ብሊንከን፡ ንሰሜን ኢትዮጲያ ዝግበር ‘ምምሕያሽ ዘርእይ’ ዘሎ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣድኒቝ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ንሰሜን ኢትዮጲያ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ረዲኤት ይመሓየሽ ኣሎ ብምባል ኣድናቖቱ ገሊጹ።
ብሊንከን ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ቀረባ እዋናት ንነጀው እቲ ንሰሜን ኢትዮጲያ ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ረዲአት ስሩዕን ቀጻልነቱ ዝሓለወን እናዀነ ምምጻኡ ብምንኣድ ኣድናቖቱ ገሊጹ።
ብመሰረቲ’ዚ ትማሊ ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሸውዓተ መዓልታት ጥራይ፡ ሓደ ሽሕን ሓደ ሚእትን ረዲኤት ዝጸዓና መካይን ትግራይ ኣትየን ኣለዋ።
እዘን መካይን፡ መሰረታውያን ሃነጽትን ዝበሃሉ መግብታት፡ ናውቲ ሕክምና ከምኡ’ውን ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራትን ዝጸዓና ምዃነን እቲ መግለጺ ወሲኹ ይጠቅስ።
ብሊንከን፡ እዚ ረዲአት ናብቶም ግዳያት ንኽበጽሕ መንግስቲ ፈደራል፡ ምምሕዳራት ክልላት ዓፋርን ትግራይን ዝገበርዎ ውሁድ ምትሕብባር ንኢዱ’ሎ።
ኣብ ርእሲ ‘ዚኦም ብሊንክን፡ ንትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ትካላት ወሃብቲ ረዲኤትን ንስለ ጻዕሮም ምስጋናኡ ገሊጹ።
ፕረስ ሰክረታርያት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ቢልለኔ ስዩም ብሰኑይ 29 ግንቦት 2014 [ግእዝ] ንእዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪታ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ናብ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ 2.1 ቢልዮን ብር ከምኡ’ውን 87 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግቢ፣ ልዕሊ 783 ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከም ዝተላእከ ገሊጻ ነይራ።
ብተወሳኺ፡ ንተፈናቐልቲ ክልል ኣምሓራ’ውን 244 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ምግቢ ከም ዝተዓደለ፡ ቢልለኔ ኣፍሊጣ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝተባርዐ ውግእ ሓድ-ሕድ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዓቢይ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኣስዒቡ እዩ።
ኣብቲ ክልል፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ኰይኖም ምህላዎም፡ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት ክገልጻ ጸኒሐን እየን።
ነዚ ዝተፈጥረ ቅልውላው ስዒቡ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብጻሕ ምእንቲ ኽከኣል፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ግጭት ደው ንምባል ክውስን እንከሎ፡ መራሕቲ ህወሓት ብወገኖም ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ይዝከር።
እንተዀነ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንስለሰብኣዊ ረዲኤት ክብሉ ግጭት ደው ንምባል እንተ ተሰማምዑ፡ እቲ ዝዕደል ረዲኤት ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንዘለዉ ተጸበይቲ፡ ዛጊት ብእኹል መጠን ክባጻሕ ኣይከኣለን። ጠንቂ እዚ ድማ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ናይ ሓዋሩ ፍታሕ ምምጻእ ዝሓሸ እዩ
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን፡ ኣብቲ ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ጽቡቕ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ደረጃኡ ኣበሪኽካ ናብ ዝርርብ ምእታው፡ ነቲ ግጭት ናይ ሓዋሩ ዘላቒ ፍታሕ ምፍጣር ዝሓሸ እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ብሊንከን፡ ኣብቲ ግጭት ዘለዎ ከባቢታት ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን መስመራት ርክብን ናብ ንቡር ክምለሱ ጻዕሪ ክግበር፣ ንዅሉ ዝሓቍፍ ዝርርብ ክጅመር፣ ንዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኵሎም ኣካላት ተሓታትነት ከረጋግጹ ኣብዚ ናይ ትማሊ መግለጺኡ ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







