ኣደታት ዓዲጥልያን፡ ንዓመታት ንሰውራ ኤርትራ ዝደገፋ ሃገራውያን ከመይ ኣለዋ?

ምንጪ ስእሊ, DM
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣደታት ዓዲጥልያን ክበሃል እንከሎ ነተን ኣብ ከተማታት ዓዲጥልያን - ሮማ፡ ሚላኖ፡ ፊረንሰ፡ ቦሎኛ፡ ፓርማ፡ ናፖሊ፡ ባሪ ... ወዘተ - ብፓስፖርት ኢትዮጵያ ክሰርሓ እተሰዳ፡ ኣብ ሽቕለት ተዋፊረን ብዅለንትነአን ንሰውራ ዝደገፈ ኤርትራውያን ኣደታት’ዩ ዘመልክት።
ይዅን እምበር ኣብ ከም በዓል ሱዳን፡ በይሩት፡ ኩወይት፡ ብሪጣንያን ካልእን'ውን ንነጻነት ሃገረን ዝተቓለሳ ኤርትራውያን ኣደታት ኣለዋ።
ኣብዚ እዋን ብዛዕባ ኣበርክቶ እዘን ኣደታት እናኽለዓል ቅድሚ ዅሉ ዝመጽእ ሕቶ እቲ ዝተቓለሳሉ ዕላማን መትከልን ከመይ ከምዘሎን፡ ትጽቢትን ክውንነትን ከመይ ከምዝተጋጠመ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ ይብል፡ ብዛዕባ እዘን ዝጥቀሳ ዘለዋ ኣደታት ናይ ቀረባ ፍልጠት ዘለዎ ኣቶ ኤልያስ ሃብተስላሰ።
እተን ኣብ ጽባሕ ነጻነት ካብ ሃገረ ስደተን ናብታ ዋጋ ዝኸፈላላ ብ1991 ነጻ ዝወጽአት ሃገረን ክምለሳ ዝሓልማ ዝነበራ ኣደታት ከምቲ ዝሓሰበኦ ኣይኰነለንን።
እተን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዘቤታዊ ዕዮ ተጸሚደን ከቢድ ስራሕ ዝሰርሓ ዝነበራ ኣደታት ኣክንዲ ንዓዲ ዝምለሳ፡ ብኣንጻሩ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን እቶም ንናጽነት ዝተጋደሉ ከይተረፈ ንስደት ይውሕዙ ብምህላዎም፡ ትጽቢትን ክውንነነትን ኤርትራውያን ከምዘይተጋጠመ ኣብ ሰብዓታት ኣብ ሮማ ዝነብር ዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ይዛረብ።
“መብዛሕተአን እተን ናይ ሰብዓታት ኣደታት ሕጂ ብዕድመ ደፊአን፡ ካብቲ ዓቢ ስእሊ ሰውራ ተገሊለን፡ ጥሮታ ወጺአን፡ ሓያሎ እውን ድሮ ካብዛ ዓለም ብሞት ሓሊፈን እየን። ብዙሓት ካብተን ብህይወተን ዘለዋ ከኣ ገና ኣብ ዓዲ ስደተን ኣብ ጥልያን ይነብራ ኣለዋ። ዛንታአን ከኣ ምስ ምንዋሕ ግዜ ዳርጋ ተረሲዑ ክበሃል ይከኣል፡” ይብል።
እተን ኣብ ፈለማ 60’ታት ንዓዲ ጥልያን ዝኣተዋ ኣደታት፡ ኣብ ኤርትራ ይነብሩ ምስ ዝነበሩ ወሃብቲ ስራሕ ኢጣልያውያን እየን ዝሰርሓ ነይረን። ኣብ 1962 ስርዓት ሃይለስላሰ ንፈደራላዊ ውዕል 1952 ግሂሱ ንኤርትራ ምስተቘጻጸራ፡ ብዙሓት ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኢጣልያውያን ንዓዶም ክምለሱ እንከለው፡ ንገለአን ሰራሕተኛታቶም ሒዞመን ንዓዲ ጥልያን ተመልሱ። ሓያሎ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝነበራ ኣደታት ከኣ ካብ ወደብ ባጽዕ ብመራኽብ ንናፖሊን ጀኖዋን ከምዝኣተዋ ገዲም ነባሪ ሮማ ኣቶ ኪዳነ የዘንቱ።
ኣብቲ እዋን እንትርፎ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብዙሓት ጸለምቲ ስደተኛታት ዳርጋ ኣይነበሩን። ብ1919 ኣብ ቫቲካን ናይ ኢትዮጵያውያን ኮለጅ ተተኺሉ ስለ ዝነበረ ግን፡ ብቕሽነት ክስልጥኑ ዝለኣኹ ኤርትራውያንን ኢትዮጵውያንን ተመሃሮ ኣብ ሮማ ነይሮም።
ኤርትራውያን ኣደታት ግን ዳርጋ ኣይነበራን። ካብተን ፈለማ 60ታት ዝዝከራ ምስ ዶክተር ቶማሲ ዝበሃል ጣልያን (ሓኪም) ዝሰርሓ ዝነበራ ንሮማ ዝኣተዋ ኣደይ ሳራ ሰለባ እየን። ንሰን ኣብ ቪያ ናስዮናለ ዝበሃል ዓቢይ ጐደና ይነብራ ምንባረን ይዝንቶ።
ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ኣደታት
“ኣብ ከባቢ 1972 ኤርትራውያን ኣደታት ብብዝሒ ንዓዲ ጥልያን ክስደዳ ጀመራ” ይብል ኪዳነ። ኣብ ኣስመራ ‘ኣጀንሲያ ማሪያ’ ዝበሃል ብሓንቲ ኢጣልያዊት ዝካየድ ቤት ጽሕፈት ነበረ - ናይ ስራሕ-ገዛ ኣብ ዓዲ ጥልያን ተቘጺረን ክሰርሓ ንዝደልያ ደቂ ኣንስትዮ እተሳልጥ ሰብ’ያ ነይራ። ብንየው ከኣ ምስ ሃብታማት ጠላይን - ኣብ ሰሜንን ማእከላይን ሸነኽ ኢጣልያ - እተታኣሳስር ኣጀንሲያ’ያ ነይራ።
እተን ዝስደዳ ዝነበራ ኣደታት መብዝሕትአን ብትምህርቲ ንክደፍኣ ብዙሕ ዕድላት ዘይነበረን፡ ብጁዋትን ዓቢ ሓላፍነት ቤተ-ሰብ ዝተሰከማን እየን ዝነበራ።
እተን ኣደታት፡ ስኣን ብቝዕ ማሕበራዊ ፍልጠት (ንኣብነት ብጕዳይ መሰላት ሰራሕተኛታት)፡ ብትሑት ደሞዝን ብዘይ ተጣበቕቲ መሰላተንን ብተኣማንነትን የዋህነትን ይሰርሓ ነበራ። እቲ ስራሕ ከቢድ ነበረ፤ ኣብ ሰሙን ክልተ ፍርቂ መዓልታት (ሓሙስን ሰንበትን) ጥራይ ከዕርፋ ይፍቀደለን፣ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ገዛ ኸኣ ይሓድራ ነበራ።
ብጽምዋ ይሽገራ ስለ ዝነበራ ድማ፡ ዝገበራ ገይረን ንሓድሕደን ብሰበ-ሰብ ኣቢለን ክጫነዋ ጀመራ። ቍጽረን እናበዝሐ ምስ ከደ ኸኣ ኣብ ማእከላት ከተማ ክተኣኻኸባ ጀመራ። ንኣብነት ኣደታት ሮማ ኣብ ስታስዮነ-ተርሚኒ (ማእከላይ መደበር ባቡር) ዝበሃል ቦታ ይእከባ ነበራ።
እተን ኣደታት ኣብቲ ከባቢ ስታስዮነ ዓሲለን፡ ክዳን ሓበሻ ተኸዲነን ምርኣይ ንባዕሉ ንጣልያን ዓቢ ምርኢት ነበረ።
ንኵነታት ንጥፈታት ኣደታት ዓዲጥልያንን (ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ኤ.ና.ሰ.ኤ. - ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ) ንምርዳእ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኵነታት ምርዳእ ኣድላዪ’ዩ።
ሽዑ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኵነታት ሜዳ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, DM
ፈለማ 70’ታት ብውግእ ሓድሕድ’ዩ ዝዝከር። ህዝቢ ንሰላምን ሕብረትን እናጠለበ ኵነታት ሜዳ ግን ጽቡቕ ኣይነበረን። ተጋደልቲ ኣክንዲ ሓቢሮም ዝሰርሑ ነቲ ምስ ጸላኢኦም ክገጥምሉ ዝዓጠቑዎ ብረት ናብ ሓድሕዶም ኣቕንዑዎ።
ኣብቲ እዋን’ቲ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ልዑል ተራ ነይርዎ። ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ተጋደልቲ ጀብሃ (ተ.ሓ.ኤ.) ኣብ ከተማ እናኣተዉ ብዙሕ ንጥፈታት የካይዱ ነይሮም።
ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ውግእ ጻዕጺዑ ብዙሓት በርጌስ [ሲቪል] ይቐተሉ ስለዝነበሩ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ንኽቃለሱ ንሜዳ ይውሕዙ ነበሩ። ኣብቲ እዋን ከኣ ተሓኤ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝዀኑ እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሰምበልን ዓዲዃላን ሓራ ኣውጺኦም።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ወኪዱባ፡ ኦምሓጀር፡ ኣቝርደት ጃምላዊ ግፍዒ ስለዝተፈጸመ፡ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ፡ ብዙሓት ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ ናብ ገድሊ ሰዲዖም።
ኮንግረስ ጀብሃ፡ ንኣሕመድ ናስር ከም መራሒ መሪጾም ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ (ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ) ንሕብረት ክሰማምዑ፡ ብሸነኽ ህዝባዊ ግንባር ከኣ ንሳበ በቲ ምስ ጀብሃ ዘካየዶ ናይ ሕብረት ፈተነ ኰኒኖም ክንጽልዎ፣ ብሰንኪ እቲ ግፍዒ፡ ኣስታት 220,000 ኤርትራዊ ንሱዳን ከም ዝተሰዱን፡ ካብኣቶም'ውን ብዙሓት ንኤውሮጳ ከም ዝሰገሩን ኣቶ ኤልያስ ይዝክር።
ብዛዕባ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ኣዕሚቝ ዝፈልጥን ተንታኒ ፖለቲካን ኤልያስ ሃብተስላሴ ከም ዝብሎ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሳበ ምስ ኰነኑን ሰጐጉን፡ እቲ ብሳበ ኣቢሉ ዝመጽእ ዝነበረ ሓገዝ ምስ ተነፍጐም፡ ካልእ ኣታዊ ንምርካብ’ዮም ኣብ ኣደታት ዓዲ-ጥልያን ከድህቡ ዝጀመሩ፤ ከምኡ’ውን ናብቶም ኣብ ኣተንስ (ግሪኽ)፡ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ ፈቐዶኡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት።
“ምንቅስቓስ ሓፋሽ ውድባት ኣብ ፓዶቫ ዝበሃል ከተማ ብበዓል ነፍሲሄር ወዲ ቫካሮ (ተወልደ ተስፋማርያም) ክጅመር እዝከረኒ” ይብል ኤልያስ።
“ኣነ ንሮማ ብታሕሳስ 1975 ምስ ኣተኹ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ኣደታት ነይረን፣ ሚእቲ-ክልቲ-ሚእቲ ዝዀኑ ኤርትራውያን ከኣ ተወዳዲቦም ጸንሑኒ” ይብል።
“በዓል ንጉሰ ዑቕበ (ኣብ ሚላኖ) በዓል ጎቴ፡ ኣሕመድ፡ ሃይለ ኣስፍሃ (ኣብ ሮማ)፡ ግርማይ ገብረማርያም (ሳንቲም) ኣብ ግሪኽ፡ ኰይኖም ከገልግሉ እዝከረኒ። ዓንዲ ሕቘ ናይቲ ምንቅስቓስ ግን ብርግጽ ኣደታት’የን ነይረን” ይብል።
ኵነታት ሓፋሽ ውድባት

ምንጪ ስእሊ, DM
ርግጽ’ዩ፡ ኣደታት ንዓዲ-ጥልያን ብብዝሒ ዝሰገራሉ ዝነበረ ግዜ፡ ሰውራ ኤርትራ ኸኣ እናዓበየ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካድራት ኣደታት ሓደ ምንጪ ሓገዝ ምዃነን ኣስተብሃልሉ’ሞ ኣይጸንሑን፡ ኣብ ፈቐድኡ ኣደታት ዝነበራሉ ከተማታት ክውሕዙ ጀመሩ። ኣደታት ምንጪ ሞራላዊ ደገፍ፡ ምንጪ ናውቲ፡ ከምኡ’ውን ምንጪ ገንዘብ ስለ ዝነበራ ክውድብወንን ፖለቲካዊ ንቕሓት ክህብወንን ጀመሩ። ተዓወቱ ኸኣ።
ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ ክልተ ግዜ ኣብ ኣኼባ ይሳተፋ ነበራ፤ ክብላ-ክብላ ኸኣ ዝተረፈ ናጻ ግዜአን ብምሉእ ንገድሊ ክዉፍያ ጀመራ። ወፈያታት ወሰኸ፡ ንመናበርን ንክራይ ገዛውቲ ካድረታትን (ቤት-ጽሕፈታቶም) ከምኡ’ውን ምግቦም ካብ ምኽኣል ሓሊፈን ኣብቶም ዝካየዱ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ምውጻእ ገንዘብ ይሳተፋ ነበራ፡ ይብል ኪዳነ።
እተን ኣደታት ኣብ ዓዲ ንዝርከቡ ቤተሰበንን ንሰውራ ክሕግዛን፡ እቲ ሒደት ደሞዘን ተመቓቒሉ ግን ዒምም ከይበላ ወፈያአን ቀጸላ። ሕልመን ዝሓሸት ሃገር ምስ ኣምጻእና ክሓልፈልና’ዩ፡ ብምባል መዓንጠን ሸጥ ኣቢለን ዝከኣለን ከምዝገበራ፡ ኣቶ ኤልያስ ይሕብር።
ካብ ሜዳ ኤርትራ ንሕክምና ዝመጹ ዝነበሩ ዉጉኣት ተቐቢለን፡ ኢደይ-ኢድኪ እናተበሃሃላ ዘስተናግዳሉ እዋን’ውን ነይሩ’ዩ። በብእዋኑ መራሕቲ ክፍሊ ህዝቢ ካብ ሜዳ (ከም በዓል ስብሓት ኤፍረም ዘኣመሰሉ) በብተራ እናመጹ ዝያዳ ገንዘብ ንኸዋጽኣ ሰሚናራት እናዳለዉ ፖለቲካ ቀዳማይ ዕማመን ከም ዝኸውን ገበሩ።
ሰሚናራት፡ ኣኼባ ፖለቲካዊ ንቕሓታት፡ ፈስቲቫላት፡ ቍጽሮም ወሰኹ። ቀስ ኢሉ ቀዳማይ ተልእኾ ህይወተን ሰውራ ኤርትራ ኰነ፣ ምዑታት ኣደታት ሰውራ ተባሂለን ንኽጽውዓ በቕዓ።
“ሰውራን ሓፋሽ ውዱባትን ቅዱስ ዕላማአን ኰነ ክበሃል ይከኣል” ይብል ኪዳነ።
‘ዓወታት’ ብቪድዮ ተቐሪጹ ካብ ሜዳ ይለኣኽ ስለዝነበረ፡ ኣብ ኣኼባ ‘ዓወታት’ እናዓለላ ወርቀን ቀንጢጠን ንሰውራ ክህባ ልሙድ ተርእዮ እናዀነ ከደ።
ዓመታዊ ኣኼባ ቦሎኛ ኸኣ፡ ኤርትራውያን ካብ ምሉእ ዓለም ዝእከብሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ይእከቡ ነበሩ። ኣደታት ዓዲጥልያን ድማ ነዚ ዅሉ ህዝቢ ንኽናብያ ከም ስርሐን ሒዘን እንጀራን ቅጫን ሕምባሻን ክስንክታ፡ ኣጻብሕ ክሰርሓ፡ ክሳብ ናጽነት ንዅሉ ብዘይ ገለ ምዕዝምዛም ይሰርሓኦ ምንባረን ሰነዳት ይነግሩ።

ምንጪ ስእሊ, DM
ኣብ ኢትዮጵያ ደርግ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ኵነታት ኤርትራ ክገድድ ጀመረ። ኣብ መታሕት ይዅን ማእከል ኣስመራ ቅትለት ወሰኸ። ኣደታት ዓዲጥልያን ንዓዲ ደዊለን ወረ ይረኽባ ስለ ዝነበራ፡ ወረ ተጋደልቲ ድማ ካብቶም ካድረታት (ብዝያዳ ካብ ካድራት ህዝባዊ ግንባር) ይረኽባ ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ፖለቲካ እናጠለቓ ኸዳ። ንጡፋት ኣባላት ሓፋሽ ውዱባት ኰይነን ወፈያአን እናወሰኸ ከደ።
“ይዅን’ምበር” ይብል ኤልያስ፡ “እቲ ቀንዲ ንሜዳ ዝስደድ ዝነበረ ሓገዝ ብ“ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ” (E.R.A.) ኣቢሉ’ዩ ነይሩ። እቲ ኣብ ዓዲጥልያን ዝዋጻእ ዝነበረ ገንዘብ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዝነበረ ስርሓት ይዓመሎም ነይሩ በሃላይ’የ” ይብል።
ኣደታት ዓዲጥልያን ቀልበንን ሃለዋተንን ምስ ተጋደልቲ ኣሕዋተንን ደቀንን ብምኻዱ፡ ነተን ዘይተወደባ ብጾተን ንኽውደባ ይደፋፍአአን ከምዝነበራ፤ ምስ ግዜ ከኣ እቶም ካድረታት ‘መን ግቡኣ ከፈለት - መን ኣይከፈለትን’ ዝብል ምቍጽጻር ስለዘተኣታተው፡ እተን ብኡ-ንብኡ ክኸፍላ ዘይከኣላ ካብ ናይ ዝመጽእ ወርሒ ደሞዘን ክኸፍላ ይመባጽዓ ንሓንሳብ እውን ኣዋርቐን ዝህባሉ እዋን’ውን ከምዝነበረ ኣቶ ኤልያስ ይዝክር።
ፖለቲካዊ ንቕሓተን ድሩት ብምንባሩ፡ ገሊአን ኣደታት ‘ምሁር ተበላጻይ’ ወይ ከኣ ‘ተመሃራይ ንኡስ ብርዡዋ’፡ ብምባል ናብቲ ግንባር ንዘይተወደበ ኸኣ ከም ጸላኢ ይርእያኦ ምንባረን ዝገልጽ ኣቶ ኤልያስ፡ ሕጽረታተን ብዘየገድስ ተወፋይነት ኣደታት ዓዲጥልያን ሓወልቲ ክትከለሉ ይግባእ ይብል ኣቶ ኤልያስ።
1991 ናጽነት ኤርትራ ኰነ
ኣበርክቶ ኣደታት ዓዲጥልያን ብሓጺር ዛንታን ሒደት ቃላትን ዝግለጽ ኣይኰነን። ካብ ፈለማ ሰብዓታት ጀሚረን ክሳብ ግዜ ናጽነት ረብሪብና ከይበላ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት፡ ኣብ ዓዲጥልያን ንዝነበሩ ካድረታት ይዅኑ ስንኩላን ተጋደልትን ብገንዘብን ጉልበትን ናውትን ብልዑል ዓቕመን ከምዘበርከታ ሓያሎ ተመራመርቲ ታሪኽ የዘንትው።
ኣብ መወዳእታኡ ግን መብዛሕትአን ናብታ ዝተቓለሳላ ሃገር ተመሊሰን እቲ ዝተረፈ ዕድመአን/ግዜ ጥሮታአን ብሰላም ቀሲነን ከሕልፋ ኣይከኣላን።
ብ1991 እቲ ዝዓበየ ዝተኻየደ ጽንብል ብግዜ ናጽነት ነበረ። ኣደታት ዓዲጥልያን ጻምአን ዝረኽባሉ እዋን በጽሐ ኢሎም ዝገልጽዎ ሰባት ነበሩ። ምናዳ እተን ብሽቕለት ዝደኸማ፡ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣደታት ንዓደን ተመሊሰን እፎይ ኢለን ዘዕርፋሉ ዘመን ኣተወ ይበሃል ነበረ። ሽዑ ዝተኣታተወ ዘይውዳእ ቢሮክራሲ ግን ዕንቅፋት ኰነን።
ኣደታት ዓዲጥልያን እቲ ዝርካቡ ዝዓቘራኦ ገንዘብ ሒዘን፡ ንጥሮታአን ብግቡእ ክጥቀማሉ ኢለን ንኤርትራ ንኽምለሳ መደባት ሰሪዐን ክጽበያ ጀመራ። ገሊአን ድማ ኵነታት ንኽዕዘባ ኢለን ንዓዲ ክበጽሓ ጀመራ። መንግስቲ ግን ግደ ትጽቢት ደኣ ገበረን’ምበር መደበን ንኽሳኻዕ ኣይሓገዘን።
ኪዳነ ሚኪኤል ከም ዝበሎ፡ “መብዛሕትአን ኣደታት፡ ንዓዲ ምምላስ’ምበር ካልእ ሕልሚ ኣይነበረንን። እተን ንኤርትራ ዝነበረን ዝሃባን ዝተበጀዋን፡ ብ "ወፈራ/መሸጣ ቦንድ መንግስቲ” እቶት ዘይርከቦ ቦንድ ክገዝኣ ጀመራ። እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ስልጣን ምስ ኣጣጠሐ፡ እተን ኣደታት ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ከም ጾር’ምበር ከም ኣደታት-ሰውራ ኤርትራ ገይሩ ኣይረኣየንን፡” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







