ሓማስ ብኸመይ ይምወል? ወፈያታት፡ ግብሪን ክሪፕቶካረንሲን ሓማስ እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, Getty
ክኢላታት ብዝህብዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ገንዘባዊ ምንጪ ኣታዊ ሓማስ፡ ካብ ኣህጉራዊ ሓገዛትን ምእካብ ግብሪን ኰይኑ፡ ሓገዝ መንግስታት ወጻኢ፡ ትካላት ግብረ ሰናይን፡ ካብቲ ኣህጉራዊ እገዳ ንምኽዋል ኢሉ ዝጥቀመሉ ወፍሪ ክሪፕቶካረንሲ እውን እዩ።
ፋይናንሳዊ መሓውር ሓማስ፡ ክንዮ ወሽመጥ ቓዛ ዝዝርጋሕ ዝተሓላለኸን ዘይግሉጽን እዩ።
እቲ ብኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ከም ግብረሽበራዊ ጕጅለ ዝተበየነ ሓማስ፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣህጉራዊ ስርዓተ ባንክ ከይኣቱ እገዳ ዝተገብረሉ ፊናንስያዊ ‘ንጹል’ እዩ።
እዚ ይዅን እምበር፡ ብ7 ጥቅምቲ ኣሽሓት ሮኬታት፡ ድሮናትን ካልእ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂያዊ መሳርሒታትን ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዘይምጽጋሙ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሕጽረት ጸጋታት ከምዘይሓማስ ብኸመይ መገዲ’ዩ ብፋይናንስ ነብሱ ዝኽእል?
ሓማስ፡ ኣብ 1987 ዝተመስረተ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ክንፊ ዘለዎ እስላማዊ ምንቅስቓስ እዩ።
እቲ ብብርጌድ ዕዘዲን ኣልቐሳም ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ክንፊ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣንጻር እስራኤል ብዙሕ መጥቃዕትን ነብሰ ቅትለታዊ ፍንጀራን ኣካይዱ እዩ።
ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ሰባት ንዝነብሩሉ ግዝኣት ቓዛ ዘመሓድርን፡ ንኣስታት 50,000 ሰበስልጣን ሓላፍነት ዝወስድን እዩ - ሓማስ።
ሓማስ፡ ከም ሓደ ፖለቲካውን ማሕበራውን ትካል መጠን፡ ግብሪ ይእክብ፣ ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ካብ ዘለዎም መንግስታት ወጻኢን ግብረ ሰናይ ትካላትን ሓገዛት ይረክብን። መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ከምዘረጋገጾ ግን፡ ወተሃደራዊ መሳርሒታት እውን ክረክብ ክኢሉ እዩ።
እዚ እስላማዊ ጕጅለ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዓለምለኻዊ እገዳታት ንምምላጥ ወፍሪታት ብመገዲ ክሪፕቶካረንሲ ከም ከምዝጥቀም ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty
ቐጠር
እታ ንእሽቶ ወሽመጥ ዓረባዊት ሃገር ሓንቲ ካብተን ዝሃብተማ ሃገራት ዓለም ኰይና፡ ኣብ 2007 ምስ ተቐናቓኒት ፍልስጤማዊ ውድብ ፋታሕ ድሕሪ ዘጋጠመ ምብትታን ምስ ቱርኪ ብምዃን ንሓማስ ካብ ዝደገፋ ውሑዳት ሃገራት እያ። እስራኤል ኣብቲ ዓመት ኣብ ልዕሊ ቓዛ እገዳ ድሕሪ ምንባራ፡ ቐጠር ነቶም ኣብታ ወሽመጥ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ብሰብኣዊ ሓገዝ ክትገብር ወሲና።
ኣብ 2012፡ ኣሚር ቐጠር ዝነበረ ሸኽ ሓማድ ቢን ኸሊፋ ኣ’ታኒ፡ ነታ ብ ሓማስ እትመሓደር ቓዛ ዝበጽሐ ፈላማይ መራሒ ሃገር ብምዃን፡ ኣብ መወዳእታ ብእስራኤል ዝጸደቐ ብሚልዮናት ዝግመት ሓገዝ ክህብ ቃል ኣትዩ።
ቐጠር፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ፡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ ታሪኻዊ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቶም ክገድፉ ዝተገደዱ መራሕቲ ሓማስ፡ ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ዶውሓ ክነብሩ ብምፍቃድ፡ ንሓማስ ፖለቲካዊ ደገፍ ከትገብር ጀሚራ።
ክልቲኦም፡ ከም መራሒ ናይቲ ጕጅለ ዝቝጸሩ እስማዒል ሃኒያን ቅድሚኡ ዝነበረ ኻልድ መሽዓልን ኣብ ርእሰ ከተማ ቐጠር ክሰፍሩ ጀሚሮም። መራሕቲ ጣሊባን እውን ኣብ 2021 ዳግማይ ንኣፍጋኒስታን ክሳብ ዝቈጻጸሩ ኣብታ ሃገር ምንባሮም ይፍለጥ።
በዚ ኸኣ እታ ንእሽቶ ሃገር ነቶም ምዕራባውያን ከም ኣሸበርቲ ዝቘጽርዎምን ብሰንኪ ሕጊን ህዝባዊ ርእይቶን ብቐጥታ ክዘራረብ ዝጽገሙ ጕጅለታት ኣብ ዝግበር ዝርርብ ቀንዲ ተዋሳኢት ኰይና ኣላ።
እቲ ክሳብ ሕጂ ብግብጺ ክፍጸም ዝጸንሐ ተራ መንጐኛነት ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን፡ ሕጂ ብቐንዱ ቐጠር ትጻወቶ ኣላ። ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ነቶም በቲ ዕጡቕ ጕጅለ ጅሆ ዝተታሕዙ ኣብ ዝምልከት ዘተ ወሳኒ ተራ ትጻወት ኣላ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ዘለዋ ቐጠር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ነቲ ብሰንኪ እገዳታት እስራኤል ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቀውሲ ንምቅላል፡ ብቢልዮናት ዝቝጸር ሰብኣዊ ሓገዝ ንፍልስጤማውያን ለጊሳ እያ። እታ ሃገር እዚ ገንዘብ ንፍልስጤማውያን እምበር ንሓማስ ከምዘይኰነ ትምጕት።
እዚ ሓገዝ ክንደይ ከም ዝበጽሕ ፍሉጥ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ካብ 2014 ኣትሒዙ ዝተዋህበ ሓገዝ ግን ካብ 1 ክሳብ 2.6 ቢልዮን ዶላር ከምዝዀነ ተንተንቲ ይግምቱ። እዚ ድማ ምስ እስራኤል ድሕሪ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ ውግኣት፡ ንዳግመ ህንጸት ቓዛ ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ይግለጽ።
ኣብ 2016፡ ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣ’ታኒ፡ ሃገሩ፡ "ስቓይ ናይቶም ብሰንኪ ዘይፍትሓዊ ዕጽዋ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ኣሕዋትን ዘጋጥሞም ከቢድ ፋይናንሳዊ ጸገማት ንምቅላል" ኣስታት 30 ሚልዮን ዶላር ከም እትምድብ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እዚ ወርሓዊ ዝኽፈል ዝነበረ ገንዘብ፡ ንገለ ክፋል ደሞዝ ናይቶም ኣስታት 50 ሽሕ ዝዀኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ቓዛ ንምኽፋል፡ ንመግቢ፡ ንመስመር ኤሌክትሪክን ነዳዲን ከምኡ’ውን ነተን ወርሓዊ 100 ዶላር ቸክ ዝረኸባ ድኻታት ስድራቤታት ንምሕጋዝን ኣኽኢሉ እዩ።
እቲ ገንዘብ ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ብምትሕብባር ከምዝሰጋገር፡ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝርከብ ኖርዝዌስተርን ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ማእከላይ ምብራቕ ኻልድ ኣል ሕሩብ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Getty
“እቲ ናብ ግዝኣታት ፍልስጤም ዝኣቱ ዶላር፡ እንተላይ ናብ ቓዛ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዕቱብ ክትትል ዝግበረሉ ገንዘብ እዩ፤ ምኽንያቱ ትካላት ጸጥታ ኣመሪካን እስራኤል፡ ከምኡ’ውን ዮርዳኖስን ግብጽን ገለ ካብዚ ገንዘብ ብባንክታተን ኣቢሉ ስለዝሓልፍ ጥቡቕ ምክትታል ይገብራሉ፡” ይብል እቲ ብዛዕባ ሓማስ ሓያሎ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕረበ ፍልስጤማዊ ተንታኒ።
እቲ ገንዘብ፡ ካብ ዶውሓ ናብ እስራኤል ዝሰጋገር ኰይኑ፡ ብመገዲ ልኡኻት ቐጠር ኣቢሉ ድማ ኣብ ሳናጡ ተመሊኡ፡ ብመዝገብ ባንክ ተሰንዩ፡ ብመሳገሪ ዕረዝ ብሰሜናዊ ሸነኽ ናይቲ ወሽመጥ ኣቢሉ ናብ ቓዛ ይኣቱ። እቲ ገንዘብ ብፖስታን ሱፐርማርኬታትን ኣቢሉ ብቐጥታ ናብ ሰበስልጣንን ድኻታት ስድራቤታትን ከም ዝኽፈል ይግበር።
ገለ ተንተንቲ፡ ገለ ካብዚ ገንዘብ ኣህጉራዊ ሓገዝ ኣብ ኢድ ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ ከም ዝኣቱ ርግጸኛታት እዮም።
ሓማስ ነዚ ይነጽግ፤ ኣል ሕሩብ ድማ ነዚ ዝረጋግጽ ዝዀነ መርትዖ ከምዘየለ ይገልጽ።
“ቀንዲ ቍጠባዊ ጸገም ሓማስ ነቲ ውድብ ይዅን ነቲ ዕጡቕ ክንፉ ምምዋል ኣይኰነን፡ እዚ እቲ ዝቐለለ ሸነኽ እዩ፤ እቲ ዝኸበደ ነገር ነቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣብ ቓዛ ዝሳቐዩ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ምድጋፍ እዩ፤ ሓማስ እዚ እዩ ጸቕጢ ዝፈጥረሉ።”
ገንዘብ ቐጠር ይዅን ኣህጉራዊ ሓገዛት፡ እቲ ፍልስጤማዊ ተንታኒ፡ “ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዳርጋ ከም ፈውሲ ቓንዛ እዩ ዝርአ፤ ምልክታት እቲ ሕማም እምበር ንሱር ናይቲ ጠንቂ ክፍውስ ኣይጸንሐን፡” ይብል።
ቀንሲ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ቓዛ፡ እቲ ብ ‘UNRWA’ ዝፍለጥ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተኛታት ፍልስጤም ዝከታተል ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ዘቕርብዎ ሓገዝ፡ ብቐጥታ በተን ዝተመደባ ጕጅለታት እቲ ትካል ኣቢሉ ከምዝዕደል ወሃቢ ቃል UNRWA ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እዚ ትካል፡ ብነጻ ኣካል ዝካየድ ዓመታዊ ኦዲት ይግበረሉ። “ኵሉ ክፍሊት ኮንትራክተራት፡ ኣቕረብትን ሰራሕተኛታትን ብመንገዲ ሓደ ብመምርሒታት ጸረ-ሽበራ ምክትታል ዝግበረሉ ባንክ ክፍሊት ይፍጸም፡" ክብል እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።
ኢራን

ምንጪ ስእሊ, Getty
ሓማስ ሓደ ካብቶም ብኢራን ዝምራሕን ንሶርያን ሊባኖሳዊ እስላማዊ ጕጅለ ሕዝቦላህን ዘጠቓለለ ኪዳን ሓይልታት ተቓውሞ፡ [ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ] ተባሂሉ ዝፍለጥ ኪዳን ዘቘሙ ጕጅለታት እዩ። ንዅሎም ዝጠምር ሓባራዊ ረቛሒ ድማ ጸረ-እስራኤልን ጸረ-ኣመሪካን ዘለዎም ስምዒት እዩ።
ጽልዋ እስራኤል ንምምካትን ህላወ መንግስቲ ኣያቶላህ ንምርግጋጽን፡ ኢራን ኣብቲ ዞባ መርበብ መሓዙት ኣስፊሓ ኣላ። እዚ ድማ "ብምወላ፡ ስልጠናን ኣጽዋርን" ዝተደገፈ ምዃኑ፡ ዳይረክተር ቻታም ሃውስ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ሳናም ቫኪል፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘሕተሞ ጽሑፍ ይገልጽ።
ኢራን ካብ 1990ታት ን ሓማስን ካልኦት ፍልስጤማውያን ጕጅለታትን፡ ትድግፍ ከም ዘላ ቫኪል ይጠቅስ።
እዚ ዓመታዊ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ፡ ንሓማስ፡ እስላማዊ ጅሃድን ውድብ ሓርነት ፍልስጤምን ዝወሃብ ምዃኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ይትንትን።
ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሶርያ እቲ ፍልስጤማዊ ጕጅለ ንበሽር ኣል ኣሳድ ምድጋፍ ብምእባዩ፡ ኣብ መንጐ ሓማስን ኢራንን ፍልልያት እኳ እንተተፈጥረ፡ "ምወላ ኢራን ግን ደው ኢሉ ኣይፈልጥን፡ ምናልባት ገለ ካብ ንፖለቲካዊ ንጥፈታት ቈሪጾም ክዀኑ ይኽእሉ፤ እቲ ንዕጡቕ ጕጅለ ዝኸውን ምወላ ግን ቀጺሉ እዩ" ይብል፡ ተንታኒ ማእከላይ ምብራቕ ማቲው ለቪት።
ኣል ሕሩብ፡ “ሓማስ ካብ ኢራን ዓመታዊ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝረክብ ንጹር’ኳ እንተዘይኰነ፡ ከም ዝምወል ግን ርኡይ እዩ፡” ይብል።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒያ ባዕሉ ኣብ 2022 ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ ኢራን ቀንዲ ደጋፊቶም ምዃናን ኣብ ምምዕባል ስርዓተ ሚሳይል 70 ሚልዮን ዶላር ከምዘበርከተትን ኣሚኑ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ሓላፊ ዝምድናታት ወጻኢ ሓማስ ዓሊ ባራካ ምስ ሩስያዊት ቻነል ‘ሩስያ ቱደይ’ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኢራን ገንዘብን ኣጽዋር “ቀንዲን ልዕሊ ኵሉን” ደጋፊቶም ምዃና ሓቢሩ።
ኢራን ንሓማስ ብዛዕባ ምድጋፋ፡ ቢቢሲ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን መልሲ ኣይረኸበን።
ቀረጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty
ሓማስ እቲ ንቓዛ ዘመሓድር በዓል መዚ ከም ምዃኑ መጠን፡ ካብ ወጻኢ ካብ ዝኣቱ ንብረት፣ እንተላይ ካብቲ ምስ ግብጺ ብገለርያታት ኣቢሉ ዝኣቱ ንብረት ይዅን፡ ካብ ንግዳዊ ንጥፈታት ውሽጢ ቓዛ ቀረጽ ይእክብ። በዚ ግን ወርሓዊ ክንደይ ገንዘብ ከም ዝውህለል ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ኣሃዝ ካብቲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ቓዛ ኣብ 2016 ንልኡኽ ቢቢሲ ዝሓበሮ 15 ሚልዮን ዶላር ክሳብ’ቲ ከም በዓል ማቲው ሌቪት ዝኣመሰሉ ተንተንቲ ዝጠቅስዎ 300-450 ሚልዮን ዶላር ምዃኑ ይግመት።
ንጹር ዝዀነ ነገር እንተሃልዩ፡ እታ 45 ሚእታዊት ሽቕለት ኣልቦነት ዘለዋን፡ 80 ሚእታዊት ካብ ህዝባ [ቅድሚ ኲናት] ተጸባዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዀነት ቓዛ፡ ልዑል መጠን ቀረጽ ከም እተኽፍል እዩ።
“ቓዛን ምዕራባዊ ገማግምን፡ ዋላ'ኳ ደረጃ እቶት ኣዝዩ ዝተፈላለየ እንተኾነ ብሓደ ዓይነት ቢሮክራሲ እየን ዝኽተላ" ይብል ኣል ሕሩብ። ኣብ ልዕሊ እዚ ግን ሓማስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት "ነቲ እገዳ ንምክሕሓስ" ብዝብል ንዝጸንሐ ቀረጽ ኣብ ከም ሽጋራ፡ ጂንስ ክዳውንቲ፡ ተሽከርከርቲ ወይ ዝተወሰኑ ፍርያት መግቢ ከም መጋየጺ ዝውሰዱ ወይ ዘይመሰረታውያን ተባሂሎም ዝቝጸሩ ኣቝሑ ልዑል ወሰኽ ከም ዝገበረ ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ኖርዝዌስተርን ይሕብር።
ሌቪት፡ “ንዅሉ ነገር መመሊስካ ዝያዳ ግብሪ ክትሓትት ከለኻ፡ ኣብ መወዳእታ ምትላል እዩ ዝፍጠር፣ ተግባር ማፍያ እዩ፡” ይብል።
እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ግብሪን ቀረጽን ኣብ ህዝቢ ዘይምርግጋእ ፈጢሩ እዩ፤ ብሓማስ ዝተዓፈነ ተቓውሞታት ካብቶም ኣምጻእቲ ከይተረፈ ኣስዒቡ ነይሩ እዩ።
ማዕከን ወፍሪ ሓማስ
ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ትረዠሪ ኣመሪካ ቤት ጽሕፈት ምቍጽጻር ንብረት ወጻኢ (OFAC)፡ ሓማስ 500 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ወፍሪ ኣለዎ።
እዚ መርበብ ኣብ ከም በዓል ሱዳን፡ ቱርኪ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣልጀርያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝርከባ ኩባንያታት ከምዘለውዎ ኰይኑ፣ ምኽሪ ሓማስ፡ ፈጻሚት ሽማግለን ላዕለዎት መራሕትን፡ ነዚ ማዕከን ወፍሪ ከም ዝከታተልዎ ይግመት።

ምንጪ ስእሊ, Getty
ትካል ኣሜሪካ ‘ኦፋክ’፡ “ገንዘብ ንምሕባእን ንምሕጻብን ዝሰርሑ”ዝርዝር ሰበስልጣን፡ ኣመሓደርትን ኩባንያታትን ሓማስ ኣብ ዝሃሓለፈ ዓመት ዘርጊሑ ነይሩ።
ኣመሪካ ንሓማስ ከም ግብረሽበራዊ ትካል ብምቝጻር፡ ምስኡ ንግዳዊ ስራሕ ዝገብር ዝዀነ ሰብ ወይ ትካል ክትቀጽዕ ምዃና እያ ትገልጽ።
ካብተን ኣመሪካ እትጠቕሰን ኩባንያታት፡ ሱዳናዊ ትካል ዕደና፡ ቱርካዊ ትካል ሪል እስቴት፡ ስዑዳዊ ኩባንያ ህንጻን ይርከባአን።
ኦፋክ ንወኪል ሓማስ ኣብ ቴህራንን ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራንን ዘጠቓለለ ካልኣይ ዙርያ እገዳ ከምዘሕለፈ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ክሪፕቶካረንሲን ወፈያታትን
ሓማስ ንምወላኡ፡ ኣብ ግዝኣታት ፍልስጤም፡ ሃገራት ዓረብን ክንዮ’ቲ ዞባን ካብ ዝርከቡ ተደናገጽቱ ኣብ ዝረኽቦ ወፈያታት ከምዝምርኮስ ኣል ሕሩብ ይገልጽ።
እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ እስላማዊ ሃይማኖታዊ መበገሲ ዝገበረ “ዘካት” - ዝዀነ ዓቕሚ ዘለዎ ኣማኒ ንዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ክውፈ ዝጽውዖ፡ ንመጠን ውልቃዊ ሃብቲ ዝኽተል ወፈያታት - ንሓማስ ንምምዋልናበርክቶ ገይሩ እዩ።
እቲ ጕጅለ፡ ዝተፈላለየ ጨናፍር ስለዘለዎ፡ በዞም ዘይወግዓዊ ምንጭታት ገንዘብ ክሓትት ከሎ፡ ነቲ ዕጡቕ ክንፊ ክውዕል ኢሉ ዘይኰነስ፡ “ንኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላት ወይ ፖለቲካዊ ጐስጓሳት” ኢሉ ይሓትት፡ ይብል እቲ፡ “ሓማስ፡ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ተግባርን” ከምኡውን “ሓማስ: መምርሒ ንጀመርቲ” ዝብላ መጻሕፍቲ ዝደረሰ ኣል ሕሩብ።
ድሕሪ ካልኣይ ኢንቲፋዳ፡ ኣመሪካ ንኣሸበርቲ ኢላ ዝበየነቶም ጕጅለታት ምንጪ ገንዘቦም ንምቝራጽ “ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ” ዝብል ወፍሪ ምስ ጀመረት፡ “ሓማስ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ጥራይ ድሕሪ ጸሎት [ሰላት] ዓርቢ፡ ካብ 1.5 ሚልዮን ክሳብ 2 ሚልዮን ዶላር ኣኪቡ።”
ሓማስ ካብ ትካላት ግብረ ሰናይ ገንዘብ ክእክብ ኣብ ዝፍትነሉ፡ “እቲ ገንዘብ ንሓማስ ንምምዋል እዩ ኣይብሎን እዩ፤ ገለ ስእሊ ሓደ ዝደሚ ህጻን የቐምጥ” ይብል ማቲው ሌቪት፣ “ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ገንዘብ ግን ኣብ መወዳእታ ንወተሃደራዊ ዕላማታት ሓማስ ክውዕል እዩ።”
ካብ 2019 ጀሚሩ ገለ ካብዚ ወፈያታት ብክሪፕቶካረንሲታት ኣቢሉ ይወሃብ ኣሎ።
"ሓማስ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዝጥቀመሎም ወይ እንተወሓደ ወፈያታቱ ብክሪፕቶካረንሲ ክኸውን ዝሓተተ እዩ" ክብል ካብ ቲኣርኤም ብሎክቸይን ስለያ ቴክኖሎጂ ኣሪ ሬድቦርድ ንቢቢሲ ይገልጽ። እቲ ጕጅለ መጀመርያ ቢትኮይን ይጥቀም ከም ዝነበረን ካብ 2022 ኣትሒዙ ግን ዲጂታዊ ባጤራ ትሮን ከምዝወሰኸ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, Getty
ክሪፕቶካረንሲታት፡ ካብቲ ልሙድ ዝውውር ገንዘብ ኣዝዩ ብዝቐልጠፈን ብብዙሕ መጠንን ስግረ-ዶባዊ ምግዓዝ ገንዘብ የኽእል፡ እዚ ድማ ነቲ ቴክኖሎጂ "ንሕጋውያንን ዘይሕጋውያንን ተዋሳእቲ ኣዝዩ ሰሓቢ" ይገብሮ ይብል ሬድቦርድ።
ይዅን እምበር እዚ ቴክኖሎጂ እናተራቐቐ ብዝኸይድ መንገዲ ምክትታል ክግበረሉ ስለዝኽእል፡ ከም እስራኤልን ኣሜሪካን ዝኣመሰላ መንግስታት ንሓማስ ዝዓለመ ወፈያታት ክሪፕቶካረንሲ ብልዑል ብቕዓት ክከታተላኦ ክኢለን እየን።
ብመሰረት ጸብጻብ ቲ.ኣር.ኤም ላብስ፡ ኣብ 2020 ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ ቴሌግራምን መርበብ ሓበሬታን ገንዘብ ዝእክቡ ዝነበሩ ምስ ሓማስ ዝተኣሳሰሩ 150 ኣድራሻታት ክሪፕቶካረንሲ ሃጊሩ።
"ኣብ ሚያዝያ 2023፡ ለገስቱ ዒላማ ስለዝኾኑ ኣብ ክሪፕቶካረንሲ ገንዘብ ምእካብ ከቋርጹ ምዃኖም ክሳብ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣማኢት ካልኦት ኣድራሻታት'ውን ብእስራኤል ተታሒዞም'ዮም፡" ይብል ሬድቦርድ።
መብዛሕትኡ ግዜ ግጭት ኣብ ዝህልወሉ እዋናት ልግሲ ብብዝሒ ከም ዝንቀሳቐስ ብምግላጽ፡ ካብ 7 ጥቅምቲ ጀሚሩ ግን ምትእኽኻብ ገንዘብ ብዙሕ ኣይተራ’እየን፡ ኣስታት 20 ሽሕ ዶላር ጥራይ እዩ፣ ይብል ቲ.ኣር.ኤም ላብስ።
"ክሪፕቶካረንሲ ግን ኣብዚ ምወላ ሽበራ ኣዝዩ ንእሽቶ ብጣስ ጥራይ እዩ" ይብል ኣሪ ሬድቦርድ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







