ሓንቲ ስዑዳዊት ኣብ ትዊተር ብዘስፈረቶ ጽሑፍ 45 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኑራ ኣልቓሕታኒ ዝተባህለት ስዑዳዊት ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝለጠፈቶ ጽሑፍ ን45 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ። እዚ ድማ፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብዚ ወርሒ ዝተዋህበ ካልኣይ ጉዳይ ምዃኑ ጕጅለታት ደለይቲ ፍትሒ ‘ታ ሃገር ይገልጹ።
ቤት ፍርዲ ግብረሽበራ፡ ኑራ፡ "ኢንተርነት ተጠቒማ ማሕበራዊ ምትእስሳር ምብጥጣስ" ከምኡ’ውን "ማሕበራዊ መራኸቢታት ተጠቒማ ህዝባዊ ስርዓት ግሂሳ" ክብል ብይን ከም ዝሃበ፡ ጕጅለ ተጣበቕቲ መሰላት ‘ቲ ዞባ ይሕብር።
ኑራ ኣልቓሕታኒ፡ ንሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ከምዝነቐፈት እንተዘይኰይኑ፡ ብዛዕባኣ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ኣብታ ሃገር ካልእ ጓለንስተይቲ’ውን፡ ኣብ ትዊተር ብዝገበረቶ ንጥፈታት፡ ብ 9 ነሓሰ ን34 ዓመታት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርዳ ይዝከር።
ዳይረክተር ምርምር ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዓብደላ ኣልዖድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ጕጅለ ተመራመርቲ፡ ብዛዕባ ጉዳይ ኑራ ክፈልጥ ዝኸኣለ ፍርዲ ድሕሪ ምሕላፉ’ኳ እንተዀነ፡ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መርመራኡ ይቕጽል ከምዘሎ ገሊጹ።
"ኣብ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ዝዀነ ምስ ዓመጽ ወይ ገበናዊ ንጥፈታት ዝተኣሳሰረ ነገር የብላን" ከኣ ይብል።
"እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝቐረበ ክሲ ኣመና ሰፊሕ እዩ። ሕጊ ጸረ-ሽበራን ሕጊ ጸረ-ገበን ሳይበር ጠቒሶም ኣለዉ... እዚ ድማ ካብ ርሑቕ’ውን ንመንግስቲ ዝወቅስ ዝዀነ ይዅን ነገር ምልጣፍ ከም ገበን ዝርኢ ሕጊ እዩ" ክብል ብተወሳኺ የረድእ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ሓያሎ ደቀንስትዮ ነጠፍቲ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ዝልጥፋኦ ጽሑፋት ብዝተኣሳሰር ኣብ ቀይዲ ኣትየን ኣለዋ።
ኣልዖድ ኣተሓሒዙ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ፍርዲ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ከይብየነለን ዘለዎ ስግኣት ይገልጽ።
"[እዚ ኸኣ] መንግስቲ ስዑድያ ብዛዕባ ሰባዊ መሰላት ፍጹም ተገዳስነት ከም ዘይብሉ ዘግህድ፡ ንምዕራባውያን ሃገራት ዝኸውን መርትዖ እዩ፡” ኢሉ።
ኣልዖድ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ጅዳ ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ልኡል መሓመድ ሳልማን ዝተካየደ ርክብ፡ ሓደ ካብ ጕዳያት፡ ብዛዕባ’ዚ ዝርአ “ዓፋኒ መጥቃዕትታት" ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ከምዘየጸግም ኣተንቢሁ።
ባይደን፡ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ዘለዋ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላት “ንጽልቲ” ሃገር ክገብራ ከም ዝኽእል፡ ቅድሚ ሕጂ ተሓንዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AL THAQAFIA
ብሪጣንያ ዝመደበሩ ጕጅለ ሰባዊ መሰላት ‘ALQST’ ብወገኑ፡ ብዛዕባ’ቲ "ኣብ ትዊተር ዝለጠፈቶ ጽሑፍ" ምኽንያት ገይሩ ኣብ ልዕሊ ኣልቓሕታኒ ዝተዋህበ ፍርዲ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነትን ስክፍታን ገሊጹ።
"ከምቲ ዝተሰግአ፡ እዚ መርኣያ ናይቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እናንቈልቈለ ዝመጽእ ዘሎ ጕዳይ ሰባዊ መሰላት እዩ፡” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
‘እሱራት ሕልና ስዑድያ’ ዝብል ገጽ ማሕበራዊ መራኸቢ ነቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ዘረጋግጽ ጽሑፍ ኣብ ትዊተር’ኳ እንተስፈረ፡ ዛጊት ካብ ሰበ-ስልጣን ‘ታ ሃገር ዝተዋህበ ዝዀነ ርእይቶ ግን የለን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊድስ ተመሃሪት ‘ፒኤችዲ’ ዝነበረት ስዑዳዊት ሳልማ ኣ’ሸሃብ፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ፡ ብተመሳሳሊ ን34 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዋ እዩ።
ንሳ፡ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ እዋን ዕረፍታ ንስዑዲያ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ዝተታሕዘት ኰይና፡ "ህዝባዊ ስርዓት ክዘርጕ ንዝተላዕሉ ብምሕጋዝ" ከምኡ’ውን፡ "ሓሶትን ቤላቢለዋትን ብምጽሓፍ" ገበነኛ ተባሂላ።
እታ ጓል 34 ዓመት ኣደ ክልተ ቈልዑ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ትመሃር ኣብ ዝነበረትሉ፡ ነቲ ብልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብዝተወስደ ስጕምቲ ዝተኣስሩ ተቓወምቲ፡ ፍሉጣት ደለይቲ ፍትሕን ምሁራትን ክፍትሑን ጽገናታት ክግበርን ትጽውዕ ነይራ።
እዚ ንኑራ ኣልቓሕታኒ ዝተበየነ 45 ዓመት ማእሰርቲ፡ ኣብታ ሃገር ንሓደ ሰላማዊ ተቓላሳይ ዝተዋህበ ዝነውሐ ፍርዲ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







