ኣብ ብሪጣንያ ዋጋ ጸዓት ኣዝዩ ይንህር ምህላው ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝመጽእ ዓርቢ ሓድሽ ዋጋ ጸዓት ብሪጣንያ ምስ ተነግረ፡ ስድራቤታት እታ ሃገር ወርሓውን ዓመታውን ወጻኢታተን ክፈልጣ እየን።
ሓደ ተንታኒ ኮርንዎል ኢንሳይት ዝተባህለ ትካል ኣብ ዝመጽእ ጥሪ፡ ወጻኢታት ሓንቲ ስድራ-ቤት ዓዲ ኢንግሊዝ £4,650 ፓውንድ ክበጽሕ ከምዝኽእል ሓቢሩ።
ነቶም ዝለዓለ ጠለብ ጸዓት ኣብ ዝድለየሉ እዋን ውሑድ ጸዓት ዝጥቀሙ ስድራ ቤታት፡ ዝጎደለ ስልዒት ከምዝስልዓሎም ናይ ምግባር ትልሚ'ውን ኣብ ቀረባ ግዜ ክግለጽ እዩ።
ዋጋ ጸዓት ክንደይ እዩ ክኸውን?
ዋጋ ጸዓት፡ ኦፍጋም ብዝተባህለ ንዋጋ ጸዓት ዝከታተልን ዝቈጻጸርን ትካል እዩ ዝውሰን። እቶም ገምጋም ዋጋ ጸዓት ዘቕርቡትካላት ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ሃልኪ ጸዓት [ናይ መጐጐ፡ ፍርጅ፡ ፌሮ፡ መውዓይ ማይ፡ መሞቚ ገዛ ወዘተ] ዝምልከት ሃልኪ ዋጋ ይትምኑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዋጋ ጸዓት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ናህሪ ብ54% ዓብዩ። እዚ ማለት ከኣ ሓደ ስድራ ቤትንዓመት £1,971 ፓውንድ እናኸፈለ ልሙድ መጠን ጋዝን ኤሌክትሪክን ይጥቀም ማለት እዩ። እታ ስድራ እንተደኣ ዝያዳ ጸዓት ተጠቒማ ገንዘብ ይውስኽ፣ እንተደኣ ካብቲ ልሙድ ዝወሓደ ተጠቒማ ከኣ እቲ ዝኽፈል ይውሕድ።
ኦፍጋም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰሰለስተ ወርሒ እቶም ጸዓት ዘፍርዩ ትካላት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ስኮትላንድን ዌልስን ገለ ክፋል ኣየርላንድን ክንደይ የኽፍላ ከምዘላዋ ብምቁጽጻር እቲ ዋጋታት ከምዝመዓራረ ይገብር። እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዘሎ ዋጋታት ጸዓት ግን ብኻልእ ስርዓት ምጣነ ዋጋ እዩ ዝትመንን ዝመሓደርን። ግን ዝኸበረ ምዃኑ እዩ ዝግመት።
ድሕሪ'ዚ ወሰኽ ዓመታዊ ወጻኢታት ሓንቲ ስድራ ክንደይ እዩ ክኸውን?
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2023 ከኣ ዋጋ ጸዓት ክውስኽ እዩ ይበሃል ስለዘሎ፡ እቲ ዓመታዊ ወጻኢ ካብ £3,554 ናብ £4,650ፓውንድንኽውስኽ ትጽቢት ይግበር።
ኣብዚ እዋን እዚ ሓንቲ ስድራ ወርሓዊ ናይ ጋዝን ኤለክትሪክን ወጻኢኣ £164 ፓውንድ እዩ ጸኒሑ። ድሕሪ እቲ ወሰኽግንንወርሒ £388 ፓውንድ ክኸውን እዩ።
እዚ ንመላእ ሰድራ ቤታት ብሪጣንያ ኣጨኒቑ ዘሎ መጠን ወሰኽ ጸዓት ኣብ መነባብሮ እቲ ሕብረተሰብ ከቢድ ጸቕጢክፈጥርስለዝኽእል፡ “ኦፍጋም፡ ስድራቤታት ነቲ ኣብ መጻኢ ዝኽሰት ዘይተርፍ ወሰኽ ዋጋ ጸዓት ልዑል ጥንቃቐ ክገብራ ኣለወን” ክብል ተማሕጺኑ ኣሎ።
ካብዝን ካልእን ብዝብገስ ኣብ ዝመጽእ ዓመት መጠን ዝቕባበ ዓባይ ብሪጣንያ 18% ክበጽሕ ከምዝኽእል ክኢላታትቁጠባ የጠንቅቚ።
ስለዝዀነ ነፍሲ ወከፍ ስድራ-ቤት ኣብ ኣጠቓቕማ ጸዓት ልዑል ጥንቃቐ ከተካይድን፡ ኣብ ህይወታ ብዙሕ ጽልዋዘይብሎም ከም መንቀጺ ክዳን ዝኣመሰሉ ተወሳኺ ጸዓት ዘህልኹ መሳርሒታት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ የተሓሳስብ።
ድሕሪ እቲ ብለበዳ ኮቪድ ዘጋጠመ ዕጽዋታት ዋጋ ጸዓት ብቕልጡፍ ክውስኽ ከምዝጀመረ ዝሕብሩ ክኢላታት እቲ ኣብ ቀረብንዋጋ ነዳድን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩ ዘሎ ግን ኲናት ዩክረይን ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ ዓማዊል እንታይ ጽልዋ ኣለዎ ?
ዋጋ ነዳዲ ንቑጠባዊ ዓቕሚ ብዙሓት ስድራታት ክፈታትኖም እዩ። ኤ-ኤን ዝተባህለ ትካል ጸዓት ብሪጣንያ ከምዝሕብሮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓንቲ ካብ ሸሞንተ ስድራ-ቤታት ወጻኢታተን ንምኽፋል ይጽገማ ኣለዋ። ኣብ ዝመጽእጥቅምቲ ከኣ እቲ ኣሃዝ ናብ 40% ክዓቢ ይኽእል እዩ።
ትካል ጥዕና ብሪጣንያ ኤን-ኤች-ኤስ ኣብ ወቕቲ ዛሕሊ ኤውሮጳ ብፍላይ እቶም ሕክምናዊ ደገፍ ዘድልዮም ዕድመዝደፍኡ ሰባት ቍጽሮም እናወሰኸ ከምዝኸይድ ይሕብር። መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ጸዓት ንምቍጽጻር ተወሳኺ ስጕምቲእንተ ዘይወሲዱ ጥዕና ብዙሓት ሰባት እናገደደ ክኸይድ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣሎ።
ኮንፈደረሽን ኤን-ኤች-ኤስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ገዛኦም ንኸምቑ ምሳሕ ወይ ድራር ክዘሉ ወይ ከኣ ኣብቁርን ቀዝሕን ራህድን ክነብሩ ይግደዱ ከምዘለው ይሕብር።
ነብሲ ወከፍ ስድራ ቤት ብሪጣንያ፡ ዋጋ ጸዓት ካብ ዝጅምረሉ ጥቅምቲ፡ ንዓመት £400 ፓውንድ ናይ ጸዓት ደገፍ ክወሃበን እዩ።ነቶም ኣዝዩ ትሑት እቶት ዘለዎምን ተጠወርቲ መንግስቲ ዝኾኑ ብመልዕሎ ዝናበሩ ልዕሊ ሸሞንተ ሚልዮን ዝዀኑስድራቤታት ዓመታዊ ክሳብ £600 ፓውንድ ንወጻኢታት ጸዓት ዝውዕል ደገፍ ክግብረሎም እዩ።
ንጥሮተኛታት ስድራ ቤት ተወሳኺ £300 ፓውንድ፣ ንኣካለ ስንኩላን ከኣ £150 ዝያዳ ገንዘብ ክወሃቦም እዩ።
እቶም ፈጺሞም ወጻኢታት ጸዓት ንምኽፋል ዝጽገሙ ስድራቤታት ከኣ ንወጻኢታት ጸዓት ብዝሕግዝ ትካላት ኣቢሎምጸገሞም ከቕርቡን እተን ትካላት ዝኽእልኦ ዘበለ ምኽርን ሓገዝን ክህባኦም ይኽእላ።
እቶም ዕዳኦም ክኸፍሉ ዝጽገሙ ከኣ እተን ትካላት ናይ ኣከፋፋል መደብ ክሰርዓሎም ይኽእላ። እዚ ማለት [ሓደ ሽሕ ዕዳዘለዎም ሰባት ኣብ ክንዲ ብሓንሳብ ክኸፍልዎ ዝሕተቱ ከከም ዓቕሞምን እቶቶምን ኣብ ወርሒ በብ80 ወይ 90 እናገበሩ ንክኸፍሉ ይሕገዙ።]
ከምኡ’ውን ጽጒማት ስድራቤታት ብቤትጽሕፈት ማዕከን ደገፍ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም።
ፈጺሞም ክኸፍሉ እንተዘይክኢሎም ወይ እንተ ዘይተሰማሚዖም ግን፡ እተን ጸዓት ዘቕርባ ትካላት ኣገልግሎት ክድርታኦምንክቘርጻሎም’ውን ከምዝኽእላ እዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ የረድእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







