ ኣብ ከተማ ኬርማን ኣብ ጥቓ መስጊድ ሳሕብ ኣ'ዘማን ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ዘጋጠመ ኰይኑ ብርክት ዝበሉ ሰባት ቈሲሎም።

ኣቐዲሙ ቁጽሪ 95 ከምዝዀነ'ኳ ተገሊጹ እንተነበረ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ሓላፊ ህጹጽ ኣገልግሎት ኢራን ብዝገበሮ ገምጋም 84 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ሚኒስተር ጥዕና ኢራን ገለ ኣስማት ብጌጋ ክልተ ግዜ ተመዝጊቦም ስለዝነበሩ ዝተፈጠረ ጌጋ ከምዝዀነ'ዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጽርግያ ሬሳታት ወዲቘምን ኣምቡላንሳት ናብቲ ቦታ ክጓየያን ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።

ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ፡ እቲ "ሽበራዊ መጥቃዕቲ"፡ “ተሪር ምላሽ" ከምዝወሃቦ ቃል ኣትዩ።

ኣብ ኢራን ኣብ ውሽጢ 42 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ከምዝዀነ ዝተኣመነሉ ፍጻመ ክሳዕ ሕጂ ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ጕጅለ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሲቪላትን ሓይልታት ጸጥታን መጥቃዕቲ ኣካይዶም ዝነበሩ ጕጅለታት ከም እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝኣመሰሉ ሱኒ ጅሃዳውያን ጕጅለታትን ፈጺሞምዎ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ጥርጣረታት ኣሎ።

ጀነራል ሱሌማኒ ኣብ 2020 ኣብ ጐረቤት ሃገር ዒራቕ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣሜሪካ ቅድሚ ምቕታሉ፡ ድሕሪ እቲ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣብታ ሃገር እቲ ዝሓየለ ሰብ ኰይኑ ይርአ ነይሩ።

እዚ ናይ ረቡዕ መጥቃዕቲ፡ ምክትል መራሒ ናይቲ ብኢራን ዝድገፍ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ሓማስ ኣብ ሊባኖስ ብመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እስራኤል ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብቲ ዞባ ዝያዳ ወጥሪ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን’ዩ ተፈጺሙ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብመንግስታዊ ተሌቪዥን ኢራን ዝተመሓላለፈ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከምዘመልክቶ፡ እቲ ፍንጀራታት ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ቃስም ሱሌማኒ ብዘርኢ ባነራት ኣብ ዝማዕረገ ጽርግያ፡ ብዙሕ ህዝቢ ይሳተፍ ከምዝነበረ ይሕብር።

ድሕሪ ሓደ ካብቲ ፍንጀራታት ሰባት እናእወዩ ብስንባደ ክሃድሙ ይረኣዩ ነይሮም።

ክልተኡ ፍንጀራታት ኣብ ውሽጢ 15 ደቂቕ ፍልልይ ዝተፈጸመ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ነቶም በቲ ቀዳማይ ፍንጀራ ተሰናቢዶም ዝሃድሙ ሰባት ዕላማ ዝገበረ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ከርማን ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲኦም ፍንጀራታት ካብ ነቝጣታት ጸጥታ ወጻኢ ከምዘጋጠሙን፡ ሰብመዚ ብቦምባታት ከምዝተፈጸመ ርግጸኛታት ምዃኖምን ገሊጹ።

እንተዀነ ብርሑቕ ድዮም ብነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተፈጺሞም ዝብል ሕቶ ግን ዛጊት ንጹር ከምዘይኰነ ገሊጹ።

እቲ ምስ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ዝምድና ከምዘለዎ ዝዝረበሉ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ ኣቐዲሙ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ "ቦምባ ዝሓዛ ክልተ ቦርሳታት" "ብሪሞት ኮንትሮል" ከምዝተፈንጀራ ኣቃሊሑ።

"ናብ መቓብር ገጽና እናተጓዓዝና እንከለና፡ ሃንደበት ብድሕረና ሓንቲ መኪና ደው ኢላ ካብኡ ቦምባ ዝሓዘ እንዳ መጕሓፊ ተፈንጂሩ" ክብል ሓደ ምስክር ዓይኒ ሓቢሩ።

እቲ ምስክር ኣስዒቡ፡ "ድምጺ ናይቲ ፍንጀራ ጥራይ ኢና ሰሚዕና፡ ሰባት ክወድቁ ርኢና" ኢሉ።

ሚኒስትር ጥዕና ኢራን ባህራም ኢኖላሂ፡ ካብቶም ዝሞቱ 95 ሰባት ብተወሳኺ 211 ሰባት ከምዝቘሰሉን 27 ድማ ኣብ ኣዝዩ ዘፍርሕ ኵነታት ከምዝርከቡን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢራን ኣሕመድ ዋሂድ፡ እቲ ካልኣይ ፍንጀራ ዝበዝሑ ሰባት ከም ዝቐተለን ከምዘቝሰለን ብምግላጽ ኣብ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ መን ከም ዝነበረ ንምፍላጥ መርመራ ከም ዝተጀመረን ሓቢሩ።

ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንስድራ ግዳያት በቲ ፍጻመ ሓዘን ከምዝተሰምዖ ገሊጹ።

"እኩያትን ገበነኛታትን ጸላእቲ ህዝቢ ኢራን ዳግማይ ሓደጋ ፈጢሮም ኣብ ከርማን ብዝሒ ዘለዎም ሰባት ሰዊኦም" ድማ ኢሉ።

ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ኢራን ነበር ሮብ ማካይር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብድሕሪ እቲ ፍንጀራታት መን ከምዝነበረ ንጹር ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ብምዅናን "ንሓዘንተኛታት ስድራን ህዝብን መንግስትን ኢራን "ዓሚቝ ሓዘን ከምዝተሰመዖ ብወሃቢ ቃሉ ኣቢሉ ገሊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ብትሪ ኮኒኑ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ ነቲ መጥቃዕቲ “ጭካነኣዊ ዝተመልኦ ዘሰንብድ ፍጻመ” ክብል ገሊጽዎ።

መራሒ ምንቅስቓስ ሕዝቦላህ ሊባኖስ፡ “እቶም ግዳያት ሰማእታትና እዮም" ኢሉ።

ጀነራል ሱሌማኒ ከም ኣዛዚ ናይቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ስርሒታት ሓለዋ ሰውራ፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሃንዳሲ ፖሊሲ ኢራን እዩ ነይሩ።

ከም ሓላፊ ሕቡእ ተልእኾታት ድማ ንሕዝቦላህን ሓማስን ሓዊሱ ንመሓዙት መንግስታትን ዕጡቓት ጕጅለታትን መምርሒ፣ ምወላ፣ ኣጽዋር፣ ስለያ፣ ሎጂስቲካዊ ደገፍን ይህብ ከምዝነበረ’ዩ ዝግለጽ።

ነቲ ናይ 2020 መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኣዘዘ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ንሱሌማኒ "ኣብ ዝዀነ ይዅን ክፋል ዓለም ቍጽሪ ሓደ ሽበራዊ" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ትሕቲ ትእዛዙ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣማኢት ኣመሪካውያን ሲቪላትን ኣባላት ኣገልገሎትን ከምዝቐተሉ ድማ ከሲሱ።

መንግስቲ ኢራን ንኣሜሪካ ብተግባር ኣህጉራዊ ግብረሽበራ ብምኽሳስ ንትራምፕን ካልኦት ሰበስልጣንን ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዘውጽኣሎም ይፍለጥ።