ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ኣካይዱ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉን ዕጡቓት ጉጅለታት መጥቃዕቲ ኣካይዱ።
እዚ ዝዀን ዘሎ ኣብ ዒራቕ ኣብ መዓስከር ኣየር ኣመሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ ድሕሪ ምቑሳሎም’ዩ።
ሓላፊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ካታይብ ሂዝቦላህን ካልኦት ጉጅለታትን ዝጥቀሙሉ ሰለስተ ቦታታት ከም ዝተሃርሙ ሓቢሩ።
ዒራቕ፡ ንመጥቃዕቲ ኣመሪካ፡ "ንጹር ተግባር ተጻባኦ" ክትብል ኰኒና ኣላ።
ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ ዕጡቓት ጉጅለታት ዒራቕን ሶርያን ዝተኣሳሰሩ ቦታታት ብተደጋጋሚ ዒላማ ገይራ'ያ።
ዒራቕ፡ ብሰንኪ እቲ ብኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ሲቪላት ዝርከብዎም 18 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሎይድ ኦስቲን፡ እቲ "ኣድላዪን ተመጣጣንን" ዝበሎ መጥቃዕቲ፡ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተፈቕደ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዞባ ኩርዲስታን ዒራቕ፡ ኢርቢል ኣብ ዝተበሃለ ቦታ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣመሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ሰለስተ ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ ከም ዝቖሰሉን፡ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ከቢድ ኵነታት ከም ዝርከብን ወሃቢት ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኣድሪን ዋትሰን ገሊጻ።
ኣብ ዒራቕ እስላማዊ ሓይሊ ብዝብል ዝጽዋዕ ምስ ካታይብ ሂዝቦላህ ርክብ ዘለዎ እኩብ ምልሻ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወስድ ገሊጹ።
መዓስከር ኣየር ኢርቢል ቅድሚ ሕጂ ምስ ኢራን ዝተኣሳሰሩ ሚሊሻታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝተሃርመ ይፍለጥ።
ብኢራን ዝምወልን ዝዕጠቕን ካታይብ ሂዝቦላህ፡ ኣብ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣሜሪካ ኣብ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲ ካብ ዝሳተፉ ፍሉጣት ጉጅለታት ሓደ እዩ።
ኣካል ናይቲ ምስ ዕጡቕ ሓይልታት ዒራቕ ዝተዋሃሃደ ጉጅለ ምልሻ ሓሽድ ኣል ሻዕቢ ምዃኑ’ውን ይንገር።
ዒራቕ መሓዛ ናይተን ሓድሕደን ዝጻልኣ ኣመሪካን ኢራንን እያ። ኣመሪካ፡ ኣብ ዒራቕ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዳግማይ ከይለዓል ብዝብል ብዕድመ መንግስቲ እታ ሃገር ዝሰፈሩ ኣስታት 2500 ወተሃደራት ኣለውዋ።
ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ድማ ንኣይኤስ ንምግታእ ዝዓለሙ ኣስታት 900 ወተሃደራዊ ኣባላት ኣመሪካ ኣለዉ፤ መንግስቲ ሶርያ ግን ህላወኦም ከም ዘይሕጋዊ’ዩ ዝቖጽሮ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







