ኤርትራ: ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ኣሎ - ጋዜጠኛ ዘ ኢኮኖሚስት

ኣስመራ

ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ከምዘሎ ኣብታ ሃገር ምብጻሕ ዘካየደ ጋዜጠኛ መጽሄት 'ዘ ኢኮኖሚስት' ጸብጺቡ።

እቲ ናብ ኤርትራ ክኣቱ ዘይልሙድ ፍቓድ ዝተዋህቦ ጋዜጠኛ፡ ኣብታ ከተማ ዘለዉ እንዳ ሻሂታት ጸምዮም፡ ከብሕታት ደዃክን ጥራዮም ተሪፎም ከምዝራኣየ ጠቒሱ።

ናይ መድሃኒት ቀረባት የንቆልቁል ከምዘሎ'ውን እቲ ጸብጻብ የረድእ። መንእሰያት ኤርትራ ኲናትን ወረ ኲናትን ከምዘሰልከዮም ገለ ነበርቲ ከምዝሓበርዎ'ውን ጸብጻብ 'ዘ ኢኮኖሚስት' ገሊጹ።

ብሰንኪ ኲናት፡ ደርቂ፡ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣተሓሕዛ መንግስትን እገዳታትን ቁጠባ ኤርትራ እናንቆልቆለ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንእዋናዊ ሕሰም መነባብሮ ዜጋታት ዝፈትሕ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበን።

ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘይስሩዕን ዘይንጹርን ባጀታዊ ስርዓት፡ ምብሓት ቁጠባ ብንግዳዊ ትካላት ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ብሰራዊት ዝመሓደራ ትካላት፡ ቁጠባ እታ ሃገር እናተዳኸመ ክመጽእ ምጽንሑ ኪኢላታት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ሓያሎ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ፡ ካብታ ሃገር ብምውጻእ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳ፡ ኣንጎላን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝበላ ሃገራት ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ይግለጽ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድሕሪ ዝፈጸመቶ ወራር፡ ዋጋታት መግቢ፣ ጸዓትን ድኹዕን ብምውሳኹ ቁጠባ ዓለም ከንቆልቁል ጀሚሩ'ሎ።

ሆሮታ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ዓለማዊ ባንኪ ደቪድ ማልፓስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነቲ ምንቁልቋል ከመይ ከምእንገትኦ ኣይርደኣንን" ኢሉ።

እቲ ቻይና ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ዘላ ዕጽዋ እውን ንምዝሕሓል ቁጠባ ዓለም ኣበርክቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

መጽሄት 'ዘ ኢኮኖሚስት' ብዛዕባ ኲናት ትግራይን ተሳትፎ ኤርትራን ኣመልኪቱ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ኤርትራውያን ብውግእን ወረ ውግእን ከምዝሻቐሉ ገሊጹ።

"ኲናት ኣሰልኪዩና እዩ. . .ደቅና ንሕና ኣብ ዘይንረብሓሉ ነገር ይሞቱ ኣለዉ" ክብል ሓደ ካህን ብምረት ካብ ዝተዛረበ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ብዙሓት መንእሰያት ብሰራዊት ከይግፈፉ፡ ለይቲ ኣብ ከተማ ካብ ምንቅስቓስ ከምዝሕየቡ ጸብጺቡ'ሎ። እቲ ኩነታት ናብ ስደት ክውሕዙ ከምዘገድዶም፡ ምስ ገለ መንእሰያት ዘካየዶ ቃለመሕትት ኣስፊሩ'ሎ።