ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ዋጋ ነዳዲ ከይውስኽ ተሰጊኡ

ኮንተይነራት ዝጸዓነት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ዋጋ ነዳድን ካልኦት ኣቝሑን ከንህር ተኽእሎ ከምዘለዎ ተንተንቲ ኣጠንቂቘም።

ዕጡቓት ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ብዙሓት ትካላት በቲ መስመር ጽዕነት ምትሕልላፍ ደው ኣቢለን ኣለዋ።

ኣብ ዓለም ብዕብየቱ ካልኣይ ዝዀነ ትካል ንግዲ መርከብ መርስክ፡ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገሊአን መራኽቡ መስመር ጕዕዞአን ብደቡባዊ ኣፍሪቃ ‘ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ’ ክኸውን ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ።

እቲ ምትዕንቓፍ፡ ኣመሪካ ኣብ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ዓለምለኻዊ ወፍሪ ሓይሊ ባሕሪ ከተካይድ ኣገዲዱ ኣሎ።

ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ፈረንሳ፡ ባሕረይን፡ ኖርወይን ስጳኛን ናብቲ ‘ኦፐሬሽን ፕሮስፐሪቲ ጋርድያን’ ዝብል ስያመ ዝተወሃበ ወፍሪ ጸጥታ ተጸንቢረን ኣለዋ።

ቻይና፡ ኣብ ምክልኻል ክስዕብ ዝኽእል መጥቃዕቲታት ሃናጺ ተራ ክትጻወት እውን ኣመሪካ ጸዊዓ ኣላ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብቲ ኣውሮጳን እስያን ዘራኽብ ወሳኒ መስመር ዝርከበሉ ወሽመጥ ባብ ኣል-መንዳብ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ከምዝቕጽሉ ድሕሪ ምሕናዮም እዩ ተንተንቲ መጥንቀቕታ ሂቦም ዘለዉ።

ላዕለዋይ መራሒ ሑቲ መሓመድ ኣል-ባካቲ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኣመሪካ፡ ንመላእ ዓለም'ውን እንተለዓዓለት፡ ወተሃደራዊ ወፍርና ደው ኣይክነብልን. . . ዘኽፈልና መስዋእቲ ብዘየገድስ” ኢሉ።

ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ምስ ሚኒስተራት ልዕሊ 40 ሃገራት ብማንዛ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብቲ ጸጥታ ንምውሓስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ተሳትፎ ክገብራ ጸዊዑ።

“ዘይሓላፍነታዊ መጥቃዕቲታት ሑቲ ከበድቲ ዓለምለኻዊ ጸገማት እዮም። ብርቱዕ ዓለምለኻዊ ግብረ መልሲ ድማ ይጠልቡ” ኢሉ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ብሪጣንያ ብግደኡ፡ ብሰንኪ እቲ “እናሓመቐ” ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ኤችኤምኤስ ዳያመንድ ዝተባህለ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ናብቲ ሓይሊ ዕማም ከምእትሕወስ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓለም ነዳዲ፡ ባህሪያዊ ጋዝን ካልኦት ሃለኽቲ ኣቑሑትን ብብዝሒ ካብ ዝሓልፈሎም ቀንዲ መንገዲታት ሓደ እዩ። ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ዝርከብ ወሽመጥ ባብ-ኣልመንዳብን (ብደቡብ) ስዊዝ ካናልን (ብሰሜን) ክሳዳት እቲ መስመር እዮም።

ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ቓዛን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንሓማስ ዘለዎም ድጋፍ ዝኣወጁ ኰይኖም፡ ናብ እስራኤል ይኸዳ እየን ኢሎም ኣብ ዝኣመኑወን መራኸብ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙ እዮም ዝገልጹ።

እንተዀነ ከም ኢንቨሰተር ከሚካል ታንከርስ ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ኣብ ልዕሊ ምስ እስራኤል ዘራኽብ ዘይብለን መራኽቦም መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ እዮም ዝገልጹ።

እቶም ትካላት ኣብ ልዕሊ መራኽብ ብድሮንን ሚሳይልን መጥቃዕቲ ይፍጸም ከምዘሎ እዮም ዝገልጹ።

“እቶም ባላስቲክ ሚሳይላት ብርቱዓት እዮም። መራኽብ ብኸምዚ ዓይነት ሚሳይል ክውቅዓ ንፈለማ እዋን ኢና ርኢና” ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምፕበል ምሁር ታሪኽ ሓይሊ ባሕሪ ሳል መርኮግሊያኖ።

“ወቒዕካ ከተውድቘ ዘጸግም ዓይነት ሚሳይል እዩ።”

ዋላኳ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ውሑስ ንምግባር ዓለምለኻዊ ወፍሪ ይካየድ እንተሃለወ፡ መርስክ ግና መራኽቡ መዓስ ናብቲ መስመር ከምዝመልስ ርግጸኛ ኣይኰንኩን ኢሉ።

ብዓርቢ ኣብ ልዕሊ መርከቡ መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ጀርመናዊ ትካል ሃፓግ-ሎይድ እውን መስመር ቀይሕ ባሕሪ ንምጥቃም እቲ ከባቢ 100 ሚእታዊት ውሑስ ምዃኑ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኬፕ ኦፍ ጉድ ሆፕ ዘሎ ኣማራጺ መስመር ምጥቃም ናይ ኣስታት 3500 ማይል ርሕቐት ይውስኽ።

ካብ ቀረባ መዓልቲታት ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲታት ወሲኹ ኣሎ።

ነዳዲ ዘጓዓዕዝ ዓርሞሸሽ ትካል ቢፒ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በቲ መስመር ዘሳልጦ ንጥፈታት ምጕዕዓዝ ነዳዲ ንግዚኡ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝተርኣየ ወሰኽ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ብሰኑይ ዋጋ ነዳዲ ብ 1 ሚእታዊት ዝወሰኸ ኰይኑ ሰሉስ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንበርሚል 78 ዶላር ተሸይጡ።

ወሃቢ ቃል ኣርኤሲ ሞተሪን፡ ሳይመን ዊልያምስ፡ ግና ምዕጻው መስመር ቀይሕ ባሕሪ “ዋጋ ነዳዲ ክውስኽ ናይ ምግባር ተኽእሎ እኳ እንተሃለዎ፡ ዋጋ በርሚል ግን ሕጂ እውን ትሕቲ 80 ዶላር እዩ ዘሎ፤ እዚ ድማ ካብቲ ኣብ መስከረም ካብ ዝነበሮ ብ 15 ዶላር ዝነኣሰ እዩ” ብምባል ዋጋ ነዳዲ ካብ ዘለዎ ክቕንስ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ብዛዕባ ወሰኽ ምዝራብ ግቡእ ኣይኮነን ይብል።

ዋና ኢዲተር ጋዜጣ ሎይድስ ሊስት፡ ሪቻርድ መይድ፡ ድማ እቲ ምልውዋጥ መንገዲታት እንተቐጺሉ ኣብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ቀረብ ጽልዋ ከምዝህልዎ ይኣምን።

እዚ ንነዳዲ ጥራይ ኣይኮነን ዝጸሉ። መይድ ከምዝብሎ፡ ኣስታት 12 ሚእታዊት ዓለምለኻዊ ንግዲ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ተኻይዱ እዩ። እዚ ድማ ኣስታት 1 ትሪልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ኣቑሑ ተሓላሊፉ ማለት እዩ።

“መብዛሕተአን ከም ተሌቪዥናት፡ ኤሌክትሮኒክስ ዝኣመሰሉ ምህርቲታት ዝሓዙ ኮንተይነራት ዝጸዓና መራኽብ ዳርጋ መንገደን ምቕያር ጀሚረን ርእይና ኣለና።”

ትካል ሃፓግ-ሎይድ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት 25 መራኽብ መስመር ክቕይራ ከምዝገበረን፡ እተን መራኽብ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ዝተመደባ ብምንባረን ሚልዮናት ዶላራት ወጻኢ ክገብሩ ከምዘገድዶምን ኣፍሊጡ።

ሓደሽቲ ጠለባት ግን ዋጋ ክውስኹ “ተኽእሎ” ከምዘሎ ጠቒሱ።

“እዚ ኢንዳስትሪ ህይወት ንግዲ ዓለም ክቕጽል ዝገብር ዘሎ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ተቐባልነት የብሉን” ኢሉ።

ካልኦት ሰብ ሞያ ድማ ምቕያር መስመር (ሪሮውቲን) ዋጋ ነዳድን ኢንሹራንስን ክውስኽ ከምኡ ድማ ኣብ ወደባት ምጭንናቕን ምድንጓይን ክፈጥር ከምዝኽእል ይገልጹ።

ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ መጠን ዝቕባበ ክዓቢ ክገብር ይኽእል እዩ።