ኣውስትራልያ ስብርባር ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ናይ ዝነበረት መርከብ ጃፓን ረኺባ

ምንጪ ስእሊ, SILENTWORLD FOUNDATION
ዳህሰስቲ ዓሚቝ ባሕሪ፡ ስብርባር ናይታ ኣብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣውስትራላውያን ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ሒዛ ኣብ ገምገም ባሕሪ ፊሊፒንስ ዝጠሓለት መርከብ መጓዓዝያ ጃፓን ረኺቦም።
እቲ ክስተት ኣብ ኣውስትራልያ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ባሕሪ እዩ ነይሩ። ሳብማሪን ኣሜሪካ ኣብ ፓፓዋ ኒው ጊኒ ዝተትሓዙ እሱራት ሒዛ ከም ዝነበረት ብዘይምፍላጥ ነታ መርከብ ኣቃፂልዋ።
መርከብ ሞንተቪድዮ ኣብ ሓምለ 1942 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን እያ ጥሒላ።
ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኣስታት 979 ኣውስትራላውያን፣ ምስ 33 ኖርወጃውያን ባሕረኛታትን 20 ጃፓናውያን ሰራሕተኛታትን ድማ ሞይቶም።
ሳይለንትዎርልድ ፋውንዴሽን ዝተብሃለ ጉጅለ ስነ-ጥንቲ ባሕሪ ኣውስትራልያ፡ ፉግሮ ብዝበሃል ሆላንዳዊ ትካል ዳህሳሲ ዓሚቕ ባሕሪ ተሓጊዙ እዩ ነዚ ተልእኾ ኣዋሃሂድዎ።
ስብርባር እታ መርከብ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ሜትር ዕምቆት ኣብ ዘለዎ ትሕቲ ማይ ብዝሰርሕ ተሽከርካሪ (AUV) እዩ ተረኺቡ።
ክኢላ ቴክኒክ ናይዚ ጉጅለ ኣለሻ፡ ካፕቴን ሮጀር ተርነር፡ “ሕዚ መቓብር ኵናት እዩ። ብግቡእ ክብሪ ክተሓዝ ዘለዎ መቓብር” ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።
ተሽከርካሪ AUV ካብ 45 ሜትር ርሕቐት፡ ናብ ስብርባር እታ መርከብ ከምዝበፅሐ ድማ ሓቢሩ።
ካፕቴን ሮጀርስ፡ “ስእልታት እታ መርከብን ኣብ ጉዕዞ እሱራት ዝፀንሕሉ ዝተዓፀዉ ክፋላትን ምርኣይ፡ ብስምዒት ዝተመልአ ህሞት እዩ ነይሩ” ኢሉ።
ሳይለንትዎርልድ፡ ስብርባር እዛ መርከብ ከምዘይዘናበልን ኣስከሬን እቶም ዝሞቱ ሰባትን ቅርስታትን እውን ከምዘይእለዩን ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባኔዝ፡ “ኣብ መወዳእታ፡ መዕረፊ ቦታ ዝጠፍኡ ነፍሳት ሞንተቪድዩ ማሩ ተረኺቡ። እዚ ናይ ሎሚ ዜና ነቶም ንነዊሕ እዋን ብንቕሓት ክከታተሉ ዝፀንሑ ፈተውቶም ከምዘፀናንዕ ንትስፎ” ኢሉ።
እታ መርከብ ካብ ኣሜሪካዊት ሳብ ማሪን ዩኤስኤስ ስታርጀን ብዝተተኮሳ ናይ ትሕቲ ማይ ሚሳይል እያ ተሃሪማ ጥሒላ።
ኣብታ ናይ ኣለሻ መርከብ ኰይኑ ብስልኪ ዝተዛረበ ካፒቴን ሮጀርስ ተርነር፡ መርከብ ሞንተቪድዮ ማሩ ምስ ተወቕዐት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ደቓይቕ ክተንቆልቁል ከም ዝጀመረትን ኣብ ውሽጢ 11 ደቓይቕ ከኣ ኣብ ትሕቲ ማዕበል ከምዝጠፍአት ሓቢሩ።
ሻቡ ሰለስተ ጃልባታት ሂወት ኣድሕን፣ 102 ጃፓናውያን ሰራሕተኛታትን ሓለዋን ናብ ፊሊፒንስ ተበጊሶም።
ዳይሬክተር ሳይለንትዎርልድ ጆን ሙለን፡ “ስድራቤታት ደሃይ እቶም ዝጠፍኡ ዝፈትውዎም ሰባት ንምርካብ ንዓመታት ተፀብዮም እዮም። ሎሚ መዓልቲ እዛ መርከብ ብምርካብና፡ በቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ንዝተጐድኡ ብዙሓት ስድራቤታት መኸምበቲ ከምዘምፅኣሎም ንትስፎ” ኢሉ።
ሳይለንትዎርልድ፡ ግዳያት፡ ካብ 14 ሃገራት ዝመፅኡ 1089 ሰባት ከምዝኾኑን፡ መቕርቦም ምርካብ ከም ዘይተኽኣለን ገሊፁ።
ይኹን’ምበር ናይቶም ግዳያት ዓሌት ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ መፃኢ ዝግበር ዝክርን እዋናዊ ሓበሬታን ንምርካብ ኣብ ሓይሊ ምክልኻል ኣውስትራልያ ምምዝጋብ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።
እቲ ኣለሻ፡ ብ ሽዱሽተ ሚያዝያ፡ ካብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሉዞን፡ ፊሊፒንስ 110 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ደቡባዊ ቻይና ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ስብርባር እታ መርከብ ድሕሪ 12 መዓልታት እዩ ተረኺቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







