ኣንሶ ማትየንሶ፡ ኣንፈት ኤርትራ ዝቐየረ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት

ኣንሶ ማትየንሶ

ምንጪ ስእሊ, SG

ብ1902 ኣብ ቦሊቭያ ተወሊዱ፡ ሕግን ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን ተማሂሩ ።

ክሳብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣምባሳደር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ንሃገሩ ዘገልገለን ኣንሰ ማቴንሶ፡ ብ14 ታሕሳስ 1950 ኮሚሽነር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ንጕዳይ ኤርትራ፡ ብመሰረት ውሳነ 390 A(V)፡ መዕለቢ ክገብረሉ ንኤርትራ ዝተጓዕዘ ፍሉይ ልኡኽ እዩ።

እቲ 390 A(V) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ውሳነ፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተመወለ ኰይኑ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፈደረሽን ንክሓብራ ብ2 ታሕሳስ 1950 ዝጸደቐ ውሳነ ነበረ።

እቲ ውሳነ ድሕሪ ነዊሕ ክርክርን ምጕትን እተን ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ጽልዋን ተሰማዕነትን ዘለወን ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ሕብረት ሶቭየትን እቲ ባይቶ ዝመዘዞም ኮሚሽነራት ዝሃብዎ ርእይቶን እማመን ዝተበጽሐ ኰይኑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ ዘውዲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ብፈደራላዊ ውዕልን ቅርጽን ክተኣሳሰራ ዝድንግግ እዩ።

እቲ ፈደራላዊ ውዕል ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳራውን ፍርዳውን ቅርጺ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ሰንደቕ ዕላማ ክህልዋ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዘቤታዊ ጕዳያታ፡ እንተላይ ኣብ ፖሊስ፡ ምምሕዳር ከባቢ፡ ከምኡ እውን ስርዓተ ቀረጽን ግብርን ክትቈጻጸር ይፈቅድ። እቲ ዓበይቲ ሚኒስትሪታት፣ ጉዳያት ወጻኢ፡ ንግዲ፡ ምክልኻል፡ ፋይናንስን መጓዓዝያ ዝኣመሰለ ከኣ ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ መንግስቲ ሃይለስላሰ ንኽምሓደር ይእምም።

እቲ ብሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብ 390 A(V) ዝፍለጥ ንድሌት ኤርትራውያን ንናጽነት ዕሽሽ ዝበለ ውሳነ፡ ካብ መጀመርታኡ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ይዅን እምበር ነቲ ህዝቢ ብመጠኑ ደሞክራሲያዊ መሰላትን መሰል ርእሰ-ምሕደራን ስለዘረጋግጽ፡ ከምቲ ኤርትራውያን ውዒሎም ሓዲሮም ብሕጋዊ መገዲ ነጻነቶም ክጠልቡን ከረጋግጹን ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ከምዝነበረ ሰነዳት ታሪኽ ይጠቅስ። 

ሓጺር ድሕረ-ባይታ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን

ብ1941፡ ብእንግሊዝ ዝምራሕ ሓይሊ መሻርኽቲ ሓይልታት ኪዳን፡ ንሓይልታት ኢጣልያን ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ሰዓሮ ሃጸይ ሃይለስላሰ ናብ ስልጣኑ ተመልሰ፣ ኣብ ኤርትራ ከኣ ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ተተኽለ።

እንግሊዝ ንኢጣልያ ደፊኦም ናብ ኤርትራ ምስ ኣተው፡ ዕድላት ትምህርቲ ከፊቶም፡ ናጻ ጋዜጣታት ብምፍቃድ ጩራ ደሞክራሲ'ኳ እንተተቐልቀለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምሕደራኦም ኣይተሓጐሰን፤ መሊሱ ከፊኡዎ እምበር ኣይሓለፈሉን።

እቲ ምሕደራን ቍጠባ ሃገርን ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ ኰይኑ እቲ ዝተረፈ ስራሕ ኵሉ ገና በቶም ዝተረፉ ኢጣልያውያን'ዩ ዝካየድ ነይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ዝነበረ ስርዓት ክፈርስ እንግሊዝ ዝሓሸ ምሕደራ ከተኣታትዉ ኣይከኣሉን። እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ዓሳክር ኢጣልያ ከኣ ተረፈቱ።

ንምዃኑ፡ ኢጣልያ ንኤርትራ ብዕሊ ግዝኣታ ካብ ዝገበረትሉ እዋን ኣትሒዙ (1890) ክሳብ እንግሊዝ ዝኣቱ (1941) ማዕረ 130,000 ኤርትራውያን፡ ዓሳክር ኢጣልያ ኰይኖም ከም ዘገልገሉ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹዎ’ዮም። እዚኦም መደበኛ ሰራዊት’ዮም፤ ምስኦም’ውን ክንድኦም ዝኣኽሉ ብ ‘ባንዳ’ ዝፍለጡ ኣባላት ዘይምዱብ ሰራዊት ነይሮም’ዮም። ስለዚ እቲ ዝዓበየ ወሃብ-ስራሕ ናይቲ ዘመን ውትህድርና ኢጣልያ ምንባሩ ተመራማሪ ታሪኽ ኣለምሰገድ ተስፋይ ይጠቅስ።

እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ ብዙሕ ነገር ደስከለ። ኣብ ኤርትራ ፍጹም ድኽነት ኣተወ፣ ጸኒሑ ሽፍትነት ገነነ፣ ህዝቢ ኸኣ ብፖለቲካ ንሓድሕዱ ክናቘት ጀመረ።

ህዝቢ ኣስመራ ብ1951 - ፈደረሽን ምስ ተደንገገ

ምንጪ ስእሊ, SG

መግለጺ ስእሊ, ህዝቢ ኣስመራ ብ1951 - ፈደረሽን ምስ ተደንገገ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማሕበር ፍቕሪ ሃገር’ኳ እንተ ተመስረተ፡ ብዕላማኡ መሰረት ክሰርሕ ኣይከኣለን። ንጉስ ሃይለስላሰ ኸኣ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንክትሓብር ጽዑቕ ድፍኢት ይገብር ነበረ። እንግሊዝ ካብ ኤርትራ ዝወጽኣሉ ኣገባብ እናሰላሰለ መንግስቲ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ ትካላቱ ኣጣጥሐ።

ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ተጻረርቲ ደምበታት ተገማሚዓ ሰላም ሰኣነት። እንግሊዝ ንጕዳይ ኤርትራ ክትፈትሖ ኣይከኣለትን።

ተድላ ባይሩ ማሕበር ሕብረት (ምስ ኢትዮጵያ) ምስ መስረቱ፡ ኢብራሂም ሱልጣን ከኣ ራቢጣ ኣልእስላምያ ዝብል ሰልፊ ብምምስራት ብግብሪ ተቓወምዎ። ከም ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝኣመሰሉ ከኣ ብጋዜጣ ኣቢሎም ንናጽነት ይቃለሱ ነበሩ።

ብ1947፡ መርማሪት ኮሚሽን ኣርባዕተ ሓያላት መንግስታት፡ ናብ ኤርትራ ብምጕዓዝ ንኵነታት ኤርትራ ብቐረባ ንኽትምርምር'ኳ እንተተገብረ፡ እቶም ዝተላእኩ ኣባላት ኮሚሽን ንኵነታት ሃገር መዕለቢ ክረኽብሉ ስለ ዘይከኣሉ - ድልየት ዝበዝሑ ህዝቢ ክርስትያን ምስ ኢትዮጵያ ንምሕባር፡ ዝበዝሑ ኣስላም ከኣ ንናጽነት ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ - ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጕዳይ ንክፈትሖ ተማሕጺኖም ተኣልዩ።

መንግስቲ እንግሊዝ፡ ፈተነ መርማሪት ኮሚሽን ከም ዝፈሸለ ርእያ ድማ ናታ ኣጀንዳ ደፍኣትሉ - ብ 'በቪን-ስፎርዛ' ዝፍለጥ መደብ። እቲ መደብ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ፍርቃ ንኢትዮጵያ ፍርቃ ንሱዳን ንምሃብ ነበረ። እንተዀነ ነቲ መደብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከጽድቘ ኣይከኣለን። ብሳላ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ከኣ ኤርትራ ናብ ክልተ ሃገራት ካብ ምግምማዕ ከም ዝደሓነት መጻሕፍቲ ታሪኽ ይጠቕሱ።

ብድሕሪ ክንደይ ሕንፍሽፍሽን ውዲትን ውሳነ 390 A(V) ምስ ጸደቐ፡ ጕዳይ ኤርትራ ካብ ኢድ ኤርትራውያን ብኸመይ ከም ዝተመንዝዐ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብቲ ‘ኣይንፈላለ’ ዘርእስቱ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ “ኤርትራውያን ብሽፍትነትን ዕግርግርን ሰላም ምስኣንን መንፈሶም ወዲቑ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበየኖ ብይን፡ በቲ ዝተነግሮ መንፈስ ተቐበሎ” ክብል ኣለምሰገድ ተስፋይ እቲ ኵነታት ማዕረ ክንደይ በዳሂ ምንባሩ ኣብታ ‘ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ' ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ።

ነቲ ውሳነ ፈደረሽን ንኸተግብር ድማ ኤድዋርዶ ኣንሶ ማቲየንሶ ናብ ኣስመራ ተላእከ።

ኣንሰ ማቴንሶ ኣብ ኣስመራ

ኣንሶ ምስ መራሕቲ ፖለቲካ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, SG

ማቴንሶ፡ ብ9 ለካቲት 1951 ኣስመራ ኣተወ። ደገፍ ናይቶም ክልተ ዓበይቲ ጕጅለታት ኤርትራ ንምርካብ - ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ናጽነት ኤርትራን ዝጠለቡ ጕጅለታት - ብዝዓለመ መደረኡ “ብው.ሕ.ሃ. ዝተደንገገ ሚዛናዊ ውሳነ ከተግብር መጺአ እነኹ” ክብል መልእኽቱ ኣቕረበ።

ዋላ’ኳ ህዝቢ ኤርትራ ብቓልሲ ንናጽነትን ጸረ-ቓልስን ዘፍ ኢሉ እንተነበረ፡ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ድልየታ ዝሰምረላ ህርድግ ትብል ነበረት።

ንኣብነት ኢትዮጵያዊ ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ፡ ፍሉይ ልኡኽ ጃንሆይ - ሃይለስላሰ - ናብ ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣብ ኣስመራ ዀይኑ በቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ ጽቡቕ ስም ስለ ዘይነበሮ ብዓምደሚካኤል ደሳለኝ ተተክአ።

ዓምደሚካኤል ደሳለኝ ንባህርያት ደቂ ላቲን ኣሜሪካን ጣልያንን ፈረንሳውያን ዓሚቝ ፍልጠት ኣለዎ ካብ ዝብል ዕላማ፡ ምስ ኣንሶ ማትየንሶ ድማ ብዝሓሸ ኣገባብ ክሰርሕ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ንኣስመራ ተላእከ።

እቲ ለውጢ፡ ዕላማ ጃንሆይ ካብ ፈደረሽን ሓሊፎም ንኤርትራ ብፍጹም ሕብረት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ግዝኣቶም ክጽንብርዋ ከም ዝሓለኑ ዘመልክት ‘ዩ ነይሩ፡ ክብል ኣለምስገድ ተስፋይ ይገልጾ።

'የኤርትራ ጉዳይ በኣጼ ሃይለስላሰ መንግስት' እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ዘውዴ ረታ እውን ነዚ ሓቂ እዚ ኣስፊርዎ ኣሎ። ከም ኣክሊሉ ሃብተወልድ ዝኣመሰለ ምኩር ኢትዮጵያዊ ፖለቲከኛ ከኣ ብሸነኽ ዲፕሎማሲ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ነበረ።

ማቴንሶ ግን ሽፍትነት ኣብ ኤርትራ ገና ስለ ዘይዘሓለ ከም ድላዩ ኣብ ኵሉ ሸነኻት ኤርትራ ንኸይንቀሳቐስ ሽግር ፈጠረሉ። በቲ ዝተፈጥረ ሽግር (ካልኦት ተንተንቲ ምስምስ’ዮም ዝብልዎ) ማቴንሶ ኣክንዲ ልዝብን ምዝርራብን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝጅምር ምስ ኢትዮጵያ ክላዘብ ጀመረ።

ማቴንሶ ኣኼባታቱ ምስ ኢትዮጵያ ይጀምር’ምበር ምስ ኣክሊሉ ሃብተወልድ (ሽዑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረ) ብዙሕ ኣይተቓደዉን።

ማቴንሶ ብመሰረት ውዕል ው.ሕ.ሃ ኤርትራ ብነብሳ እትመሓደረሉ ስርዓት ንምፍጣር፡ ኢትዮጵያ ኸኣ ነቲ ስርዓት ንኸይትግህሶ ዘድሊ ቀይድታትን ንምትእትታው ይጽዕር ስለ ዝነበረ፡ ምስ ኣክሊሉ ከምዝተጋጨው ታሪኽ ይጠቅስ።

ኣክሊሉ፡ ናቱ ሓሳብ፣ ኢትዮጵያ ዓብላሊ ተራ ሒዛ፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ብንጉሰ ነገስት ክሕረ፡ ኣምሓርኛ ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ክኸውን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክትስቀል ...ወዘተ ዝኣመሰሉ ሓሳባት ሒዙ ቀረበ። ማቴንሶ ግን ተልእኾኡ ኤርትራ ብርእሳ እትመሓደረሉ ኣገባብ ንምፍጣር ምዃኑ ንኣክሊሉ ተዛረቦ።

ዋላ’ኳ ማቴንሶ ምስ ኣክሊሉ ብዝገብሮ ዝነበረ ክርክርን ዘቕርቦ ዝነበረ ሓሳባትን (ተራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኸይዕብልል) ይነጽጎ ስለዝነበረ፡ ኢትዮጵያ ንማቴንሶ ካብ ስርሑ ንኽእለ ሓያል ጐስጓስ ተካይድ ነበረት። ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ቦሊቭያ (ሃገሩ ንማቴንሶ) ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ ከኣ፡ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ፍጻመ ብምምዝማዝ ኣብ ዕላውነት ስራሕ ማቴንሶ ሕቶታት ኣልዓለት።

ጸሓፊ ኣለምሰገድ ተስፋይ ነቲ ኣብ መንጎ ኣክሊሉን ማቴንሶን ዝካየድ ዝነበረ ቍርቍስ፡ ኣብታ “ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ” ዝተባህለት መጽሓፉ ብዘስፈሮ ዝርዝር ኣብቲ ታሪኽ ኣገዳሲ መትንታት ውዲት ከም ዝነበሮን ገሊጹ ኣሎ።

ኣክሊሉ፡ ኵሉ ጠለባቱ ኣይስመረሉ’ምበር በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጸቕጥን ምፍርራሕን - ማለት ማቴንሶ በቲ ኣብ ቦሊቭያ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ብወግዒ ንሃገሩ ስለ ዘይውክል ካብ ስርሑ ንኽእለ ኢትዮጵያ ክትጕስጕስ ምዃና ዘስምዕ ምፍርራሕ - ብሓንቲ ኣገዳሲት ጕዳይ ተዓወተ።

እዚ ኸኣ ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ወኪል ንኽህልዎም ማቴንሶ ተሰማምዐ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ስምምዕ’ቲ ተቓውሞ ነበሮ። 

ሽፍትነት ምስ ዘሓለ ማትየንሶ እንታይ ገበረ?

ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ንሽፍትነት ንከህድእ ይሰርሕ’ኳ እንተነበረ፡ ከምቲ ዝግባእን ዝድለን ግን ኣይተዓወተን። ምኽንያቱ፡ ማቴንሶ ኣብ ኤርትራ ምስ መጽአ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ኤርትራ ዑደት ንኸይገብር ዓንቂፎምዎ’ዮም።

ምስ ጀነራል ዳንካን ካሚንግ፡ ናይ ሽዑ እንግሊዛዊ ኣመሓዳሪ፡ ይጋጨዉ ነይሮም’ዮም። ማትየንሶ ንካሚንግ ኣንጻር ሽፍትነት ጽኑዕ ስጕምቲ ክወስድ ደጋጊሙ ጸቕጢ ይገብረሉ ነይሩ’ዩ።

በቲ ዘመን’ቲ፡ ማትየንሶ ኣብ ኤርትራ ዝኣተወሉ ዘመን፡ ማዕረ 2,000 ሸፋቱ፡ መብዝሕትኦም ክርስትያን፡ ከም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይገልጹ።

ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ሽፍትነት ነዊሕን ዝተሓላለኸን ኰይኑ እቲ ዝዓበየ ሸነኹ ግን ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝሕግዝ ምንቅስቓስ’ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ግዳይ ሽፍትነት እቶም ኣብ ቀጽሪ ናጽነት ዝነበሩ ዜጋታትን ዜጋታት-ጣልያንን’ዮም ነይሮም።

ምስኡ ኸኣ ዘይንብረቶም ክዘርፉን፡ ኣውቶቡሳት ክኸትሩን፡ ኣብ ቅርሕንቲን ሕነን ተሞርኲሶም ሰባት ክቐትሉን፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዞም ሆ! ዝብሉ እውን ነይሮሞም’ዮም።

ውዕል ፈደረሽን ጸዲቑ፡ ማቴንሶ ነቲ ውዕል ንኸተግብሮ ኣስመራ ምስ ኣተወ'ውን እቲ ሽፍትነት ኣይሃድአን። እቲ ብሽፍትነት ኣቢሉ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መልእኽቲ ከኣ ምሉእ ሕብረት’ምበር ፈደረሽን ንኤርትራ ኣይጠቕማን እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምሃብ ከምዝነበረ ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ’ሎ።

እቲ ዝምታን ዕግርግርን ስለዝበዝሐ ግን፡ ኣብ መወዳእታ እንግሊዝ፡ ንሸፋቱ ብጥብቂ ዝከታተል ሓደ ፍሉይ ወተሃደራዊ ኣሃዱ መስሪቱ ክሃድኖም ጀመረ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ካብቶም ሸፋቱ ኣብ ትግራይ መደበር ኣቚሞም ይመላለሱ ስለ ዝነበሩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ክላዘብ ጀመረ።

እቲ ሳልሳይ ስጕምቲ ኸኣ ንሸፋቱ ምሕረት ምስ ተኣወጀ እቶም ሸፋቲ በብሓደ ቀስ ኢሎም ኢዶም ክህቡ ጀመሩ። እቲ ሽፍትነት ከኣ ሃድአ። ሽዑ ማትየንሶ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቐስ ጀመረ።

ማቴንሶ፡ ኣማኸርትን ኣብ ስርሑ ዝተሓባበርዎ ሰባትን ስለ ዝነበርዎ ነቲ ስራሕ ተታሓሓዞ። እቲ ዛንታ ንምሕጻሩ፡ ንሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ንኸጽድቕ ሓደ ባይቶ ተመዘዘ።

ብመጋቢት-ግንቦት 1952 ምርጫ ብሰላም ተኻይዱ፡ 68 ሕጹያት (34 ክርስትያን፡ 34 ኣስላም) ካብዚኣቶም 32 ናይ ማሕበር ሕብረት ተመርጹ። ማትየንሶ ኸኣ ብ 3 ግንቦት 1952 ነቲ ዝነደፎ ቅዋም ንባይቶ ኣቕረበሎም።

ኣብቲ ኣኼባ ባይቶ ጠቕላል ኣመሓዳሪ ካሚንግ፡ ኮሚሽነር ማትየንሶ፡ ከምኡ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ርክብ መኰነን ዓምደሚካኤል ደሳለኝ ተረኺቦም ነበሩ።

እቶም ካብ ኵሉ ሸነኻት ፖለቲካ ዝተመርጹ ኣባላት ባይቶ፡ ሓደ ብሓደ ቃል ማሕላ ምስ ፈጸሙ፡ መጀመርታ ዝተዛረበ ኣመሓዳሪ ካሚንግ ነበረ። በዚ ዋዕላ ኣቢሉ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ይተኣታቶ ብምህላው ስርዓት ፈደረሽን ንምቛም ዓቢይ ተራ ከም ዝጽበዮም ንኣኼበኛታት ኣተሓሳሰበ።

ቀጺሉ ኣንሰ ማቴንሶ ከምዚ ዝስዕብ በለ፡ “እዚ ኣቕሪበዮ ዘሎኹ ንድፊ (ቅዋም)፡ ኣብ ብይን ሕቡራት መንግስታት ተነቢሩ ዘሎ መሰረታዊ ሕጊ ዝሓዘ፡ ናይተን ዘግድሰን ወገናት ርእይቶ ዝጠመረ፡ ንድላይን ሃረርታን ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝፈቅድ’ዩ፣ ኰይኑ ድማ ንሓድነት ኤርትራ ዝሕሉን ንፈደራስዮን ዝከላኸልን ስራሕ ንኽትሰርሑ እላበወኩም፡” በለ።

ብሓጺሩ፡ ማቴንሶ ነቲ ፈለማይ ምርጫ ባይቶ ዘዋደደ፡ ንቅዋም ኤርትራ ዝነደፈን እዩ። እቲ ቅዋም ምስቶም ቀንዲ ኣርባዕተ ኣማኸርቱ፡ ምስ ገዛእቲ እንግሊዝ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ምስ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብምምኻር’ዩ ነዲፍዎ ይበሃል። ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም’ውን ከም ዝተርጐምሉ ዳን ኮነል ይረቝሖም።

እቲ ካልኣይ ማቴንሶ ከም ዝዝከር ዝገብሮ ነጥቢ፡ እቲ ሕቡራት ሃገራት ዝወሰኖ ብይን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከም ድላዮም ክገብርዎ ዕድል ብዘይምሃቡ እዩ።

ይዅን’ምበር፡ ማቴንሶ ዘተኣታተዎ ፈደረሽን ንኤርትራ ኣይጠቐመን። እንግሊዝ ንንብረት መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረኪቡ’ዩ ከይዱ።

ኣለምሰገድ ተስፋይ ከም ዝጸሓፎ፡ “ማትየንሶ ንዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሃለስላሴ ኣእትዩ ካብ ኤርትራ ለቐቐ” ይብል።

“እቲ ጕዳይ ብየዋህነት ማቴንሶ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ዉ.ሕ.ሃ ንመሰላት ኤርትራ ጸማም እዝኒ ዝህብ ዝንባለ ከም ዝነበረ ምፍላጥ የድሊ” ክብል ከኣ ነቲ ሽዑ ኣብ መንጎ ኣርባዕቲአን ሓያላን ሃገራት ዝነበረ ናይ ረብሓ ቁርቁስን ሕልኽላኽልን ይገልጾ።

ማቴንሶ ብ15 መስከረም 1952 ካብ ኤርትራ ምስ ወጽአ፡ ንሓለፍቱ እቲ ምስግጋር ጽቡቕ ከም ዝኸደ ጸብጻቡ ኣቕረበ።

ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ግን ማቴንሶ ምስ ተኣልየን እንግሊዝ ምስ ወጽኡን፡ ቀስ ብቐስ ንዅሉ ፈደራላዊ ውሳነን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ብምግሃስ ንኤርትራ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ኣብ ኢዶም ኣእተዉዋ።

በዚ ከኣ፡ 30 ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ንናጽነት፡ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ህይወት ሰብን ንብረትን ክሳራ ሰዓበ።

እታ ኣንጻር ድሌት ህዝባ ብፈደራላዊ ውዑል ዝተቘርነት ኣብ መወዳእታኡ ከኣ ብዓመጽ ዝተላሕቀት ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ግንቦት 1991 ነጻነታ ተጐናጺፋ ምስ ልዑላዊ ክብረታ ናብ ማሕበረሰብ ሰብ ዓለም ተጸምበረት።