ኣመሪካ፡ ሓንቲ ናይ ፅዕነት መርከብ ብሰብ-ኣልቦ-ነፋሪት ኢራን ከምዝተሃርመት ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ቀዳም ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ሓንቲ ናይ ኬሚካል ፅዕነት መርከብ፡ ካብ ኢራን ብዝተበገሰት ሰብ-ኣልቦ-ነፋሪት ከምዝተሃርመት ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ።
ፔንታጎን፡ እታ ኬም-ፕሉቶ ተባሂላ እትፅዋዕ መርከበ፡ "ካብ ገማግም ባሕሪ ህንዲ 200 ኖቲካል ማይልስ (370 ኪ.ሜ)" ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 10፡00 ከምዝተሃርመት ሓቢሩ።
ኣብታ መርከብ ዝተወለዐ ባርዕ ሓዊ ጠፊኡ። ዝኾነ ዘጋጠመ ሞት እንተሎ ኣይተነፀረን።
ኢራን፡ ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝተሰምዐ ክሲ ዛጊድ ርእይቶ ኣይሃበትሉን።
እንተዀነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ-ፅዕነት፡ ብሰብ-ኣልቦ-ነፈርትን ሮኬትን ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ይፍጸሙ ኣለዉ።
ብካልእ ወገን፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ (CENTCOM) ብቀዳም፡ “ካብ ሑቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት የመን ናብ ዓለምለኻዊ መስመራት መራኽብ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ክልተ ፀረ-መራኽብ ባሊስቲክ ሚሳይላት ተተኲሶም" ክብል ከሲሱ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ከባቢ ትዛውን ዝነበረት መርከብ ኲናት ዩኤስኤስ ላቡን፡ "ካብቲ ብሑቲ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት የመን ዝብገሳ ኣርባዕተ ሰብ-ኣልቦ-ነፈርቲ ናብ መርከብ ኣመሪካ እንተምርሓ፡ ወቒዓ ከምዘውደቐት" ገሊፃ።
ድሕሪ ቀትሪ ኣብታ መዓልቲ፡ ሓንቲ ‘ዘይተጻረየ ነዳዲ’ ዝፃዓነት መርከብ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሑቲ ከምዝተሃርመት ክሕብር እንከሎ፡ ካልእ ታንከር ድማ ዳርጋ ንሕንጢጣ [ንስክላ] ኣምሊጣ።
እቶም ንመብዛሕትኡ ክፋል የመን ዝቆጻጸሩ ዕጡቓት ሑቲ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ ዒላማ ይገብሩ ከምዘለዉ እዮም ዝዛረቡ።
ብዙሓት ዓበይቲ ዓለማዊ ቃፍላ መራኽብ፡ ብሰንኪ’ቲ እናሰወኸ ዝመፅአ ሓደጋ መጥቃዕቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ስርሖም ኣቋሪጾም ኣለዉ።
ፔንታጎን እታ ዝተሃርመት መርከብ-ፅዕነት፡ "ባንዴራ ላይበርያ እተንበልብል፣ ብጃፓናውያን እትውነንን ብሆላንድ እትሰርሕትን" ምዃና ገሊጻ።
ኣቐዲሙ፡ ትካል ጸጥታ ባሕሪ ኣምብሬይ፡ እታ መርከብ ምስ እስራኤል ምትእስሳር ከምዘለዋን፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ህንዲ ትጓዓዝ ከምዝነበረትን ገሊጹ ነይሩ።
ኣምብሬይ፡ እቲ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ክንድዚ ርሒቑ ብኢራን ዝፍነው ዘሎ መጥቃዕቲ፡ እቲ ከባቢ "ዝለዓለ ስግኣት ዝበዝሖ" ገይሩዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ሓገዝ ንምቕራብ ነፈርትን መራኽብ ውግእን ሰዲዱ።
ድሒሩ ሓደ ኣዛዚ ሓለዋ-ሰውራ-ኢራን፡ "ኣመሪካን መሻርኽታን ኣብ ቃዛ ገበን ምፍጻመን እንተቐጺለን" ካብ ቀይሕ ባሕሪ ወጻኢ ካልእ መስመራት ባሕሪ ክትዓግት ከምእትግደድ ኣጠንቂቑ።
ብርጌድ ጀነራል መሓመድ ረዛ ናቕዲ፡ እቲ ስጉምቲ ንማእከላይ ባሕርን መጻብቦ ጂብራልተርን ከጠቓልሉ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እዚ መስርሕ ብኸመይ ከምዝፍጸም ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







