ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ስለምንታይ ኣብ ሓጺር እዋን ፍታሕ ዘይተረኸቦ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ኣእትይዋ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ኣብ ሓፂር እዋን መፍትሒ ክረክብ ከምዘይክእል ሰብመዚ መንግስትን ሰብሞያ ቁጠባን ይዛረቡ።
በዓል መዚ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘውጽኦ ንምኽባር ናብራ ዝምልከት ፀብፃብ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ዝረኣይ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነፃፀር እንከሎ ብ34.7 ሚኢታዊት ወሰኽ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ ነይሩ።
እቲ ወሰኽ ዋጋ ድማ ኣብ ኣትክልትን ፍረታትን፡ ጥረታትን ኣእካልን፡ ቀመማትን ዘይትን፡ ጠስምን ቡንን ከምዘጠቓልል ኣፍሊጡ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ'ቲ ሎሚ ዝረኣይ ዘሎ ናህሪ ዋጋን ምኽባር ናብራን፡ በቲ ዝረኽብዎ ደሞዝ መነባብሮኦም ምምራሕ በዳሂ ከምዝገበሮ ይሕብሩ።
ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ነቲ ዝረኣይ ዘሎ ምኽባር ናብራ ቁልፊ መፍትሒ ዝኸውን "ምድንፋዕ ፍርያትን ፍርያምነትን እዩ" ይብሉ።
ሰብ ሞያ ስነ-ቑጠባ ብወገኖም እቶም ዝለዓለ ፍርያት ዝሕፈሰሎም ከባብታት ኢትዮጵያ ብስእነት ሰላም ኣብ ፀገም ምእታዎም፡ ኣብቲ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ብፅሒት ከምዘለዎ ይገልፁ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንጀነራላት ምክልኻል ሃገር መምርሒ ስራሕ ኣብ ዝሃበሉ ኣኼባ፡ "ስርናይ ናብ ዕዳጋ ሃገራት ንምቕራብ ንሰርሕ ኣለና" ክብል ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ንዘሎ ኩነታት ጠቒሱ ነይሩ።
"ተስፋ ቁረፁ ክቕጽል'ዩ. . ."
ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ብወገኑ ቅድሚ ሰሙናት ምስ ሹመኛታት እቲ ክልል ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ "ናህሪ ዋጋ ገና ክቕፅል እዩ። ቅበፁ ገና ክቕጽል'ዩ" ክብል ተሰሚዑ።
ነቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ንምቁፅፃር ክፍጸሙ ዘለዎም ዕማማት ዝበሎም እውን ተዛሪቡ።
"ሰለስተ ነገራት ክንፍጽም እተኺኢልና ጥራሕ ኢና ነቲ ናህሪ ዋጋ ክንቆፃፀሮ ንኽእል። እቲ ቀዳማይ - ፍርያት/ምህርቲ ክውስኽ ምግባር'ዩ። ፍርያትና ንምድንፋዕ ቀትርን ለይትን ክንሰርሕ ይግባእ። ካልኣይ - ኩነታት (ሜላ) መነባብሮና ክንቕይር ኣለና። ኣብ እንምገቦ፣ ናይ ምዕቛር ባህልና ብሓፈሻ ኩነታት መነባበሮና ምሉእ ብምሉእ ክቕየር ኣለዎ። እቲ ሳልሳይ ድማ ነቶም ነውራማት ምቁፅፃር'ዩ" ኢሉ።
እቲ ፀገም ግን ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝረኣይ ዘሎ ከምዘይኮነን ህዝቢ ዓለም ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ቅልውላው ከምዘሎን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ሞንጎ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ እቲ ናህሪ ዋጋታት "ገና ክቕጽል'ዩ፤ ቅበፁ ክቕጽል'ዩ" ዝብል ሓሳቡ ኣዘራራቢ ነይሩ።
ምስቲ ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ሕፅረት ስርናይን ሕሩጭን ከምዘጋጠመ ብምጥቃስ "እቲ ክንሓስበሉ ዝግባእ ጉዳይ 'ብኸመይ ፍርያትና ኣደንፊዕና ንሕና ቁሩብ ምስበላዕና ናብ ደገ ሸይጥና ገንዘብ ክንረክብ ንኽእል' ዝብል'ዩ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብሞያ ቁጠባ ልክዕ ከምቲ ኣይተ ሽመልስ ዝበሎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ብቕልጡፍ ከምዝፍታሕ ምዝራብ "ምትላል እዩ ዝኸውን" ይብሉ።
ካልኦት ድማ መንግስቲ ቅልጡፍ ዝኾኑ ስጉምትታት እንተወሲዱ፡ ብቕልጡፍ መፍትሒ ክመፅእ ከምዝኽእል ተስፋ ኣለዎም።
እዚ ናይ ሓሳብ ኣፈለላይ ዝምንጭው ግን "ቀንዲ ምኽንያታት እቲ ናህሪ ዋጋ እንታይ እዮም?" ካብ ዝብል'ዩ።
መንቀሊ ናህሪ ዋጋ እንታይ እዩ?
በዓልሞያ ስነ-ቁጠባ ዶክተር ጉቱ ቴሶ ኣብ ፍሩታታትን ጥረታትን ከምኡ ድማ ኣብ ምህርቲታት ኢንዳስትሪ ክሳብ 100% ወሰኽ ከምዝተረኣየ ይዛረብ።
ስለዚ "ኣብ ኢትዮጵያ ናብራ ዘይኸበዶም ክፋል ሕብረተሰብ ካብ 5 ሚኢታዊት ኣይበልፁን" ክብል ወሲኹ የረድእ።
ንሳቶም'ውን "ብብልሽውናን ብዘይሕጋዊ ንግዲን ዝሃብተሙ እዮም" ክብል ነቲ ዘሎ ኩነታት ይገልፆ።
ሹመኛታት መንግስቲ ዝርከብዎም ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ መነባብሮ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ናብራ ከምዝኸበዶም ዝዛረብ ዶክተር ጉቱ፡ ኣፍረይቲ ዝነበሩ ከባብታት ሰላም ምስኣኖም ነቲ ናህሪ ዋጋ መንቀሊ ከምዝኾነ ሓቢሩ።
ወሲኹ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለማዊ ዝምድናታታ ብድሆታት ኣጋጢምዋ ስለዘሎ፡ እዚ ኩነታት ከኣ ኣብ ምኽባር ናብራ ብጽሒት ከምዘለዎ ጠቒሱ።
ዶክተር ጉቱ ከምቲ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ዝበሉ፡ "ፍርያትን ፍርያምነትን ነኪዩ'ሎ" ዝብል እምነት ኣለዎ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ኣብቶም ዘፍርዩ ከባብታት ኲናት ምህላዉ'ዩ።
እተን ንቑጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ምድጋፍ ዓብዪ ብፅሒት ኣለወን ዝበሃላ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብዚ እዋን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ርክብ ፅቡቕ ዘይምዃኑ፡ ኣብ ቁጠባዊ ደገፍን ንግድን ፅልዋ ኣሕዲሩ ይርከብ።
ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ኢትዮጵያ ፅሑፋት ብምጽሓፍን ትንታነ ብምሃብን ዝፍለጥ ዓብዱል መናን መሓመድ ብወገኑ፡ "መንግስቲ መንቀሊ ናህሪ ዋጋ እናበለ ብተደጋጋሚ ዝጠቕሶ ምኽንያት ነቲ ቀንዲ መንቀሊ ብምሕባእ እዩ" ይብል።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ነጋዶ ፍርያት (ሸቐጣት) እናሓብኡ ብኽባር ዋጋ እናሸጡ ንምህፍታም ዝገብርዎ ምንቅስቓስ፡ ብመንግስቲ ዝጥቀስ ምኽንያት'ዩ። "እዚ ግን ቀንዲ ምኽንያት ኣይኮነን" ክብል ተቓውምኡ ይገልፅ።
"ነቲ ኣብዚ እዋን ዘጋጠመ ናህሪ ዋጋ ብቐዳምነት ተሓታቲ ዝኸውን መንግስቲ'ዩ። ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስመፅአ ሕትመት ገንዘብ (ብር ኢትዮጵያ) ብዝለዓለ መጠን ወሲኹ'ሎ። ባንኪታት ነዚ ገንዘብ ብልቓሕ ስለዝህባ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቁጠባ ዝንቀሳቐስ መጠን ብር ክውስኽ ጌርዎ" ክብል የረድእ።
ኣብዛ ብኲናትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ቁጠብኣ ዝተዳኸመ ሃገር፡ ኣብ ዕዳጋ ዝዘዋወር መጠን ገንዘብ ምብዝሑ ናብራ ክኸብር ከምዝገብር እቲ ተንታኒ የረድእ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዝተለቐቐ መጠን ገንዘብ ምስ ህልዊ ኩነታት ቁጠብኣ ዘይመጣጠን ምዃኑ መንቀሊ ናህሪ ዋጋ ኮይኑ'ሎ።
"መንግስቲ ነዚ ኣሚኑ ክቕበል ኣይደልይን። መንግስቲ ካብ ብሄራዊ ባንክ ብዙሕ ልቓሕ'ዩ ወሲዱ" ዝብል ዓብዱል መናን ብቕልጡፍ ክእረም ከምዝግባእ ይምዕድ።
ኣብ ሓፂር ጊዜ ዘይተፈትሓሉ ምኽንያት?
"በቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት መፍትሒ የብሉን። ኣብዚ ጉዳይ ብግልፂ ክንዘራረብ ይግባእ" ክብል ዶክተር ጉቱ ንኽብደት እቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ይገልፆ።
ወሲኹ ድማ "ኣብዚ እዋን ንዘሎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ኩነታት ክትግምግሞ ከለኻ፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ኮነ 9 ወርሒ ንህዝቢ ዘቕስን መፍትሒ ምምጻእ ይከኣል እዩ ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ'ዩ" ይብል።
ነዚ ዝበለሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ "ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ" ዝብል መደምደምታ የቐምጥ።
ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ግን ኣብቲ ክልል ዝፈርይ ስርናይ 1 ሚልዮን ኩንታል ምብጻሕ እንተተደልዩ፡ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ጥራሕ ነዚ ምዕዋት ከምዝከኣል ተዛሪቡ'ሎ።
እንተኾነ፡ ምብራቕ ወለጋ ካብ ሞንጎ እቶም ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ብስእነት ሰላም ዝሕመሱ ዘለዉ ዞባታት ሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ኣብ እዋን ሓጋይ ካብ ዝተሳለጠ ሕርሻ "25 ሚልዮን ኩንታል ምእካብ ከምዝተኽኣለ፤ ኣብ ዝመፅእ ዓመት'ውን ብዕጽፊ ንምዕባይ ከምዝስራሕ" ተዛሪቡ ነይሩ።
"ቀንዲ መንቀሊ ሕጽረት ፍርያት፡ ፖለቲካ እዩ" ዝብል ዶክተር ጉቱ፡ በቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ወይ ክልተ ዓመት ናብ ንቡር ከምዘይምለስ ስግኣቱ የቐምጥ።
"ካብ ሞንጎ ዘፍረይዎ ዝሸጡልናን ዘፍረናዮ ዝዕድጉልናን ሃገራት ምስ ገሊኤን ዝነበረና ርክብ ሓርፊፉ'ሎ። ነዚ ናብ ዝነበሮ ምምላስ ከኣ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ ዝከኣል ኣይኮነን" ይብል።
ዓብዱል መናን ብወገኑ፡ መንግስቲ ነቲ ዘሎ ፀገም ብግቡእ ተገንዚቡ፡ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 1 ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ነቲ ናህሪ ዋጋ ናብ ሓደ ኣሃዝ ናይ ምውራድ ውጥን ክህልዎ ከምዝግባእ የተሓሳስብ።
"ናይዚ ጸገም መንቀሊ ምስ ቀረብ ጥራሕ ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ዝሓስቡ እንተኾይኖም መፍትሒ ክመፅእ ኣይክእልን" ብምባል ስክፍትኡ ገሊፁ'ሎ።
መንግስቲ ካብ ብሄራዊ ባንኪ ዝልቅሖ መጠን ገንዘብ ክንኪ ከምዘለዎ ብምሕባር "መንግስቲ ኣገዳስነቶም ብዙሕ ዘዘራርቡ ፕሮጀክትታት ክቕጹሉ ክገብር የብሉን። ዋላ'ውን እቶም ኣገደስቲ ዝብሃሉ ፕሮጀክትታት መፍትሒ ክሳብ ዝርከብ ክደናጎዩ ኣለዎም" ክብል ይምዕድ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







