ወጻኢታት መግቢ ብኸመይ ንቝጥብ?

ዕዳጋ

ናህሪ ዋጋታት ልዕሊ ዓቕምና እናዀነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ሰሙናዊ ዝዕድግዎ ዓይነታት መግቢ ክንክዩ ይውስኑ ኣለው።

ዝዕድግዎ ነገራት ካብ ምንካይ ብተወሳኺ፡ ገንዘቦም ብዙሕ ነገራት ንምግዛእ ክተኣኻኸለሎም ይደልዩ።

ቢቢሲ ምስ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ተመኵሮ ንዘለወን ሰባት ኣዘራሪቡ'ሎ።

1. ዘለና ትሕዝቶና ብግቡእ ንፍለጥ

ሮዚ ምስ ወዳ

ምንጪ ስእሊ, ROSIE FORSHAW

ሮዚ፡ ቅድሚ ናብ ዕዳጋ ምኻድና ነቲ ኣብ ከብሒ ገዛና ዘሎ ነገራት ብግቡእ ንርኣዮ ክትብል ትምዕድ።

"ዝርዝር ኣዳሊኻ ምሓዝ ዝህልዎ ረብሓ ኵላትና ንፈልጦ ኢና፤ ግን ከኣ ነቲ ኣብ ከብሒ ኣስቤዛ ዘሎ ነገራት ከይረኣና፡ ተወሳኺ ንዕድግ እንተዄንና ንዘየድልየና ነገር ገንዘብ ምውጻእ እዩ ዝኸውን" ትብል።

"ኣብ ከብሒ ሓሙሽተ ዕሹግ ናይ ፓስታ ስልሲ እናሃለወና ተወሳኺ ምዕዳግ ትርጉም የብሉን" ኢላ።

ንሳ ኣብ ከብሒ ኣስቤዝኣ ዘሎ ነገራት ብዝርዝር ናይ ምሓዝ ተመኵሮ ኣለዋ።

ወትሩ፡ ናብ ሹቕ ክትኸይድ እንከላ ኣብ ገዛኣ እንታይ ኣሎን የለን ፈሊጣ እያ ትወጽእ።

እዚ ድማ ነቲ ንዓኣ፡ ንበዓል ቤታን ወዲ ሓደ ዓመት ወዶምን ዘድሊ ሰሙናዊ ወጻኢታት መግቢ ትሕቲ 40 ፓውንድ ክኸውን ከም ዝገበሮ ትዛረብ።

2. ፈለማ፡ ምጕዳል ዋጋ ዝተገብሮ ኣስቤዛ ረኣዩ

ናብ ድኳን ክንኣቱ እንከለና ፈለማ ናብቲ ምንካይ ዋጋ ዝተገበረሉ ዓይነት ኣስቤዛ ምኻድ ከም ዘድሊ፡ ሊን ትምዕድ።

"ብዝርዝር ኣብ ወረቐት ካብ ዝጸሓፍኩምዎ ነገራት፡ ኣብኡ እንተረኺብኩም ቅሩብ ገንዘብ ክተትርፉ ክኢልኩም ኣለኹም ማለት'ዩ" ትብል።

ኣብ መዝሓሊ ዝተቐመጡ፡ ከምኡ ድማ ዝተዓሸጉ መግቢታት እውን ዝነከየ ዋጋ ከም ዝህልዎም ትዛረብ።

"ኣብ መዝሓሊ ክጸንሕ ዝተገበረ ስጋ፡ ዓሳን ኣሕምልትን ዳርጋ ኵልግዜ ካብቲ ሓድሽ ዝነከየ ዋጋ እዩ ዘለዎም" ትብል ሊን።

"ናብቲ ሓድሽ ቅድሚ ምኻድኩም ካብቶም ኣብ መዝሓሊ ዝተኸዘኑ እንተረኺብኩም ቅሩብ ገንዘብ ቈጢብኩም ማለት'ዩ" ክትብል ተረድእ።

3. ንፍሪጅኩም (መዝሓሊ ወይ መብረዲ) ብግቡእ ተጠቐሙሉ

ዝተዓሸገ ሰላጣ

ምንጪ ስእሊ, PETER DAZELEY

ምስ ብኽነትን ምሕደራ ሃብትን ብዝተሓሓዝ ዝሰርሕ ትካል ግብረሰናይ 'ደብሊው. ኣር. ኤ. ፒ.' [Waste and Resources Action Programme (WRAP)] ከም ዝብሎ፡ ዝባኸነ ወይ ዝተበላሸወ ብዝብል ዝጓሓፍ መግቢ፡ ብገምጋም ካብ ሓደ ስድራ፡ ዓመታዊ 700 ፓውንድ ይበጽሕ።

"እንጥቀሞም ነገራት መዓልቲ ኣገልግሎቶም እናኣኸለ ይመጽእ እንተሃልዩ፡ ኣብ ፍሪጅ ክነእትዎም ይግባእ" ትብል ሊን።

"መዓልቶም ዝቐረበ መግብታት ኣብ ሱፐር ማርኬታታት ብዝሓሰረ ዋጋ ክትረኽብዎም ትኽእሉ ኢኹም። ከም ፀባ፡ ፎርማጆ (ቺዝ) ከምኡ ድማ ፍሩታን ኣሕምልትን ኣብ ፍሪጅ ኣጽኒሕና ኣብ ዝደለናዮ እዋን ክንጥቀመሎም ንኽእል ኢና"

መርበብ ሓበሬታ 'ዘ ፉል ፍሪዘር' እተካይድ ኬት ሆል፡ ዳርጋ ኵሉ መግብታት ኣብ ፍሪጅ ኣብሪድካ ክቕመጥ ዝኽእል'ኳ እንተኾነ፡ ኣገባብ ኣጠቓቕማኡ ግን ክትቅይሮ ከም ዘለካ ትዛረብ። "ንባናና ወይ ሰላጣ ከተምውቕ ኣይትኽእልን፤ ናብ ፍሪጅ ምስ ኣተወ ከኣ ልክዕ ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን ትጽቢት ኣይግበርን" ክትብል ተረድእ።

ኣስዒባ፡ "ኣብ ፐዲን ( ፈኲስ ሕውስዋስ መግቢ)፣ ወይ ኣብ ሾርባ ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል እንተሓሲብካ ግን፡ ሽዑ ብዙሕ ገንዘብ ክትቑጥብ ትኽእል ኢኻ" ክትብል ትምዕድ።

4. ኣብ ኣተዓሻሽጋ ንጠንቀቕ

ሮዚ ከም እትብሎ፡ ኣብ ድኳናት እንዕድጐም መብዛሕትኦም መግብታት፡ ነቶም ኣቕረብቲ ትካላት ብዝጥዕሞም መገዲ እምበር ነዓና ብዝምቸኣና ኵነታት ዝተዓሸጉ ኣይኮኑን።

ንኣብነት እቲ ብረቂቕ ፕላስቲክ ተዓሺጉ ኣብ ድኳናት እንረኽቦ ቅንጥሻራ (ማሽሩም) ናብ ገዛና ምስ ወሰድናዮ፡ ነቲ ፕላስቲክ ክንቕንጥጦ እንተኽኢልና ከይተበላሸወ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ትሕብር።

ወፍሪ 'ላቭ ፉድ ሄት ዌስት' እተካይድን ኣባል ትካል ግብረ ሰናይ 'ደብሊው. ኣር. ኤ. ፒ.' ን ዝዀነት ሄለን ዋይት፡ መግብታት ብፍላይ ሓድሽ ፍሩታን ሰላጣን ከይተበላሸዉ ክፀንሑ ንገብረሎም ነገራት ኣለዉ ትብል።

"ኣብ ክሽነ ንጥቀመሉ ሶፍት፡ ብንእሸተይ ናብቲ ሰላጣ ዝሓዘ መዕሸጊ ክነእትዎ እንተኽኢልና፡ እቲ ሶፍት ነቲ ዝፍጠር ራህዲ ስለ ዝመጦ፡ እቲ ሰላጣ ከይተበላሸወ ክጸንሕ ይገብር" ክትብል ተረድእ።

ፍሩታታት ኣብ ፍሪጅ ክጸንሑ ምግባር ድማ፡ ከየተበላሸዉ ንክቕንዩ ይሕግዝ'ዩ።

ግን ከኣ እቲ መጠን ሙቐት ትሕቲ 5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ምዃኑ ምርግጋጽ የድሊ።

5. ክኢላታት ነዛርብ

ሮዚ፡ ንናይ ከባቢኣ ንኣሽቱ ቸርቸርትን ናይ ዓመታት ተመኵሮኦምን ክትጥቀመሉ'ያ ትጽዕር።

ንሳ፡ እንዳ ስጋ ንዘለዎም ሸቃጦ ብኣብነት ተልዕል።

"ዓቢይ ጸጋ እዮም፤ ብዛዕባ ምቑጣብ ገንዘብ ክነማኽሮም ክንስከፍ የብልናን" ትብል።

"ኣብ ከባቢኻ ስጋ ናብ ዝሸጡ ሰባት ኣቲኻ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ንስጋ 8 ፓውንድ ጥራይ ከም ዘለካ እንተነጊርካዮም፡ ዝሓሰረ ቁራጽ ስጋ ብምግዛእ ገንዘብካ ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ክነግሩኻ ይኽእሉ እዮም" ብምባል ተረድእ።