ኣደ ንውላዳ እትኸፍሎ ዋጋ፡ ዛንታ ኤርትራዊት ነብያት ሓጐስ

ምንጪ ስእሊ, NB
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየት በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ውሉዳትን ነርስ ነብያት ሓጐስ፡ ድሕሪ መርዓኣ፡ ምስ በዓል ቤታ ነፍሰጾር ኮይና እያ ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዳ፡ በቲ ዝተማህረትሉን ዝሰርሓትሉ ሞያ፡ ን9 ዓመታት “ኦቲዝም ስፐክትረም” ንዘለዎም ሕሙማት ትኣሊ ነበረት።
ኣጋጣሚ ኰይኑ ነብያት፡ ኣብ ካልኣይ ጥንሳን ሕርሳን ንዘጋጠማ ናይ ጥዕና ብድሆን ዝሓለፈቶ ተመኵሮን ተመሳሳሊ ጸገም ንዘለወን ስድራ ቤታት ተስፋ ንምሃብ ታሪኻ ብኸምዚ ዝስዕብ ተዘንቱ።
ኣብ እዋን ጥንሳ ዝስመዓ ጸገም ስለዘይነበረ፡ ክሳብ ግዜ ሕርሳ ምስ ምሉእ ሓይላ ትሰርሕ ነበረት። ሓካይም ግን ገና ኣብ እቲ ኣብ ማህጸን ዘሎ ዕሸል ናይ ልቢ ጸገም ከምዘሎን ክመውት ከምዝኽእልን ነገርዋ።
ድሕሪ ሕርሲ ከኣ ነቲ ሕጻን ብቕጥታ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ኣእተውዎ። ነቲ ዝጠቦ ይተፍኦ ስለዝነበረ ኣይዓኾኸን፤ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሳንቡኡ ማይ ክመልእ ጀመረ።
እቲ ህጻን ክዓብን ጸገማት ሳንቡኡን ልቡን ክፍወስ እንተዀይኑ መግቢ ክበልዕ ነይርዎ። ሓካይሙ ኣማራጺ ምስ ሰኣኑ፡ ኣብ 3ይ ወርሑ ብኸብዱ ቐዲዶም ብትቦ ክምግብዎ ወሰኑ። ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ድማ ን9 ዓመትን ፈረቓን በዚ መገዲ’ዚ ተመጊቡ።
ኣብ ሳልሳይ ወርሑ ኣብ ሆስፒታል እንከሎ ጸገም ምስትንፋስ እውን ስለዘጋጠሞ፡ ን21 መዓልታት ብማሽን ከም ዘስተንፍስ ገበሩዎ።
ድሕርዚ ግን ሓካይሙ፡ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ኣይክእልን’ዩ ስለዝበሉ፡ ጐሮርኡ ቐዲዶም ብቱቦ (ብትሬክ) ንኸስተንፍስ ሓሳብ ኣቕረቡ።
እቶም ስድራ፡ ነቲ ገና ሓደ ዓመት ዘይመልአ ውላዶም በዚ ኵሉ ክትሓስቦ ዘጸግም ቃንዛ ክሓልፍ ከጻወርዎ ስለዘይከኣሉ፡ ነቲ ብቱቦ ምስትንፋስ ዝብል ሓሳብ ኣይከውንን እዩ ብምባል ኣቕበጹ።

ምንጪ ስእሊ, NB
”ንዓይ እታ ኣዝያ ዝኸበደት ውሳነ ሽዓ እያ ነይራ። ሓካይም፡ “እዚ ቘልዓ ክመውት ዲኺ ትደልዪ ዘለኺ” እናበሉኒ፡ “ትሬክ ኣይገብርን’ዩ” ብምባል ‘ወደይ ሃቡኒ እግዚኣብሄር ይፈልጥ ንዕኡ ክጽበ እየ’ ኢልና ኢና ካብ ሕክምና ወጺእና። ኣብ መጨረሽታ ከኣ እግዚኣብሄር ረዲኡኒ።
እቶም ሓካይም ንሳሚ ኵሉ እቲ ክግበር ዝከኣል ስለዝፈተኑሉ ከምዘይተቓወምዋ ትገልጽ ነብያት።
ብሰንኪ እቲ ነዊሕ እዋን ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሶ፡ ኣዕጽምቱ ተመዛቢሉ እግሪ እውን ስለዘይተኸለ፡ ናይ ዓጽሚ መጥባሕቲ እንተዘይጌሩ ሳሚ ብእግሩ ክኸይድ ከምዘይክእልን ዕድመኡ ምሉእ ዓረብያ (ዊልቸር) ክጥቀም ክግደድ ምዃኑን ከኣ ተነግራ።
ምስ ኵነታት ጥዕናኡ ግና ነቲ መጥባሕቲ ክጻወሮ ስለዘይክእል ንሓደ ዓመት ክጸንሕ ነይርዎ።
“ድሕሪ ዓመት ግን ኣምላኽ ይመስገን ኣዕጽምቱ እናተረረን በቦታኡ እናሓዘን ከይዱ። ወዲ 3 ዓመት ምስ ኮነ ከኣ እግሪ ተኺሉ። ኣቐዲሙ ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ልቢ መጥባሕትታት ክገብር ተኣዚዝዎ’ኳ እንተነበረ፡ ምስ ምውሳኽ ዕድመ ነተን ክልተ ኣትሪፎመን። እታ ሓንቲ ግን ኣብ 2021 ኦፐን ሃርት ሰርጀሪ ዝበሃል ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ኣዝዩ ዓቢ ሕክምናዊ መጥባሕቲ ገይሩ።”
ሳሚ ድሕሪ’ቲ ብሰብ ሞያ ዝተገበረሉ ደገፍ፡ ኣብ መበል 9 ዓመትን መንፈቕን ዕድመኡ ንመጀመርያ እዋን መግቢ ብኣፉ (feeding therapy) ክበልዕ ጀመረ።
“መቸም ኣምላኽ ይመስገን ካብታ በርቲዐ ንሳሚ ክሕግዞ ኣለኒ ኢለ ዝወሰንኩላ ዕለት፡ ብዝተፈላለየ ሓገዛት፡ speech therapy, acupational therapy, food therapy ካልእን እናገበርና ኣዝዩ ብዙሕ ለውጥን ምምሕያሽን ጌሩ ኣሎ።
“ምናልባት እውን ቀሪቡ ንዝረእዮ እምበር’ዶ ኦቲዝም ኣለዎ”ዩ ክትብል ይኸብድ እዩ። ዳርጋ 80% ሳሚ ወደይ ኣዝዩ ተመሓይሹ እዩ፡“ ትብል ወላዲቱ።
ሳሚ ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ 10ይ ዓመት ልደቱ ክመልእ እንከሎ፡ ኣባላት ስድራኡን መቕርቡን ብምስጋና ኣብዒሎምዎ።
ኣብዚ እዋን ሳሚ 4ይ ክፍሊ ይምሃር ኣሎ። ብተወሳኺ ኣብ ተክኖሎጅን ኮምፒተርን ዝንባለ ስለዘለዎ ኣብ ናይ ሮቦቲክስ ትምህርቲ’ውን ይመሃር ከምዘሎ፡ ኣዝዩ በሊሕ ቈልዓ ምዃኑን ወላዲቱ ትገልጽ።
ንምዃኑ ኦቲዝም እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, NB
ኦቲዝም ስፐክትረም ዝበሃል ኣብ ማሕበራዊ ይዅን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥን ከቢድ ብድሆ ዘስዕብ ማሕበራዊ ስንክልና እዩ። ካብ ኣብ ደቀንስትዮ ብዝያዳ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ይርአ። ኣብ ኣሜሪካ ብዝተገብረ መጽናዕቲ 1 ካብ 44 ቈልዑ ብኦቲዝም ስፐክትረም ይጥቃዕ ዝብል ጸብጻብ ኣሎ። ብሓፈሻ ኦቲዝም ስፔክትረም ዲስኦርደር (ASD) ርኡይ ማሕበራዊ ርክብን ባህርያውን ጸገማት ከስዕብ ዝኽእል ናይ ምዕባለ ጸገም እዩ።
ጠንቑ ድማ ብተወርሶ (ጀነቲክስ)፡ ብከባብያዊ ብከላ፡ ቅድሚ መዓልትኻ ምውላድ፡ ከም ጸረ ታህዋስያውያን anti biotic ዝኣመሰለ መድሃኒት ብብዝሒ ምውሳድን ምብላሻው ከስዐን ዝኣመሰለ እዩ። ንሱ ምስ ተበላሻወ ከኣ እዚ ንዛረበሉ ዘሎና ኦቲዝም ስፐክትረም ክመጽእ ይኽእል።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዓለም መጠን ኦቲዝም ኣዝዩ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ተመራመርትን ግዱሳት ወለድን ጠንቂ ኦቲዝም እንታይ ምዃኑ ክገልጹ ምስ ጀመሩ እቲ ኣርእስቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ረኺቡ።
ነብያት ነቲ ሕማም ብኸመይ እያ ኣስተብሂላትሉ?
ኣጋጣሚ ኰይኑ ነብያት ንሓያሎ ዓመታት “ኦቲዝም ስፐክትረም” ምስ ዘለዎም ሰባት ትሰርሕ ብምንባራ፡ እቲ ምልክታት ኦቲዝም ኣብ ሳሚ ወዳ ብውሑድ ደረጃ ክትርእዮ ምስ ጀመረት ናብ ሓኪሙ ብምኻድ፡ እቲ ተስተብህሎ ዝነበረት ምልክታት ብምንጋር ከተረድኦ ፈተነት።
እቲ ሓኪም ግን ነቲ ሕጻን ክውለድ እንከሎ ኣትሒዙ ዝሓለፎ ናይ ሞትን ህይወትን ጥዕናዊ ብድሆ ብምዝካር፡ “እዚ ቘልዓ’ዚ ብሂወት ክነብር ዘይተሓስበ ክነሱ ብተኣምራት ኣብዚ በጺሑስ፡ ሕጂ ድማ ኦቲዝም ገለ ኢልኪ ትሻቀሊ ዘለኺ ስቅ ኢልኪ ፈሪሕኪ ኢኺ እምበር፡ ወላ ሓንቲ ምልክት የብሉን“ ብምባል ክልተ ግዜ’ኳ እንተመለሳ፡ ስለዘይቀሰነት ተመሊሳ ብምኻድ፡ “ናብቶም መርመራ ዝገብሩ ኣሕልፈኒ ኣይቀሰንኩን” ከም ዝበለቶ ትዝክር፡፡
ብድሕር’ዚ እቲ ዘድሊ መስርሕ መርመራ ብምግባር ጥርጣረኣ ቅኑዕ ምዃኑን ሳሚ ወዳ ኦቲዝም ስፐክትረም ከምዘለዎን ነገርዋ።
ከም ወላዲት ነዚ ምስ ሰምዐት ክትቅበሎ ኣይከኣለትን፡ ብኸቢድ ሓዘን ተዋሒጣ ንዓመት መመላእታ ብብኽያት ኣሕለፈቶ።
ከመይሲ እቲ ገና ውልድ እንክብል ኣብ ክንዲ ናብ ሕቝፋ ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን (ICU) ዝኣተወ ወዳ፡ ብህጻንነቱ ብድኻም ልብን ካልኦት ምስኡ ተታሓሒዞም ዝመጽኡ ጸገማትን ብብዙሕ ናይ ሞትን ሕይወትን ፈተና ሓሊፉ ሕጂስ ደሓን እዩ ኢላ ገና ሩፍ ኣብ ምባላ፡ እዚ ክትሰምዕ እንከላ ክስማዓ ዝኽእል ከቢድ ጓሂ፡ ንዝዀነት ኣደ ክርድኣ ኣይከብድን እዩ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ነቶም ብሕክምናዊ ሞያኣ እትኣልዮም ዝነበረት ብኦቲዝም ዝተጠቕዑ ዓበይቲ ሰባት እውን ብቐረባ ትርእዮም ብምንባራ ዝያዳ ነቲ ጭንቃ ኣራጐዶ፡ ዕድመኦም ምሉእ ኣብ መድሃኒት ተሞርኪሶም ዝነብሩ ተኣለይታ እናረኣየት፡ ወዳ ከምኡ ኰይኑ ክትርእዮ ብፍጹም ክወሓጠላ ኣይከኣለን።
ነታ ዝሰምዓታ መረጋገጺ ሓኪም ድማ፡ ወላውን ንበዓል ቤታ፡ በቲ ሓደ ካብ ትምህርቱ ከየተተዓናቕፎ ብምባል፡ በቲ ኻልእ ድማ ንገዛእ ርእሳውን ነቲ ክውንነት ኣብ ምንጻግን ምቕባልን ተቐርቂራ ብምንባራ ንሰብ ከይነገረት ንበይና ተሓመሰት።
ግናኸ፡ ኣብ ጓሂ ስለዘይንበር ንባዕላ በርቲዓ ንወዳን ስድራ ቤታን ከጽንዖም ኣሎኒ ብምባል ድሕሪ ዓመት “ውላድና እንታይ እንተገበርና እዩ ክመሓየሽ ዝኸእል” ብምባል መፍትሕን ሓገዝን ሃሰው ክትብል ጀመረት።
“ኣደታት’ከ አንታይ ይብላ ብምባል ክፍትሽ ምስ ጀመርኩ ክልተ ማናቱ ደቃ ብኦቲዝም ዝተጠቕዑ ሊያ ስዩም እትበሃል ጅግና ኣደ፡ ሓደ ሊንክ ምስ ሰደደትለይ ኣብኡ ኣንቢበ፤ ‘ኣነ እውን ንወደይ እንተጽዒረሉ ክመሓየሽ ይኽእል እዩ’ ብምባል ብዛዕባ ኦቲዝም ከጽንዕን እቲ ኣነ ዝፈለጥክዎ እውን ንሕብረተሰበይ ከካፍልን ዝጀመርኩ፡” ብምባል ንኽብደት እቲ ኵነታት ተዘንትዎ።
ነብያት ንዅለን እተን ብውሉደን ዝተፈላለየ ጸገም ዝሓልፋ ዘለዋ ብፍላይ እውን ደቀን ብኦቲዝም ንዝተጥቕዑ እሞ ተስፋ ቈሪጸን ዓቕለን ዘጽብባ ንዘለዋ ስድራቤታት፡ “ኣጆኹም ይከኣል እዩ“ ብምባል ተበራትዕን ተጸናንናዕን።
“ዋላ’ውን ኣብቶም ነቲ ኵነታት ተቐቢሎምዎ ውላዶም ዝሕግዙ፡ ተወሰኽቲ ቈልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ንዅሎም ኣተኵሮ ምሃብ ስለዘሸግር፡ “ግዜኻን ኣቓልቦኻን ናብቲ ጸገም ዘለዎ ወይ ሓገዝ ዘድልዮ ቈልዓ ስለዝስረቕ ነቶም ካልኦት ክትሃስዮም ትኸእል ኢኻ።
ብርድኢት፡ ግዜ ክህቦም ኣለኒ ኢልካ እናጸዓርካ ከለኻ ከማን ሚዛን ከተትሕዞ ቀሊል ኣይኰነን። ግን ነቲ ብድሆታት ኣነን በዓል ቤተይን ኢድን ጓንቲን ብምዃን፡ ኣነ እዚ ክገብር ንስኻ እዚ ግበር እናተባሃሃልና ኢና ንሰግሮ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ብፍላይ ኣቦታት ኣብ ጐድኒ ኣንስትኹም ኴንኩም ነቲ ዝወረደ ክትብድህዎ ሓደራ እብለኩም” ትብል።
ሕብረተሰብ ብዛዕባ ኦቲዝም ዘለዎ ኣረኣእያ

ምንጪ ስእሊ, NB
ኣብ ገለ ዘይነቕሐ ክፋል ሕበረተሰብና ምስ መርገምን ምስ ዘይምጽላይን ዘተሓሕዝዎን ዝሕብኡን ስድራቤታት ኣለዉ። ገለ’ውን ነቲ ኣደራዕ ናብ ኣደታት ጠንጢኖሞ ዝኸዱ ኣቦታት’ውን ኣይሰኣኑን።
ነቢያት ግን ምስ መርገም ዘተሓሕዝ ከምዘይብሉን ብኣጋኡ ሓገዝ ምድላይ ኣገዳሲ ምዃኑ እያ ተረድእ።
“ምናልባት ብንእሽቶኦም ክትሓብእዎም ትኽእሉ ኢኹም ምስ ዓበዩ ግን ፈጺምኩም ክትሕዙዎም ስለዘጸግም፡ እቲ ጸገም መሊሱ እዩ እናኸበደ ዝኸይድ። ስለዚ ገና ብኣጋኡ ሓግዝዎም ኣጆኹም። ደቅና ህያብና እዮም፤ ምናልባት ኦቲዝም ሃልዩዎም ምስ ዝውለዱ ድማ ናትካ ወይ ናታ ጸገም ኣይኰነን። ግን በቃ ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ውህበትና ስለዝዀኑ ኣብ ጐነን ደው ኢልኩም ብሓባር ውላድኩም ሓግዙ።
ምሕባእ ድማ ምርጫ ኣይኰነን። ሓደራኽን ኣደታት ሰብ እንታይ ክብለኒ እዩ ዝብል ነገር ረሲዕክን ደቅኽን ሓግዛ። ንሕና ነቒሕና ሕብረተሰብና ነንቅሕ ሓደራ...ሓደራ ኣጆኹም ድማ እብል፡” ብምባል ምኽራ ትልግስ።
ነብያት ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ናሽቪል ኣሜሪካ፡ ናይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ማሕበር ብኦቲዝም ስፐክትረም ዝተጠቕዑ ቈሎዑ ዘለዎም ስድራቤት ጠርናፊት ኰይና፡ ሓሳብ ንሓሳብ ኣብ ምውህሃብን ንቕሓት ሕብረተሰብን ኣብ ምብራኽን ትነጥፍ ኣላ።
“ብፍላይ ካብቲ ዝነበርክዎ ጐቲታ ዘውጽኣትኒ መንቛሕቛታ ዝሃብትንን ክሳብ ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእል ዝደገፈትንን፡ ናይ Reach families DFW and beyond ዝበሃል ብኦቲዝም ዝተጠቕዑ ውሉዳት ዘለዎም ስድራቤታት ማሕበር ጠርናፊት ሊያ ስዩምን በዓል ቤተይን ኣዝየ አመስግን” ትብል።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







