ሰሜናዊ ዋልታ ዝረኸበ መን'ዩ? መሳጢ ዛንታ ሓደ ዘይተዘመረሉ ጸሊም ሰብ

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ማቲው ሄንሰን ሰሚዖም ከም ዘይፈልጡ ይገልጹ

ምንጪ ስእሊ, Nelly George/Alamy

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ማቲው ሄንሰን ሰሚዖም ከም ዘይፈልጡ ይገልጹ

ማቲው ሄንሰን ስቴት ፓርክ ስትሪም ቫሊ ፓርክ፡ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ቅሩብ ውጽእ ኢሉ ኣብ መንተጐመሪ ካውንቲ ሜሪላንድ ዝርከብ ኣስታት 47 ሄክታር ዝስፍሓቱ መናፈሻ እዩ።

ናብዚ ክትአትዉ ከለኹም፡ ድምጺ መኻይን ይሃስስ፤ ጫካታት፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣግራብ፡ ቍጥቋጥን ሩባን ትረኽቡ። ዝዝምራ ኣዕዋፍ፡ ዓጋዘንን ታኪን በረኻን ምርኣይ ልሙድ’ዩ።

ኣብቲ መናፈሻ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ኣጋር መዓልታዊ እንተትጓዓዙ ኣይምሰልከየኩምን። ማቲው ሄንሰን መን ምዃኑ ድማ ምፈለጥኩም።

እቲ ኣስታት 7 ኪሎሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ፡ ኣገደስቲ ነጥበ-ምዕራፋት ህይወት ሄንሰን ዝሕብሩ ዝርዝር ምልክታት ዝሓዘ’ዩ። ማቲው ሄንሰን፡

  • 1866፡ ኣብ ቻርለስ ካውንቲ፡ ሜሪላንድ ተወሊዱ።
  • 1879-1884፡ ከም ኣሰላፊ ኰይኑ ምስ መርከብ ኬቲ ሃይንስ ንዓለም ዳህሲሱ።
  • 1887፡ ኣብ ኒካራጓ መትረብ ኣብ ምድላይ ምስ ሮበርት ኢ ፒሪ ተጸንቢሩ።

ድሕሪኡ’ዚ ዘገርም ሓቂ ይርከብ፡

  • 1909፡ ምስ ሮበርት ኢ ፒሪ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ በጺሑ።
ካብ መሬት ተኻርዮም ዝሓርሱ ስድራቤት ዝተወልደ ሄንሰን፡ ናብ ሰሜናዊ ዋልታ ተጓዒዙ

ምንጪ ስእሊ, Everett Collection Inc/Alamy

መግለጺ ስእሊ, ካብ መሬት ተኻርዮም ዝሓርሱ ስድራቤት ዝተወልደ ሄንሰን፡ ናብ ሰሜናዊ ዋልታ ተጓዒዙ

ኣብ መወዳእታ’ቲ ዝርዝር ዝርከብ ስእሊ፡ ጸምሪ ዘለዎ ቆብዕ ዝለበሰ ሄንሰን ምስ ዝተበታተነ ሸፋሽፍቱን ቍጥቋጥ ዝመስል ጭሕሙን ይርአ። ኵነታቱ ምስቲ ናይ ዳህሰስቲ ዋልታ ተባሂሉ ዝሕሰብ መልክዕ ዝሰማማዕ’ዩ - ብዘይካ ሓደ ነገር

ማቲው ሄንሰን ጸሊም ሰብ’ዩ።

"ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ቈልዓ ከለኹ፡ ብዛዕባ ማቲው ሄንሰን ሰሚዐ ኣይፈልጥን" ይብል ጄ ኣር ሃሪስ።

ሃሪስ፡ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ኰይኑ፡ ኣብቲ ንገለ ካብቶም ዓበይቲ ዳህሳሳት ዓለም ዘነቓቕሐ ክለብ ዳህሰስቲ ከም ኣባል ቦርድ ኣካየድቲ የገልግል።

"ኵሉ እንሰምዖ ነገር ሰሜናዊ ዋልታ ብሮበርት ፒሪ ከም ዝተረኽበ ጥራይ'ዩ" ይብል።

ሄንሰን፡ ካብ መሬት ተኻርዮም ዝሓርሱ ስድራቤት’ዩ ተወሊዱ።

ገና ኣብ ንእስነት ዕድመኡ ስለ ዝዘኽተመ፡ ብዘይተለምደ ትብዓትን ጽንዓትን ምስ ህይወት ክቃለስ ጀሚሩ።

ኣብ ሓንቲ መርከብ ንግዲ ኣሰላፊ ኰይኑ ምስራሕ ክጅምር ከሎ ገና ወዲ 12 ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብታ መርከብ ምስ ቀዳማይ ኰስኳሲ መሃሪኡ ካፕተን ቻይልድስ ተራኺቡ። ንሱ፡ ብዛዕባ ህይወት ባሕሪ ኣሰልጢንዎ፤ ምንባብ’ውን ምሂርዎ።

ቻይልድስ ኣብ 1883 ምስ ሞተ፡ ሄንሰን መሊሱ ምስ ህይወት ክቃለስ ጀሚሩ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ ምግቢ ስራሕ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ 1887 ምስ ሮበርት ፒሪ ተራኺቡ።

ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ መሃንድስ ዝዀነ ኮማንደር ፒሪ፡ በቲ መንእሰይ ስለዝተመሰጠ ኣብ ኒካራጓ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ተሓጋጋዚኡ ንክኸውን ዓዲምዎ።

እቲ ኣገዳሲ ነጥበ-ምዕራፍ ሞያ ሄንሰን ካብ 1891 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 18 ዓመታት ዝተጋህደ ኰይኑ ንኮማንደር ፒሪ ኣሰንዩ ሰሜናዊ ዋልታ ንምድላይ ናብ ዓንኬል ኣርክቲክ ዝኸደሉ እዋን’ዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ሰሜናዊ ዋልታ፡ ሓደ ካብቶም ዘይተዳህሰሱ ኩርናዓት ምድሪ ስለዝነበረ፡ ዳህሰስቲ ንዘመናት በቲ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዓለም ንምብጻሕ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ ተመሲጦም ነይሮም።

ኰይኑ ግን፡ ናይቲ ዋልታ ጽንኩር ኵነታት ኣየርን መራኽብ ዝጭፍልቕ ከውሒ በረድን ብቐሊሉ ዝድፈር ኣይነበረን።

ኮማንደር ፒሪ፡ ናብ ሰሜን ዋልታ ኣብ ዝገበሮ ናይ ዳህሳስ ተልእኾ ክሕግዝ ንሄንሰን ዓዲምዎ

ምንጪ ስእሊ, Niday Picture Library/Alamy

መግለጺ ስእሊ, ኮማንደር ፒሪ፡ ናብ ሰሜን ዋልታ ኣብ ዝገበሮ ናይ ዳህሳስ ተልእኾ ክሕግዝ ንሄንሰን ዓዲምዎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሄንሰን፡ ብዘይካ ኣብ ሓዸ ኣብ ኵሎም ጕዕዞታት ንፒሪ ኣሰንዩ ተጓዒዙ፡ ኣብ ዳህሳሳት ድማ ዓመታት ኣሕሊፉ’ዩ።

እቶም ሽርክነት ዳህሳሳት ብስም ፒሪ ዝፍለጡ’ኳ እንተዀኑ፡ ኣብቲ መስርሕ ቅድሚት ዝስለፍ ዝነበረ ግን ሄንሰን’ዩ ነይሩ።

ኣብ ግሪንላንድ፡ ሄንሰን ምስቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣብ ገለ ክፋል ግሪንላንድን ዝነብሩ ኢኑይት ዝበሃሉ ዓሌት ጽቡቕ ዝምድና መስሪቱ፤ ኢግሉ ዝበሃል ገዛ ኢኑይትን ዓረብያ በረድን ምህናጽ ክኢሉ፡ ቋንቋኦም ኣጸቢቝ መሊኹ፡ ኣብ ሰሜን ዋልታ ዝርከቡ እንስሳታት’ውን ይሃድን ነይሩ፣ እዚ ድማ ኣብ እዋን ጸገም ህይወት ዘትርፍ ክእለት’ዩ።

ሄንሰን፡ ኢኑይት ንኽነብሩን ኣብቲ ንምእማኑ ዘጸግም ተጻባኢ መልክዓ ምድሪ ኣርክቲክ ንኽጓዓዙን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሜላታት ኵሉ ተማሂሩ።

እቲ ኣዝዩ ዝድነቕ ግን ሄንሰን፡ ዝዀነ ንጥረ ነገር ናብ ልስሉስ ወይ ለምባእ ናይ ምቕያር ስነ-ጥበብ ምምሃሩ’ዩ። ኣብ ኵሉ ወፍርታቶም ዝጥቀሙለን ዓረብያታት በረድ ብውልቁ ዝሰርሐን እየን፤ ዝጽግነን’ውን ንሱ ባዕሉ ነይሩ።

"ብዘይካ ገለ ካብቶም ዝበለጹ ሃደንቲ [ኢኑይት]፡ ንሱ ካብ ዝዀነ ሰብ ዝሓሸ መራሒ ከልቢን ዓረብያ በረድን'ዩ" ክብል ፒሪ ብዛዕባ ሄንሰን ጽሒፉ። "ብዘይ ንሱ ክቕጽል ኣይምኸኣልኩን።"

ካብ 1891 ክሳዕ 1909 ኣብ ዝተኻየዱ 7 ፈተነታት፡ ሄንሰን ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ፒሪ ነይሩ።

እቲ ኣርክቲክ ግን ምሕረት ኣይነበሮን፤ ሄንሰንን ፒሪን ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ብሰንኪ በረድ ወይ ጥሜት ካብ ሞት ተሪፎም’ዮም። ፒሪ ብሰንኪ በረድ ብዙሓት ኣጻብዕቲ እግሩ ክስእን ከሎ፡ ሄንሰን ሓደ እዋን ዝረገጾ በረድ ተሰቢሩ፡ ናብቲ ቀታሊ ማይ ትሕቲ በረድ ቅድሚ ምጥሓሉ ኡታ ዝተበሃለ ኢኑይት ስሒቡ ኣድሒንዎ እዩ።

እቶም ሰባት ቀዘፍቲ ህቦብላታትን መወዳእታ ዘይብሉ ቴክኒካዊ ምድንጓይን ተጻዊሮም፤ ንመስርሖም ደጋጊሞም ድሕሪ ምግምጋሞም ድማ ንመበል 7ይ ዙር ፈተነ ተዳልዮም።

እታ 1909 ናይ መወዳእታ ፈተነ ዘካየደት ጕጅለ 50 ሰባት፡ 19 ዓረብያ በረድን 133 ኣኽላባትን ዝሓቘፈት ነይራ። ብግምት 215 ኪሎሜተር ክተርፎም እንከሎ ግን ቀረብ ኣዝዩ እናወሓደ ስለዝኸደ፡ ፒሪ ብዘይካ ኣርባዕተ ኢኑይትን ሄንሰንን ንዅሎም ሰባት ናብታ መርከብ ክምለሱ ኣዚዙ።

ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት ንሓያሎ መዓልታት ምስ ተጓዓዙ፡ ብዕለት 6 ሚያዝያ 1909፡ ሄንሰን ኣብቲ ዋልታ ዝበጽሑ ኰይኑ ከም ዝተሰምዖ ንፒሪ ከም ዝነገሮ ይግለጽ።

ድሕሪኡ ፒሪ ባንዴራ ኣሜሪካ ኣውጺኡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢግሉ ኣብ በትሪ ከም ዝሰቐላ ሄንሰን ይዛረብ።

ሄንሰን፡ ኣብታ ብ1912 ዝጸሓፋ ‘ኤ ኔግሮ ኤክስፕሎረር ኣት ዘ ኖርዝ ፖል’ እትብል መዘከርታኡ ከም ዝገለጾ፡ ንመብዛሕትኡ መዓልቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ዓረብያ በረድ ኰይኑ ክመርሕ ውዒሉ’ዩ።

“እቲ ኣስታት ሓምሳ ሜትሮ ብድሕረይ ዝነበረ ኮማንደር ጸዊዑ ናብ መዓስከር ክንኣቱ ኢና ኢሉኒ” ይብል።

“ጸሓይ በቲ ግመ ተሸፊና ስለዝነበረት፡ ብሓቂ ኣብ ዋልታ በጺሕና ዲና ኣይበጻሕናን ክነረጋግጽ ኣይከኣልን” ክብል ይውስኽ።

ንጽባሒቱ ግን ፒሪ፡ ክብታ ናይ ጸሓይ ንምዕቃን እትጠቅም መሳርሒት ገይሩ ኣቀማምጣኦም ዓቂኑ። እቲ ውጽኢት፡ “ነቲ ርሕቀት ኣዝዩ ብልክዕ ከም ዝፈለጥናዮ ኣርእዩ።”

ብሓቂ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ በጺሖም ነይሮም። እቲ ሕቶ ግን መን ቀዲሙ ነታ ቦታ ረጊጹ ዝብል’ዩ።

ሄንሰን ምስ ተመልሱ ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ኣብ . . . መሪሕነት’የ ነይረ” ኢሉ። ንጽባሒቱ ናብታ ቦታ ክምለሱ ከለዉ "ኣሰር እግረይ ድሮ ኣብቲ ቦታ ቀዲሙ ከም ዝነበረ ክርኢ" ከም ዝኸኣለ ይገልጽ።

ፔሪ መዘኻኸሪን ባንዴራ ኣሜሪካን ኣብ ባዶ ቆርቆሮ ኣቐሚጡ ኣብቲ በረድ ድሕሪ ምቕባሩ፡ እቶም ኣብ መወዳእታ ዝተረፉ 6 ሰባት ክምለሱ ጀሚሮም።

ሄንሰን፡ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ከም ዝበጽሑ ዓይነት "ስምዒት" ከም ዝተሰምዖ ንፒሪ ነጊርዎ

ምንጪ ስእሊ, Alpha Stock/Alamy

መግለጺ ስእሊ, ሄንሰን፡ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ከም ዝበጽሑ ዓይነት "ስምዒት" ከም ዝተሰምዖ ንፒሪ ነጊርዎ

ሄንሰን፡ "ካልእ ዓወት ዓለም ተፈጺሙን ተዛዚሙን" ክብል ኣብ መዘከርታኡ ጽሒፉ።

ይዅን’ምበር ናይ ሄንሰን ናይ ክብሪ ህሞት ንሓጺር እዋን እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ኣሜሪካ ካብ 1877 ጀሚሩ ክሳዕ መፋርቕ 1960ታትን ብቐንዱ ከኣ ኣብ ደቡባውን ዶባዊን ግዝኣታት ዝሰርሕ ዝነበረ ዓሌታዊ ስርዓተ-ምግላል ነይሩ። እዚ ስርዓት ጂም ክሮው ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ ብዙሕ ተረርቲ ጸረ ጸለምቲ ሕግታት ዘጠቓልል’ዩ።

ሄንሰን ናብ ኣሜሪካ ክምለስ ከሎ፡ እዚ ስርዓት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሓሉ እዋን ነይሩ። ስለዚ ኣበርክቶ ሄንሰን ብጸሓፍቲ ታሪኽ ኣይተገልጸን።

ፒሪ፡ ንመጽሓፍ ሄንሰን ኣብ ዝጸሓፎ መቕድም፡ ዘይተገትአ ልባዊ ምስጋናኡ ገሊጹ’ዩ።

"ዓሌት፡ ሕብሪ፡ ኣተዓባብያ ወይ ከባቢ ኣንጻር ቆራጽ ልቢ ዝፈጥሮ ጽልዋ የለን፡ ብፍላይ እቲ ልቢ ብብልሒ ዝተደገፈ እንተዀይኑ" ይብል።

እንተዀነ፡ ፒሪ ንሰሜን ዋልታ ንምድላይ ብዝገበሮ ጻዕሪ ዝበዝሕ ናእዳ ክወሃቦ ከሎ ብሓጐስ ተቐቢሉ’ዩ፤ ስም ሄንሰን ግን ካብ ዓይኒ ህዝቢ እናሃሰሰ ከይዱ።

ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ ዳህሳስ ፒሪ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ይካትዑ፤ ብተወሳኺ ንሰሜን ዋልታ ቀዲሙ ዝረገጸ ፒሪ ድዩ ዝብል’ውን ኣካታዒ’ዩ።

መብዛሕትኦም ግን ፒሪ ብዘይ ሄንሰን ንሰሜን ዋልታ ክረክብ ኣይምኽኣለን ይብሉ። ሄንሰን መሳርሒታት ኢኑይት ብምውህሃድ ዝተፈላለዩ መተዓየዪታት ኣዳልዩ’ዩ፤ ንህይወት ኢኑይት ምሉእ ብምሉእ ዝተቐበለን ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ምድሓን ክእለት’ውን ኣጽኒዑ’ዩ።

"እቶም ሰባት [ኢኑይት] ብሓቂ ፈትዮምዎ" ይብል ጄኣር ሃሪስ።

"ፒሪ ብገለ መልክዑ ዘይቀራረብን ምሕዝነታዊ ዘይኰነን ሰብ እዩ ነይሩ፤ ካብ ጕጅለኡ ሓደ ሰብ ምስ ህዝቢ ኢኑይት ክቀራረብን ጽቡቕ ዝምድና ክምስርት ምኽኣሉ ድማ የድንቕ ነይሩ።"

ሄንሰን ንባህሊ ኢኑይት ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Everett Collection Inc/Alamy

መግለጺ ስእሊ, ሄንሰን ንባህሊ ኢኑይት ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሉ ነይሩ

እንተዀነ፡ ሄንሰን ሰሜናዊ ዋልታ ኣብ ምርካብ ዝገበሮ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ከይረኸበ ነዊሕ ጸኒሑ’ዩ።

ድሕሪ 28 ዓመታት፡ ኣብ መወዳእታ ክለብ ዳህሰስቲ ኒውዮርክ፡ ኣብ 1937 ንሄንሰን ከም ናይ ክብሪ ኣባል ተቐቢልዎ።

ብተወሳኺ ካብ ፕረዚደንታት ሃሪ ኤስ ትሩማንን ድዋይት ዲ ኣይዘንሃወርን ሽልማት ተቐቢሉ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ዳርጋ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ’ዩ ነይሩ።

ሄንሰን ኣብ 9 መጋቢት 1955 ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፤ ኣብ ሃገራዊ መካነ መቓብር ኣርሊንግተን ተቐቢሩ፡ ፍሉይ ሓወልቲ ድማ ተሰሪሕሉ። እቲ ሓወልቲ ግን ምስ ሞተ ድሕሪ 33 ዓመታት ኣብ 1988 እዩ ተተኺሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብስሙ ካብ ዝተሰየሙ ማቲው ሄንሰን ስቴት ፓርክ፡ ብዙሓት መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ሜሪላንድን ዩኤስኤንኤስ ሄንሰን ዝተባህለት 3000 ቶን ትምዘን ምርምርን ውቅያኖሳዊ ዳህሳስን እተካይድ መርከብ ይርከብዎም።

ማሕበር ናሽናል ጂኦግራፊ ድማ ኣብ 2000፡ ድሕሪ ሞቱ ሜዳልያ ሃባርድ ዝተበሃለ ዝኸበረ ሽልማት ከም ዘበርከተሉ መርበብ ሓበሬታ ናሽናል ጂኦግራፊ ይሕብር። እቲ ስግንጢር ግን፤ ፈላማይ ተቐባሊ ናይዚ ሽልማት ሮበርት ፒሪ ኣብ 1906 ነይሩ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ደገፍቲ ሄንሰን ዝኽሪ ናይቲ ዝረኸቦ ዓወቱ ኣብሪሆም እዮም - ምሉእ ስፍሓት ውርሻኡ ድማ ክድህስሱ ፈቲኖም።

እቲ ኣዝዩ ውዕዉዕ ተጣባቒኡ ነፍስሄር ዶክተር ኤስ ኣለን ካውንተር፡ ኣብ ቦስተን ዝመደበሩ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላን ኣባል ክለብ ዳህሰስቲን ነይሩ። ካውንተር ሓወልቲ ንኽትከለሉ ጥርዓን ኣቕሪቡ፤ ኣብ ግሪንላንድ ድማ ዘይተፈልጡ መስመር ዘርኢ ኣባላት ስድራቤት ሄንሰን ከም ዘለዉ ረኺቡ። ነዚ መስመር ወለዶ እዚ ድማ ኣብታ ‘ኖርዝ ፖል ሌጋሲ’ እትብል መጽሓፉ ሰኒድዎ ኣሎ።

ጓል ኣለን፡ ፊሊፓ ካውንተር፡ ኣቦኣን ሄንሰንን "ክልቲኦም ዳህሰስቲ እዮም ነይሮም። ሄንሰን ናብ ሰሜናዊ ዋልታ ብምኻዱ ኣፍልጦ ዘይረኸበ ዘይተዘመረሉ ጅግና'ዩ ነይሩ። 'እዚ ፍጹም ክነግሮ ዘለኒ ዛንታ'ዩ' ኢሉ ሓሲቡ" ክትብል ኣቦኣ ነታ መጽሓፍ ዝጸሓፈሉ ምኽንያት ትገልጽ።

ዶክተር ካውንተር ኣብ 2017 ካብዛ ዓለም ብሞት'ኳ እንተተፈለየ፡ ንሱ ዝወልዖ ሽግ ግን ካልኦት ተቐቢሎም ኣለዉ።

ሄንሰን ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝጀመረ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ጥራይ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Everett Collection Inc/Alamy

መግለጺ ስእሊ, ሄንሰን ኣፍልጦ ክወሃቦ ዝጀመረ ኣብ መወዳእታ ህይወቱ ጥራይ እዩ

ጄኣር ሃሪስ ኣቦ መንበር ኰይኑ ዝመርሖ ክለብ ዳህሰስቲ፡ ተመሳሳሊ ስሕተት ንምክልኻል ብዙሕነት፡ ፍትሓውነትን ምጽንባርን ዝብል ኮሚተ ኣተኣታትዩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብ 2022፡ ድሕሪ ሞቶም ኣርባዕተ ሓደስቲ ኣባላት ተቐቢላ ኣላ - እቶም ምስ ሄንሰንን ፒሪን ዝተረፉ ሲግሉ፡ ኤጊንግዋህ፡ ኡክያን ኦታህን ዝተበሃሉ ኣርባዕተ ኢኑይት ኣብ መወዳእታ ዝግባኦም ኣፍልጦ ረኺቦም ኣለዉ።

"ብናተይ ኣረኣእያ፡ ኵሎም - ሽዱሽተኦም - ሓባራዊ ረኽብቲ ሰሜናዊ ዋልታ'ዮም፡" ይብል ሃሪስ።

ካልእ ድማ፡ ኣብ ብሩንስዊክ፡ መይን ዝርከብ ቤተ መዘክር ኣርክቲክ ፒሪ-ማክሚላን ሓደ ምዕባለ ከተኣታቱ ይዳለው ኣሎ።

እዚ ቤተ መዘክር ናይቲ ፒሪን ዶናልድ ባክስተር ማክሚላንን ዝተማሃሩሉ ቦውዶይን ኮለጅ እዩ። ኣብ 1967 ካብ ዝኽፈት ኣትሒዙ፡ ከም ማህደር ስእልታት፡ ባዕሉ ዝሰርሖ ዓረብያ በረድ ካብ 1950ታት ዝተገበረ ብርቂ ናይ ተለቪዥን ቃለ-መሕትትን ዝኣመሰሉ ኢደ-ጥበባት ሄንሰን ከርኢ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ መእተዊ’ቲ ቤተ መዘክር፡ ዝተቐብኡ ስእልታት ፒሪን ማክሚላንን ጎኒ ንጎኒ ተቐሚጦም ይርከቡ።

ይዅን’ምበር፡ እቲ ሓድሽ ምዕባለ ኣብ ግንቦት 2023 ክኽፈት ከሎ፡ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ክውሰኺ’ዩ።

ኣብ ጎኒ ስእልታት ፒሪን ማክሚላንን፡ ሄንሰን፡ ዓቢ ስእሊ ሄንሰን ክቕመጥ እዩ።